2018-03-22 16:24:00

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማይ


ሃብቲ ማይ ጸጋን ንዅሉን ናይ ኩሉን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘዘኻኽርዎ ሓቂ ምዃኑ እናዘኻኸርና፡ ማይ ንሕይወት መሰረታዊ ኣገዳስነት እያቶም ካብ ዝበሃሉን ባእታ ሓደ እዩ፡ ንመጻኢ ትውልዲ እናሓሰብና ክንከናኸኖን ክንዕቅቦን ዝተጸዋዕና ኢና፡ ናይ ኵሉን ንኹሉን ክነሱ ብዙሓት ክፍሊ ሕዝቢ ዓለም ጽሩይ ማይ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ተነፊግዎ ብስእነት ጽሩይ ማይ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተቓሊዑ ከምዝርከብ ከይተሓለሉ ቅዱስ ኣቦና ብምዝኽኻር እዚ ሃብቲ ንዅሉን ናይ ኵሉን በቲ እዋናዊ ሰብ ዝኽተሎ ናይ ምዓባለ ሜላ ይብከልን ይምዝመዝን ይባኽንን እውን ኣሎ፡ ብኸምዚ እንተድኣ ቀጺሉ ሃብቲ ማይ ንምውና ተባሂሉ ናብ ዝዓየበየን ዝኸፍኤን ዘስካሕክሕ ውግእ ምእታው ዘይተርፍ ምዃኑ የፍርሕ፡ ሃብቲ ማይ ክንከናኸንን ማይ ናይ ኵሉን ንዅሉን ምዃኑ ተኣሚንና ብኣግባብ ክንጥቀመሉን እዚ መሰል’ዚ ንዅሉ ዝተረጋገጸ ኣብ ምግባር ክንዓዪ የተሓሳስቡ፡ ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና እዚ ብምኽንያት መዓልቲ ማይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዛዕባ ሃብቲ ማይ ካብ ዝገለጽዎ ሃሳብ ዝተወስደ ጸማሪ ሓሳብ እዩ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.