2018-03-22 16:27:00

ፍራንቸስኮ ብእግዚኣብሔር ስለ ዝድነቑ፡ ዘደንቑ ር.ሊ.ጳ.


ዕለት 21 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሕንጻ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ማርኰኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ፍራንቸስኮ፡ ናይ ፋልማይ ግዘያት ር.ሊ.ጳ. ብዝብል ኣርእስቲ ጋዜጠይና ፋዚኒን ፈሚኒስን ዘደረስዎን ናይቲ መጽሓፍ መደምደሚ ጽሑፍ ደራሲ ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳስ ናይቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ረድኤት ማሕበራትን ክርስቲያን ረድኤት ማሕበራት ዝሓቁፍ ብካሪታስ ኢንተርንዚዮናሊስ ዝጽዋዕ ጳጳሳቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ልዊስ ታግለ ኣብ ዘሳተፈ ዓውደ ጉባኤ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎ ህዳሴን ለውጥን ሰውራዊ ዘይኰነስ ነቲ ፈላይን መራጽን ዝዀነ ተዘክሮና ምኽንያት ክንርስዖ ዝከኣለና ዓሚይቕን ገፊሕን ንዝዀነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ እሙናት ምዃን ዝብል እዩ፡ ብዙሕ ግዜ እቲ እንደልዮ ፈሊና ንዝክር፡ እቲ ናይ እምነትን ውርሻን ትዊፊት ቤተ ክርስቲያንን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እውን ነዚ ዓይነት ፈልዩ መራጻይ ንዝዀነን በዚ ምኽንያት ተዘክሮ  ኣቢልና ንዝተፈላለየ ሓደጋ ነቃልዖ፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ዘቕርቡልና ሕዳሴን ለውጥን ንእትደልዮ መሪጽካ ምዝካር ብዝብል ምርጫ ምኽንያት ንዝነቅጽ ተዘክሮና ናብ ሙሉእን ኵለንተናዊ ተኣማንነትን ዝመርሕን ነቲ ፈሊኻ ኣብ ምዝካር ዝነቕጽ ተዘክሮና ንኽልወጥ ዘነቓቕሕ ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምእተሰመረሉ ዝሓበሩ ሉእኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋናዊ ዘመን ንፈለማ ግዜ ዘይ ኤውሮጳዊ፡ ብዛዕባ ክንክን ስነ ምሕዳር ዝትንትን ተፈጥሮን ፍጥረትን ኣብ ምክንኻን ዘተኰረ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝጸሓፉ፡ ቅዱስ ዓመት ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ባሪኾም ዘበገሱ፡ መዓልቲ ድኻታት ዝኣወጁ ቀዳማይን ር.ሊ.ጳ.ን፡ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ፍራንቸስኮ ዝብል ር.ሊ.ጳጳሳዊ መጸውዕ ስም ዝሓረዩ። ነዚ ኩሉ ብምዝካር ኣብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ንመጀመሪያ ጊዜ ዘብሎም ብዙሕ ክውንነት ከምዘሎ ነስተውዕል፡ ናይ ኣግራሞት ር.ሊ.ጳ. ዝብል መጸውዕ ስም እውን ዝተውሃቦም እዮም፡ ነዚ ዅሉ እቲ ኣብ ፍራንቸስኮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝቃላሕ ፋልማያዊ ክስተት ግምት ብምሃብ ጋዜጠይና ጀሮላሞ ፈዚኒን ስተፋኖ ፍፈሚኒስን ነዞም ፋልማያዊ ተወላዲ ላቲን ኣመሪካን ኢየሱሳውን ር.ሊ.ጳ. ተክለ ሰብነት ዝትርኽ መጽሓፍ ንንባብ ኣብ ዘብቅዕሉ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉን ናይቲ መጽሓፍ መደምደሚ ኣስትዋጽኦ ዝደረሱ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

እቲ ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሓትመ መጽሓፍ ሰውራዊ መጽሓፍ ኣይኰነን፡ ተኣማንነት ነቲ ጥንታዊ ባህልን ትውፊትን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ሕዳሴ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዑምቀት ዝትንትን ምዃኑ እንከተሓሳስቡ፡ ናይቲ መጽሓፍ መቕድም ደራሲ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ምርምር ማሕበር ኣቦ መንበር ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰብኣዊ ተዘክሮ ኣብ ዝደልዮ ጥራሕ ነቒጹ ንምትራፍ ዝብል ሓደጋ ዝተቓልዔ ብምዃኑ እቲ ተሓድሶ ኣብ ተኣማንነት ንቤተ ክርስቲያንን ንትምህርታን ዘነቓቅሕ ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ ጉዕዞ ሕዳሴ ቅዱስ ኣቦና ዕጉስን ጽን በሃልን ነቶም ንሕዳሴ ቅሩባት ዝዀኑን ዘይኰኑን ኵሎም ብዘይ ቀዳማይን ዳሕረዋይን ዝቕበሉን ዘማኽሩን እዮም ስለምንታይ ናይ ክርስቶስ ርእየት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢደይ ኢዩ ምባባል ስለ ዘይከኣል ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ማእከላውነት ወንጌል ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ውሉደ ክህነት ገዳማውያንን መንፈሳውያን ማሕበራትን ዘተሓሳስቡ ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብሰርቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ኩኑ እዮም ዝብሉ። ቅዱስ ኣቦና ኣግራሞታዊ ር.ሊ.ጳ. ዝብል መጸውዕ ክወሃቦም ይስማዕ ብርግጽ ኣግራምነት ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘገርም እግዚኣብሔር ዝጸንዔን ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣግራምነት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ንመጀመሪያ ግዜ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ዝኣወጁ እዮም። ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዓመት ኣብ ኣፍሪቃ ዝኸፉቱ ምዃኖም እውን ዘኪሮም፡ እቲ መዓልቲ ድኻታት ዓለም ናይ ሕልና መርመራ ክገብር ዝዕድም እዩ። ነቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ብዝተፈላለየ መገድን መልክዕን ዝግለጽ ኢሰብኣውነት ተግባር ንምውጋድን ሰብኣዊ ፍጡር ሰብኣውነቱ ከየጥፍሕ ዝጽውዕን ድኻታት ጸገም ከምዘይኰኑን፡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከምዝዀኑን፡ ድኽነት ዝፈጥርን ዘስፍሕን ተግባርን ሜላን ኵሉ ክውገድ ዝተሓሳስብ እውን እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፋልማ ጊዜ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ ዝተሓርዩ ዘይኤውሮጳውን ቀዳማይ ላቲን ኣመሪካውን ድሕሪ ዘመናት ቀዳማይ ኢየሱሳውን እዮም እዚ ከኣ ክርስትና ንኹለን ባህልታት ምዃኑ ዘረጋግጽ ሕርየት እዩ። ኣብ ዓለም ስነ ምህዳራዊ ባህሊ የነቃቕሑ ኣለዉ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ስነ ምህዳርን ተፈጥሮ ምክንኻን ዘማእከለ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝደረሱ ቀዳማይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዮም እዚ ተፈጥሮን ፍጥረትን ምክንኻን ክርስቲያን ይኹን ዘይክርስትያን ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑ የገንዝቡ፡ እምነት ክርስትና ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳዊ ባህሊ ተገይሩ እዩ ዝሕሰብ ስለዚህ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕርየት ነቲ ክርስትና ኤውሮጳዊ ባህሊ እዩ ዝብል ወይ ዝወሃቦ ፍርዳዊ ርእይቶ ውድቂ ዝገብርን ክርስትና ኣብ ዝዀነ ይኹን ባህልን ሃገርን ሕብረተሰብን ቋንቋን ዓሌትን ክሰርጽ ዝኽእል ምዃኑ ዘበስርን ኢየሱስ ንኹሉ ሕዝብን ባህልን ምዃኑ ዝምስክር እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ዲ ቡሶሎ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.