2018-03-23 16:08:00

ሽወደን፡ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ማሕበር ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን፥ መጻእተይና ምእንጋድ ክርስቲያናዊ ግዴታ እዩ


መጻእተይና ምእንጋድን ኣብ ዘድልዮ መሰረታዊ ነገር ኩሉ ምድጋፍን ምክንኻንን ክርስቲያናዊ ሓላፍነትን ግዴታን እዩ ዝበሉ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ቱዚንግ ፕሮተስታንት ተቛምን ንናይ ጀርመን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ፖለቲካ ማሕበር ብሓባር ኣብ ዘሰናደውዎ ክፉት ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ማርቲን ዩንገ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝዀነ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ የመልክት።

እምነትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተጻረድቲ ኣይኰኑን ዝበሉ መጋቤ ዩንገ ኣቢያተ ክርስቲያን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ምንቁልቋል ሰብኣዊ ዕሴታት ግምት ብምሃብ ፖለቲካን ሕግን ስደተይና ኣብ ምኽባርን ምእንጋድን ሰብኣዊ ዕሴታት ካይበርስን መታን ኣብ ምኽባርን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምክንኻንን ምእንጋድን ስደተይናታትን መጻእተይናታትን ክዓያ ዘብቅዔን ምስረቓ ኣብ ምሃብ ክተግሃን ስለ ስደተይናን መጻእተይናን ደው ክብላን ይግባእ ከምዝበሉ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ዝሓበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣስዒቡ፥ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዘካይድ መደብ ሓገዝን ደገፍን ንስደተይናታትን ድኻታትን ተሳታፊ ብምዃን ዓቢይ ኣገልግሎት ዘበርክት ምዃኑ እውን መስኪሮም፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ኣክንዲ ሰብኣዊ ፍጥረት ምድሓን ኣባይቲ ባንክን ቅልውላው ቁጠባን ቀዳምነት ከምዝወሃቦን ጠቒሶም ኣብ ፖሊቲካን ኤኮኖምን ኵሉ ሰብኣዊ ክማእከል ኣለዎ ከምዝበሉን ብፍላይ ኣብ ጸገምን መከራን ዘሎ ሰብኣዊ ፍጡር ናይ ምድሓንን ምክንኻንን ናይ ኵሉ ሓላፍነትን ግዴታን እዩ፡ ብሕልፊ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን እውን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እተን ኣብ ጐድኒ ስደተይናታትን ተመዛበልንት መጻእትይናታትን ኰይነን ኣብ ድጋፎም ምእንጋዶምን ምክንኻኖምን ዝዓያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣበራቲዖምን ኣመስጊኖምን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንድኹማትን ጽጉማትን ልዑል ምዃኑ ይመስክራ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.