2018-03-23 16:06:00

ጭውያ ኣብ ባቕዳድ፥ ብፁዕ ኣቡነ ሳዓድ ሲሮፕ ናይ ሓደ ካህን እምነተ ኣብ ባቕዳድ ከመይ ተመስሎኡ የዘንትዉ


ዕለተ 15 ነሓሰ 2006 ዓ.ም. ብፁዕ ኣቡነ ሳዓድ ሲሮፕ ሓና ኣብ ባቕዳድ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ምስ ዓልቃይዳ ርክብ ብዝነበሮም ጅሃዳውያን ዕጡቓት ሓይሊ ተጨውዮም ንብዙሕ መግረፍትን ስቓይን መከራን ተቓሊዖምን እምነቶም ክክሕዱ ንኣካላዊ ስቓይን ንስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጥ ተዳሪጎም 28 መዓልታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘሕለፉ፡ ምልስ ቢሎም ነተን 28 ናይ ስቓይን መከራን ተመክሮ ኣብ ዒራቕ ዝተጨውየ፡ ካህን ኣብ ባቕዳድ ብዝብል ኣርእስቲ ጠርኒፎም ንድርሰት ዘብቕዖው ምጽሓፍ፥ ዕለት 22 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ግዳማዊ ግኣዝት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝርከብ ግረጐሪያና ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዝተኻየደ ዓወደ ጉባኤ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኤውጀኒዮ ሙራሊ ሓቢሮም።

ናይ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኑኖ ዳ ሲልቫ ጐንካልቨስ ነታ መጽሓፍ ንንባብ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ይብሉ ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንስደትን ኣድልዎን ተቓሊዖም ንዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ቅርበትና ዳግም እንሕደሰሉ እዩ ከምዝበሉ ሙራሊ ሓቢሮም፡ ኣባ ሳዓድ ሲሮፕ ሓና ኣብ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ብፍልስፍና ሊቕነት ዘመስከሩ እውን ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብቲ ዝተካየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ምስራቕ ስርዓት ጉዳይ ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ቫሲል ሲይሪል ኣውን ብወገኖም፥ ካብ ማእከላይ ምብርቕን ካብተን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ምዕራብ ሃገራት ብዝስደዱ ምእመናነን ኣቢለን እውን ኣብ ምዕራብ ዓለም ይርከባን፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣካል ናይታ ኣብ ምብራቕ ዘላ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ እትክተል ቤተ ክርስቲያን እያ፡  ቢሎም እቶም ካብ ማእከላይ ምብራቕን ናይ ምስራቕ ስርዓት ካብ ዝኽተላ ሃገራት ናብ ምዕራብ ሃገራት ዝስደዱ ምእመናን ነቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ማሕብራዊ ጉዳይ ኵሉ ዝኣልይ ባህሊ ብድሆ እዮም። ስለዚህ ነቲ ኣብ ምዕራብ ዝታኸስ ዝመስል ዘሎ ክርስቲያን ዘበራብር እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሙራሊ ገሊጾም።

ምስራቓውያን ኣቢያተ ክስቲያን ዝነብርኦ ዘለዋ ጽንኩር ኩነት ባዕሎም ናይቲ መጽሓፍ ደራሲ ብፁዕ ኣቡነ ሳዓድ ሲሮፕ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ተመክሮኦም ናቶም ናይ ግሎም ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ መላእ ማሕበረሰብ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ምዃኑ ኣረዲኦም፡ ናይታ ኣብ ምስራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንነት ዝገልጽ ተመክሮ ክኸውን እንከሎ፥ ናይ ሓደ ካህን ተመክሮ እውን እንተዀነ ጽንኩር ስደትን መከራን ኣብ ዘለሉ ከባቢ እምነት ክርስቲያን ኣብ ዝሳደደሉ ሃገር ኩሉ እምነት ክርስትና ምንባር ከቢድ ክሳብ መስዋዕትነት እውን ከምዘሕትት ገሊጾም፡ ኣብ ስደት እትርከብ ምስራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ብብቕዓት ምሕዞ ዝተሰነየት ብምዃኑ ኣብቲ እትርከበሉ ሃገር ኣብቲ ናይ ክርስትና መዝገብ ደስ ዝብል ገጽ እያ እትኸውን፡ ኣብ መጽሓፎም ማንም ሃይማኖት ብጸቕጢ ዝቐርብ ከምዘይኰነን ኩለን ሃይማኖታት እውን ዝኣምናሉን ኣብ ናይ እምነት መጽሓፍን እውን ዝግለጽ ምዃኑ ኣብ ቁርዓን ዘሎ፥ ኣብ ኣስገዳድ እምነት የለን ዝብል ቃል ጠቒሶም፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢ ዒራቕ በቶም ጅሃዳውያን ዝተቐትሉ ረሳኦም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተሓደገ እታ ኣብ ዒራቕ እትክርብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክርስቲያናዊ ናይ ፍትሓት ስነ ስርዓት ንምልባስ እናናደየት ብግቡእ ሓመድ ኣዳም ክምለሱ ትገብር ኣላ እንክብሉ ዘስምውዕዎ ቃለ ከምዘጠቓለሉ ሙራሊ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.