2018-03-24 16:18:00

ቅዱስ ኣቦና ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣባላት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ምእንቲ ሰላም ከምዝጸለዩን


ናይ ደቡብ ሱዳን ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣካል ዝዀነ  ስለ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ልሳን ልኡካን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 23 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብቕዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ከምእተገበረሎም ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይቲ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ወሃቢ ቃል ኣባ ጀስ ኦቨት ላታንሲኦ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ዘነቓቕሑ ናይቲ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ስለ ሓድነት ቤ ምኽሪ ኣባላት ብፁዓን ጳጳሳትን መጋብያንን ተቐቢሎም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝረአይ ዘሎ ግጭት ሓድሕድ ክውገድን ኩሉ ምእንቲ ሰላም ከይተሓለለ ክጽልን ክዓይን ሓደራ ከምዝበሉ ሓቢሮም፥

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደቡብ ሱዳን ክበጽሑ ዓቢይ ሃረርታ ከምዘለዎም እውን ባዕሎም ቅዱነቶም ከምዝገጹን ሕዝብን ምእመናንን ደቡብ ሱዳን እውን ብዓቢይ ሓንቀውታ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ክዕድለ ይጽበይ ኣሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር ሰላምን ጸጥታን ምሉእ ብምሉእ ንምውሓስ ኣይከኣልን ምስ በሉ፡ ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ ምስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢ ዓለም ዝረኣይ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝዓዪን ኣብዚ መዳይ ዝነኣድ ተመክሮ ምስ ዘለዎ ካቶሊካዊ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቅስቓስ ከምእተራኸቡን እዚ ርክብ ከኣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምርግጋጽ እንታይ ክግበርን ብኸመይ ምንቅስቓስ ከምዘድልይ ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብታ ኣብ መንጐ ሰዓብቲ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ሰዓብቲ ነበር ምኽትል ርእሰ ብሔር ሪክ ማቻርን ዝተባርዐን ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ሸውዓተ ሚሊዮን ሕዝቢ ንሰብኣዊ ሓደጋ ከምዘቃልዔን ክልተ ሚሊዮን  ምብዛሕቲኦም ናብ ኡጋንዳን ናብ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ከምእተሰዱን ክመዛበሉን ከምዝገበረ ገሊጾም፡ ናይታ ሃገር መራሕትን ላዕለዎት ኣካላት መብዛሕቲኦም ክርስቲያን እዮም ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዝፍጽምዎን ዘረማድዎን ውግእን ዓመጽን ርኢኻ እንታይ ዓይነት እምነት ክርስትና ከምዝስዕቡ እዩ ድምብርጽ ዝብለካ፡ ሕዝቦምን ዜጋታቶምን ንሞት ክዳርጉን ሃገርን ሕዝብን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ከቃልዑን ገዛእ ርእሶም ክርስቲያን ቢሎም ክሰምዩ የሕዝን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.