2018-03-26 17:07:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ናብ ሰርቢያዊት ከተማ ከመሮቮ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሞስኮ 3600 ኪሎ መትር ርሕቐት ኣብ እትርከብ ሲበርያዊት ከተማ ከመሮቮ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ዝተኸሰ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምስ ተነግሮም ዝተሰምዖም ጥልቂ ሓዘን ገሊጾም፡ ነቶም በቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት እውን ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር እምሕጸን ዝብል ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፉ ናይቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ንሕዝብን ሓደጋ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ኣባላትን ሰበ ስልጣናትን ቅርበቶም ብምርግጋጽ መለኰታዊ ቡራኬን ሰላምን ምጽንናዕን ካብ እግዚኣብሔር ከምእተማሕጸኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.