2018-03-26 18:06:00

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ መባእታ ሶሙነ ሕማማት ዝኾነት በዓለ ሆሳዕና


ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ መባእታ ሶሙነ ሕማማት ዝኾነት በዓለ ሆሳዕና ትማሊ ብዓቢ ክብሪ ተዘኪሩ ውዒሉ። እዚ ዕለትዚ ብደረጃ ሰበኻታት ናይ መንእሰያት ዓለምለኸ ዕለት እውን ብምዃኑ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው መንአያት በብሰበኻኦም ንመበል 33 ግዜኡ ንዝኽበር ዓለም ሓቆፍ ዕለተ መንእሰያት ብዝተፈላለየ መደባት ከምዘክበርዎ እንክዝከር ኣብ መንበረ ጴጥሮስ እውን ናይ ሮማ መንእሰያትን ካብ ኩሉ ዓለም ንንግደትን ንዙረትን ብዝመጹ መንእሰያትን ዓቢይ በዓል ተገሩ፣

ትማሊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝመርሕዎ ሥርዓተ ዑደተ ሆሳዕናን መሥዋዕተ ቅዳሴን ዓሪጉ፣

ሶሙነ ሕማማት ኣብ ዕለተ ሆሳዕና ብዝንበብ ሕማማት ኢየሱስ ጀሚሩ ጸሎተ ሓሙስ ብዝጅምር ሣልስቲ ፋሲካ ብዓርቢ ስቅለትን ቀዳም ስዑርን ኣቢሉ ኣብ ትንሣኤ ብምብጻሕ ይዛዘም፣ በቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ ቅዱሰንቶም ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ንድራር ጐይታን ሕጽበተ እግርን ኣብ ረጂና ቸሊ ዝበሃል ቤትማእሰርቲ እግሪ 12 እሱራት ብምሕጻብ ክፍጽሙ ምዃኖም ንግሆ ግን ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅዱስ ዘይቲ ሜሮን ቡራኬ ክገብሩ ምዃኖም ተመልኪቱ። ንዓርቢ ስቅለት ከኣ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ምሉእ መዓልቲ ብኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽን ስግደት መስቀልን ድሕሪ ዘኪሮም ኣማስያኡ ኣብ ኮለሰዩም ዝበሃል ብዙሓት ክርስትያን ሰማዕትነት ዝተቀበሉሉ ፍኖተ መስቀል ክገብሩን ቃሎም ክህቡን ትጽቢት ይግበር፣ ድሮ ፋሲካ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ካተድራል ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ትንሣኤ ከዕርጉ ከምኡ እውን ኣብ ዕለተ ፋሲካ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዲሶም ነቲ ኡርቢ ኤት ኦርቢ እታ ከተማን መላእ ዓለምን ዝብል መልእኽትን ሓዋርያዊ ቡራኬን ክህቡ እዮም፣

ትማሊ ኣብ በዓለ ሆሳዕና ቅዱስነቶም ዘቅረብዎ ስብከት እዚ ዚስዕብ ነበረ፣

‘ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ይኣቱ፣ ሥርዓት ኣምልኾና ነቲ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም ጐይታኡ ንምምስጋን ሆ ብማለት ዘርኣይዎን ዝገልጽዎን ታሕጓስን ባዕልን ንክንሳተፍ እንክዕድመና ነቲ ኣብ ቅዳሴ ዝሰማዕናዮ ዜና ሕማማት ኢየሱስ ምስ ኣንበብና ከኣ እዚ ታሕጓስ እዚ ካብ ዕረ ዝመርርን ኣሰቃቂ መቀረትን ይሓድገልና፣ ኣብዚ ሥርዓት እዚ ክልተ ተጻረርቲ ነገራት ማለት ዓቢ ታሕጓስን ብርቱዕ ሥቃይን ዝመሳቀላ ይመስላ፣ ከምኡ እውን እቲ ዕለት ዕለት ናይ ጐይታ ኣርድእቲ ብምዃን ዘጋጥሙና ጌጋታትን ዓወታትን ይመሳቀሉ፣ እዚ ከኣ ኣብ ናይ ዘመንና ሰባት ሕይወት እውን ክንርእዮ ንኽእል፣ በቲ ሓደ ወገን ዓቢይ ፍቅሪ ዝልግሱ ክትርኢ በቲ ሃደ ከኣ ዓቢ ጽልኢ ክሳብ ምቅታል ትርኢ፣ በቲ ሓደ ወገን ንምግባረ ሠናይ ዓቢ መሥዋዕቲ እንክኸፍሉ በቲ ሃደ ወገን ከኣ ከም ጲላጦስ ኢዶም ሓጺቦም ከምዘይርእዩን ከምዘይሰምዑን ክኾኑ ትዕዘብ፣ በቲ ሓደ ወገን ክሳብ ሞት ተኣመንትን ውፉያትን ክትርኢ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ዓቢ ክሕደትን ጥልመትን ትዕዘብ፣ እቲ ብብሥራት ወንጌል ካብ ኢየሱስ ዝርከብ ታሕጓስ ንገሊኦም ቅጭ ዘምጸኣሎም ናይ ምንጽርጻር ምኽንያት እውን ከምዝኾኖም ንጹር እዩ፣

ኢየሱስ ናብታ ብሕዝባ ተኺቢባ ብዜማን ሆሆታን ዝተኸበት ከተማ ይኣቱ፣ እዚ ድምጺ እዚ ድምጺ ናይቶም ኢየሱስ ዘሕወዮም እቲ ኣቦኡ ዝመሓሮ ውሉድ እቲ ዝነጽሔ ለምጻም ወይውን እታ ጠፊኣ ነራ ዝተረኽበት በጊዕ ወዘተ ኩሎም ብሓንሳብ ይሕጐሱ፣ እዚ ዜማ እዚ ዜማ ናይ ዝተማሕረ መጸባሓውን ዘይንጹሕን ኮይኑ ሆሆታ ናይቶም ኣብ ሻውላት ናይታ ከተማ ዝነብሩ ዝነበሩ ፍቅሩን ርሕራሔኡን ዝረኣዩ ኣብ ስቃዮምን ድኽነቶምን ዝራሕራሓሎም ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን እውን እዩ፣ እዞኦም በቲ ናይ ግዜኡ ማሕበረሰብ ዝተገለለ ብኢየሱስ ግን ተቀባልነትን ረድኤትን ዝረኸቡ ኮይኖም ‘ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር እቲ ብስም እግዚብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ’ ዝዝምርዎ መዝሙር ሓጐስ እዩ ነሩ፣ እንተሓሰብናዮኸ ነቲ ክብሮምን ተስፋኦምን ዝመለሰሎም ዘይምዝራን ዘይምምስጋንን ከመይከ! እዚ ታሕጓስ እዚ ናይቶም ሓጢኣቶም ዝተሓድገሎም እሞ እምነቶምን ተስፋኦምን ዳግም ዝረኸቡ ታሕጓስ እዩ፣ ስለዚከስ ሆ ይብሉ ይሕጐሱ እዚ ከኣ ደስታ እዩ፣

ኮይኑ ግን እዚ ናይ ሆሳዕና ታህጓስ በቶም ንጹሓት ኢና ንሕግን ትእዛዝትን ከኣ እሙናት ኢና ብዝብሉ ተቀባልነት ኣይረክብን እኳ ደኣ ዓቢ ዕንቅፋት ይኸውን፣ እዚ ክትቈጻጸሮ ዘይከኣል ታሕጓስ እዚ ነቲ ቃንዛን ስቃይን ምስኪንነትን ንከይስማዕ ዓንቂጽዎ፣ ብዙሓት ነዚ ብካልእ ዓይኒ ዝጥምቱ ከኣ ዋእ  ከመይ ዝበለ ሥርዓት ዘይብሉ ሕዝቢ እዩ ኢሎም ዝሓስቡ እውን ኣይሰአኑን፣ እዚ ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ሓጐስ ነቲ ካብ ኢየሱስ ዝተረኸበ ዓቢ በረኸትን ፈውስን ኣረሲዕዎም፣ ረኣዩሞ ንገዛእ ርእሶም ዘጽድቁን ዘመሓድሩን ሰባት ንናይ እግዚብሔር ምሕረት በዓልን ታሕጓስን ክርድኡ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ይመስለኩም! እቶም ብናይ ባዕሎም ሓይሊ ብምትእምማን ንገዛእ ርእሶም ልዕሊ ካልኦት ዝገብሩ ነዚ ታሕጓስ እዚ ክርድእዎን ተሳተፍቲ ናቱ ክኾኑን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ እሞ ተመልከቱ፣

በዚ ከኣ እቲ ኣብ ዓርቢ ስቅለት ስቀሎ ስቀሎ እናበለ ዝጭርሕ ድምጺ ይውለድ፣ እዚ ገዓር እዚ ሽዑ ንሽዑ ዝመጸ ኣይነበረን ቀስ ብቀስ ክምዕብል ዝቀነየ ብሕሜታትን ጽልኢ ብምዝራእን ብምስትንዓቅን ናይ ሓሶት መሰኻኽር ብምስንዳውን ኮነ ኢልካ ዝተጠጀኤ እዩ፣ ስለዚኸስ እቲ ገዓር እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ዝወልዶ እዩ። እዚ ድምጺ እዚ ነቲ ሓቂ ንምጥምዛዝን ንጥቅሚ ገዛእ ርእስኻ ዝኸውን ካልእ ሓሶት ብምምሃዝን ንካልኦት ክሳተፉ ብዘይስክፍታ ብምጽማድን ይግበር፣ ንጥቅሚ ገዛእ ርእሱ መጋበሪ ዝኸውን ንምድላይን ንድምጺ ንጹሓን ንምዕፋንን ዝጥቀመሉ ናይ ሕልና ኣልቦ ገዓር እዩ፣ ንሓቂ ንምጥምዛዝ ዝተፈላለየ ሕብርታት ስለዝለኪ ንኢየሱስ ዘይሕብሩ ዘይግብሩ ዘይጠባዪ ብምቅባእ ከም ሓደ ገባር ክፉእ ከቅርብዎ ክኢሎም፣ እዚ ድምጺ እዚ ናይቶም ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ድምጺ ብምዕፋን ጥቅሞምን ስልጣኖምን ንምክልኻል ዝቃለሱ ሰባት ድምጺ እዩ፣ እዚ ከኣ ካብ መንከማይ ዝብል ናይ ብደዔን ትብዒትን ስምሊት ተላዒሉ ብዘይም ምንም ጸገም ስቀሎ ስቀሎ ከም ትብል ይገብረካ፣

በዚ ከምዚኸስ ንበዓል ሕዝቢ ከምዝቅህም ብምግባር ሱቊ ከምዝብሉ ይገብርዎም ንተስፋኦም የማህምኑ ንሕልምታቶም ይቀትሉ ንታሕጓሶም ይዓብጥዎ፣ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ልቢ ይሽፈን ይዕፈን ፍቅሪ ትዝሕል፣ ኣብዚ እቲ ዝሓሰመ ‘ገዛእ ርእስኻ ኣድሕን’ ዝብል መርዚ ብምንዛሕ ንናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ከደቅስ ንዕላማታት ከጥፍእ ምድንጋጽ ክኣሊ ኮታስ ንርሕራሔ ክዓብጥ ዝግበር ገዓር እዩ፣ እዚ ርሕራሔ እዚ እቲ ናይ እግዚብሔር ድኽምቲ ጎኒ እንብላ ኰና ምስ ዝበኪ ክትበኪ ምስ ዝሕጐስ ከምእትሕጐስ ዝገብር ዓቢ መንፈሳዊ ሓይሊ እዩ፣

ኣብ ቅድሚ እዚ ዘደንቊር ድምጽታትን ገዓርን እቲ ዝበለጸ መድሓኒት ንመስቀል ክርስቶስ ኣተኲርካ ብምጥማት ነታ ናቱ ናይ መጨረሻ ገዓር ኣብ ልብኹም ክትሰምዕዋ እሞ ብኣ ምልዋጥ እዩ፣ ክርስቶ ክመወት ከለው ፍቅሩ ንክገልጽ ግዒሩ እዚ ገዓር እዚ ንመንእሰያትን ሽማገለታትን ቅዱሳንን ሓጢኣተኛታን ስለፍቅሪ ናይቶም ኣብቲ ግዜኡ ዝነበሩን ነዞም ሕጂ ዘሎናን እዩ፣ ኣብ መስቀሉ ኲልና ድሒና ኢና ነዚ ታሕጓስ ወንጌል እዚ ከሕድገና ዝኽእል ወላ ሓደ የልቦን ከመይ እዚ ኩነት እዚ ገጽታ ምሕረት እግዚብሔር ኣብ ስለዝኮነ ማንም ካብዚ ገጽታ እዚ ክርሕቅ የብሉን፣ ንመስቀለ ክርስቶስ ኣተኰርካ ምጥማት ከስ ነቲ ቀዳምነት እንህቦ ምርጫታትናን ተግባራትናን ዓቢ እጃም ኣለዎ፣ እስኪ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና ሕልናና ንመርምር! ልብና እንታይ ይርኢ! ኢየሱስ ኣብ ልብና ምኽንያት ታሕጓስን ምስጋናን ኮይኑዶ ይቅጽል ኣሎ ወይስ ንሓጢኣተኛታትን ንትሑታትን ነቶም ዝተረስዑን ቀዳምነት ምሃቡ የሕፍረና! እንክብሉ መርመራ ሕልና ክንገብር ምስ ዓደሙ ናብቶም ዕለቱ ናቶም ዕለት እውን ዝኾኑ መንእሰያት ምልስ ኢሎም ከኣ ከምዚ ኢሎም፣

ንኣኹም እየ ዝኸበርኩም መንእሰያት እቲ ኢየሱስ ኣብ ልብኹም ዝስኲዖ ታሕጓስ ንገሊኦም ደስ ኣይብሎምን ይኸውን! ቅጭ እውን ከምጸኣሎም ይኽእል! ምኽንያቱ ንሓደ ሕጉስ መንእሰይ ምጥምዛዝ ከቢድ እዩ፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሳልሳይ ዓይነት ምጭራሕ ኣሎ፣ ‘ካብ መንጎ እቲ ሕዝቢ ገሊኦም ፈሪሳውያን! መምር እዞም ኣርድእትኻ ግንሓዮም! ሱቅ በሉ በሎም ይብልዎ ኢየሱስ ከኣ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ እዚኦም ሱቅ እንተኢሎም ኣእማን ክጭርሑ እዮም` በሎም (ሉቃ 19,39-40) ንመንእሰያት ሱቅ ክተብል ምጽዓር ካብ ጥንቲ ዝነበረ ፈተነ እዩ፣ እቶም ፈሪሳውያን ኩሉ ምስ ኣገሞም ምስ ኢየሱስ ከማርሩ ይጅምሩ ንከህደኦም ሱቅ ንከብሎም ድማ ይምሕጸንዎ፣

ንመንእሰያት ሱቅ ክተብል ከምዘይረኣዪ ንክትገብርን ብዙ መንገድታት ኣሎ፣ ሕቶታት ብምቅራብን ክትዕ ብምልዓልን ራብሻ ከይገብሩ ንመንእሰያት ክተደንዝዘሎምን ክተደቅሰሎምን ዝሕግዙ ብዙሕ ኣገባባት ኣሎው፣ ሱቊ በሉ ክትብሎም፣ ተባራቢሮም ሕልምታቶም ኣብ ግብሪ ንከይውዕሉ እሞ ሃለውለውን ሕዙናትን ቊምነገር ኣልቦን ኮይኖም ሕዙናትን መሳኺንን ንክትገብሮም መዔንዘዚ ብዙሕ ኣገባባት ኣሎ፣

ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ኣብ እነብዕለሉ ዘሎና ሎሚ በዛ ዕለተ ሆሳዕና ንፈሪሳውያን ናይ ዘመኑን ናይ ኩሉ ግዜን እዞም ናይ ዘመና እውን ከይተረፉ ነቲ ኢየሱስ `ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ እዚኦም ሱቅ እንተኢሎም ኣእማን ክጭርሑ እዮም` ክብል ዝህቦም መልሲ ምስትንታኑ ክሕግዘና እዩ፣

ዝኸበርኩም መንእሰያት ንክትጭርሑ ምውሳን ንዓኹም ይምልከት፣ ኣብቲ ናይ ዓርቢ ስቅለት `ስቀሎ ስቀሎ’ ዝብል ጭርሖ ንከይትወድቊ ሎሚ መዝሙር ዕለተ ሆሳዕና ዘምሩ፣ ሱቊ ንዘይባል እትመርጹ ንስኹም ኢኹም፣ ንሕና እዞም ብዙሕ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ ብልሽውና ዝተዀማጣዕና ሽማገለታትን ሰብ ሓላፍነትን ሱቊ እንተደኣ ኢልና  ዓለም ብዓለሙ ሱቊ እንተበለን ታሕጓስ እንተኣጥፍኤን ካልኦት ኩሎም ሱቊ እንተኢሎም ክትጭርሑዶ ኢኹም ኢለ እሓተኩም ኣሎኹ፣

በጃኻትኩም ቅድሚ እቲ ኣእማን ምጭርሑ ወስኑ! እንክብሉ ስብከቶም ፈጸሙ፣     

 

ሥርዓተ ሆሳዕናን መሥዋዕተ ቅዳሴን ምስ ተፈጸመ ቅዱስነቶም ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ምድጋሞም ነቶም ንቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣፋሪቆም ዝነበሩ ካብ ሮማን መላእ ዓለምን ዝመጹ መንእሰያትን ኣብ መላእ ዓለም ብቀጥታ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝከታተልዎም ዝንበሩ ልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሺሕ መንእሰያትን `ኣሰር እኖና ድንግል ማርያም ብምኽታል ናብ ሲኖዶስን ዓለም ሓቆፍ ዕለተ መንእሰያትን ንጐዓዝ` እንክብሉ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝካየድ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ መንእሰያትን ንዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019 ኣብ ፓናማ ዝካየድ ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ዝካየድ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያትን ገና ነዊሕ ሥራሕ ከምዝጽበዮም ኣዘኻኺሮም፣

 ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ክገልጾ ከምዝቀነና ካብ መላእ ዓለም ዝተኣከቡ መንእሰያት ኣብ ሮማ ናብቲ ዓቢ ሲኖዶስ ንምስንዳው ዝሓለፈ ሶሙን ተጋቢኦም ከምዝቀነዩን ካብ ኩሉ ዓለም ከኣ ብቀጥታ ብኢንተርነት ከምዝተኸታተልዎ እንክምልከት ኣብ ፍጻሜ እቲ ጉባኤ ሓደ ሰነድ ኣሰናድዮም ትማሊ ‘ኣብዚ ሰነድ እዚ ክንዮ ቃላት ሕይወትናን ካብ መዓሙቊ ልብታትና ዝነቀለ ባህግታትናን ነወፍየልኩም ኣሎና` እንክብሉ ንቅዱስነቶም ኣረኪቦሞም፣ ቅዱስነቶም እውን ብወግኖም ንኩሎም ድሕሪ ምምስጋን ብሓባር ስእሊ ከልዕሉ ኣፍቂዶምሎም፣ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ብሓባር ደጊሞም ብሓዋርያዊ ቡራኬን ደምዲሞም፣    








All the contents on this site are copyrighted ©.