2018-03-28 16:34:00

ማሕበር ረድኤት ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ናይ እምነት ሰማዕታት ናይ ተስፋ ትእምርቲ እያቶም


ጳጳሳዊ በዓል መዚ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ ሰሙነ ሕማማት ብመንጽር እቶም ስለ እምነት ናይ ደም መስዋዕትነት ዝኸፍሉ ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ብናይ እምነት መልእኽቶምን ከብዕሎ ምዃኑ ምስ ቫቲካን ነውስ ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ዋና ኣመሓዳሪ ኣለሳንድሮ ሞንተዱሮ ሓቢሮም፡ ሰሙነ ሕማማት ብመንጽር ዝሳደዱን ዝሳቐዩን ናይ ደም ሰማዕትነት ብዝቕበሉን ክበዓል ምግባር ይብሉ ተስፋ ክርስቲያን ምሕያል ዝብልን ሰማዕትነት ናይ ተስፋ ትእምርቲ ምዃኑ በኣጽንዖት ንምሕባር እውን እዩ ኢሎም።

መእንሰይ ትውልዲ ብዛዕባ እቶም ስለ እምነት ክርስትና ዝሳደዱን ናይ ደም ሰማዕትነት ዝቕበሉን ኣፍልጦ ክህልዎ ምግባር የድሊ። እቲ ታሪኽ ሰማዕታን ናይ ፍቕርን ምሕረትን ገድለ ታሪኽ እዩ፡ ስለዚህ መንእሰይ ወለዶ ናይ እምነት ከይዲ ክሓንጽን ከጽንዕን ዝድግፍ እውን እዩ፡

ሰማዕትነት ኣባ ዣኽ ሃመል

ኣብ ፈረስንሳ ዕለት 26 ሐምለ 2016 ዓ.ም. ብኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝተቐትሉ 86 ዓመት ዝዕድመኦም ሰማዕት ኣባ ዣከስ ሃመልን ካልኦትን ናይ እዋንና ናይ እምነት ሰማዕታት ኵሎም ኣብ ኤውሮጳ ኰነ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክኽበር የተሓሳስቡ፡ ናይ ሃይማኖት ነጻነት መሰረት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ። ኣብቲ ምዕቡል ዓለም ዝበሃል ከባቢ ሃይማኖትን ግብር ገብን ካብ ኩሉ ማሕብራውን ስነ ሕንጸትን መዳይ ብምእላይ ዝሰፍሕ ዘሎ ባህሊ ይብሉ ሞንተዱሮ፥ ግብረ ገባዊ ሚዛን ሰብኣዊ ፍጡር የምክን የታኽስ ኣሎ፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ዓለም፡ ስለዚህ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክህሉ ዘተ ኣገዳሲ እዩ። ሃይማኖታዊ መንነት ዘይሓክኽ ዘተ ንናይ ሃይማኖት ነጻነት ወሳኒ እዩ ስለዚህ ሰሙነ ሕማማት ብመንጽር ናይ እምነት ሰማዕታት ምብዓል ፍቕርን ምሕረትን እግዚኣብሔርም ምንባር ምብጻሕን ማለት እዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ታሪኽ ድሕነት ህያውነቱ የረጋግጽ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.