2018-03-28 16:40:00

ኤል ሳልቫዶር “ኣውያት ድኻታትን መሬትን ንዓና ዓቢይ ሕቶ እዩ” ሳልሳይ ከፍለ ዓለማዊ ዓውደ ጉባኤ ቲዮሎጊያ


ዕለት 24 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ዝኽሪ ሰማዕትነት ብፁዕ ኦስካር ኣርኑልፎ ሮመሮ ብመርበብ ሓበሬታ ኣመሪንዲያን ክፍለ ትምህርቲ ድህረ ምረቓ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ላቲን ኣመሪካ ኾሴ ሲመዮን ካኛስ እቲ ካብ ዕለት 30 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 2 መስከረም 2018 ዓ.ም. “ኣውያት ድኻታትን መሬትን ንዓና ዓቢይ ሕቶ እዩ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ሳልሳይ ከፍለ ዓለማዊ ዓውደ ጉባኤ ቲዮሎጊያ ዝሳተፉ ተጋባእያን ምዝገባ ከምእተጀመረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።


እዚ ናይ 2018 ዓ.ም. ኣውያት ድኻታትን መሬትን ንኣና ዓቢይ ሕቶ እዩ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝካየድ ሳልሳይ ላቲን ኣመሪካዊ ቲዮሎጊያ ኣብታ ናይ እምነት ሰማዕት ጳጳስ ብፁዕ ኦስካር ኣርኑልፎ ሮመሮ ዝተወለዱላ ሃገር ንኽካየድ ምውሳኑ ዓቢይ ቲዮሎጊያዊ መልእኽቲ ዘለዎ ምዃኑ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ኣብ ዝኽሪ ሰማዕትነት ሮመሮን ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ኰሎምቢያ ከተማ መደሊን ኣብ 1968 ዘካየዶን ዘውጽኦ ሰነድ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ኣብ ዝበዓለሉ እዋን ተተሓሒዙ ዝካየድ እውን ምዃኑ ጠቒሱ፥ እቲ ናይ 1979 ዓ.ም. ናይ መላእ ላቲን ኣምሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረት ኣብ ፑወብላ ዘካየዶን ዘውጽኦ ሰነድን ኣብ 1992 ዓ.ም ኣብ ሳንቶ ዶሚንጎን ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ከተማ ኣፓረሲዳ ዝተኻየደ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤን ዘውጽኦ ሰነድን ምልስ ቢሉ ዝምልከትን፡ ኣብቲ ናይቶም ኣርባዕተ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤታት ናይ ፍጻሜ ሰነዳት ብዛዕባ ድኻታትን እንነብረላ መሬትን ዝተመልከቱ ነጥብታት ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ኣውያት ድኻታትን መሬትን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣንቢቡ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ሓቢሩ።

ዓወደ ጉባኤ ላቲን ኣመሪካዊ ቲዮሎጊያ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ከተማ ሳው ለዮፖልዶን ኣብ 2015 ዓ.ም. ከኣ ኣብ ብራዚል ከተማ በሎ ሆሪዞንተ ተኻይዱ ከምዝነበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣዘኻኺሩ፥

ውርሻ መደሊን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2017 ዓ.ም. ኣብ ኮሎምቢያ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን እቲ ኣብ 1968 ዓ.ም. ናይ ላቲን ኣምሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብታ ሃገር ከተማ መደሊን ኣካይድዎ ኣብ ዘነበረ ዓውደ ጉባኤ ዘውጽኦ ሰነድ፥ ውርሻ መደሊን ብዝብል ቃል ከምዝዘከርዎን፡ እቶም ዝሓለፉ ናይታ ክፍለ ዓለም ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዘካየዶም ሓፈሻዊ ጉባኤታትን ሰነዳቱን ምዝካር ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ሰነድ ህያው ውርሻዊ ተዘክሮ ምግባር እዩ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም እውን ከምዝነበሩ ገሊጹ፡ ስለዚህ ዝኽሪ ዘይኰነስ ተዘክሮ ኰይኑ ክዕቀብን ከም ውርሻ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ክንበር ኣለዎ ከምዝበሉ እውን የዘኻኽር።

ዘተ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስትያንን ኣብ መነጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን

ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዝሕብሮ፥ ናይ መንበረ ጥበብ ኾሴ ሲሚዮን ካኛስ ናይ ቲዮሎጊያ መርሓ ግብሪ ሊቕነት ብቲዮሎጊያ ዋና ኣመሓዳሪት ማርታ ዘክማይስተር፥ እዚ ናይ ለምዘበን ሳልሳይ ናይ ላቲን ኣመሪካ ቲዮሎጊያ ዓወደ ጉባኤ፥

መደሊን ናይቶም ወንጌል ብቓልን ሕይወትን ዘቃልሕዎን ወንጌል ምርጫ ንድካታት ዝብል ምዃኑ ኣብ ጐድኒ ድኻታት ቆይሞም መሰልን ክብርን ድኻታት ስለ ዝተጣበቑ ዝተቐትሉ  ሰማዕታት ምስክርነትን ስልጣንን ተዘክሮ ክህሉ ዝዕድም እዩ እንክብላ ምስ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን፡ ተጋባእያን ናይ ድኻታት ጸገምን ተስፋን ቲዮሎጊያ ገይሮም ክትንትንዎን እዋናዊ ማሕበራውን ባህላውን ፖለቲካውን ቤተ ክርስቲያናውን ላቲን ኣመሪካን ብላቲን ኣመሪካዊ ቲዮሎጊያ ብምምልካት ነዚ ኽኣ በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝቀላቐሉ ዘለዉ ረባሕታ ወይ መርኣያታትን ኣውያት ናይ እንነብረሉ መሬትን ተንቲኑ ነዚ ኻኣ ነቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያ ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተን ከምኡ እውን ነቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ግምት ብምሃብ እዩ ኢለን።

ንግደት ናብቲ ስፍራ ሰማዕት

እቲ ካብ ዕለት 30 ነሓሴ ክሳብ ዕለት 2 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ኤል ሳልቫዶር ዝካየድ ሳልሳይ ላቲን ኣመሪካዊ ቲዮሎጊያ ዓውደ ጉባኢ፥ ብጠቕላላ 20 መጽናዕታዊ መደረ ዘእንግድን ካብቶም ናይ መጽናዕቲ መደረ ዘቕርቡ ብፁዕ ካርዲናል ኾሴ ግረጎሪዮ ሮዛ ቻቨዝ ሓደ ክዀኑ እንከለዉ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብተበራረይ 14 ናይ ላቲን ኣመሪካዊ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ዝምራሕ ካልእ 14 ዓውደ ምይይጥ እውን ዘእንግድ ምዃኑ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብጠቕላላ መደባቱ ብናይ ድኻታትን ብናይ እንነብረላ መሬት ኣውያትን ንኣና ሕቶ ምዃኑ ዘናብብ ከምዝኸውንን ካልእ ዝተፈልለዩ ናይ ዕዮ ጉባኤን ስነ ምርምራዊ መግለጽታትን ባህላውን መንፍሳውን መደባትን ከምኡ እውን ክሳብ እታ እንኰ ሕይወቶም ስለ ድኻታትን መሬትን ኣውያት በጃ ዘሐልፉ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ሮመሮ ናይ ደም ሰማዕትነት ኣብ ዝኸፈለሉ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ዘጠቓልል ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.