2018-04-04 16:43:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ በርኒስ ጓል ማርቲን ሉተር ኪንግ


ዕለት 12 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ኣቦአን ኣሰር ብምስዓብ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ባህሊ ኰይኑ ኣብ ሕብረተሰብን ፖለቲካን ክሰርጽ ዝንቀሳቐሳን ንዅላዊ ምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝዓያን ናይ ሰላም ባህሊ ዘነቓቕሓን  በርኒሰ ጓል ማቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ እንክዝከር፡ ቅድሚ እዚ ዘካየደኦ ርክብ እውን ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ከተማ ሞንተለኦነ በቢ ዓመቱ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ካብ ዝዓዩ ብሉጽ ግደ ዘበርከታ ተባሂለን ተሓርየን ከምእትሰለማን፡ ሰላምን ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ባህሊ ንኽኸውን ናይ ኵሉ ዓቢይን ንኡስን ብፍላይ ናይቶም ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ዓበይቲ ኣካላት ሓላፍነት ምዃኑ ነቲ ስልማት ተቐቢለን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን ከምዝነበራ ይዝከር።

ቅዱስ ኣቦና ተፈጥሮን ፍጥረትን ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ናይ ኵሉ ጸዋዕታ ምዃኑ ዘስፍሕዎ ቲዮሎጊያውን ምህዳራውን ሕንጸትን ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ዘለዎ ወንጌላውን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን መሰረት ብምብራህ ሰላም ንምርግጋጽ ሰላም እንኰ መጋበርያ ምዃኑ ዘተን መራኸቢ ድልድል ምርግጋጽ እንክብሉ ብዘመሓላልፍዎ ትምህርቲ ምስ ናይ ዘጐነጻዊ ቃልሲ ባህልን ኣምርን ዘለዎም ምትእስሳር የረጋግጹ።

ሰላም ጦቢያ ወይ ዘይብጻሕ እናርሓቐ ዝኸይድ ዘይተበጻሒ ሸቶ ኣይኰነን ሰላም ንደላይ ሰላም ዝከኣል እዩ። ከምዚ ምዃኑ መስዋዕትነት ማርቲን ሉተር ኪንግ ይምስክሮ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ጀነቭ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት መስዋዕቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥  ቅዱስ ኣቦና ዕለት 24 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕዝባዊ ባይቶ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ነቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ድሕሪ መቕተልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ፥ ንማርቲን ሉተር ኪንግ ክርስቲያን ነቢይ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘዘኻክርን ማርቲን ሉተር ኪንግ ተወኪሶም ክብርን መሰልን ሰብኣዊ ፍጡር ልዑል ባህርይ ካብ እግዚኣብሔር እዩ ከምዝበሉ እውን ገሊጾም፡ ማርቲን ሉተር ኪንግ ውሩይ  ጊዜን ቦታን ዝሳገር ንእዋናዊ ዓለም ዝዛረብ ዕሴት ኣረኪቦም እዮም። ብርግጽ ካብቶ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ውሩያትን ዓበይትን ዝበሃሉ ሰባት እቶም ዝዓበዩ እዮም ምባል ምግናን ኣይኰነን። ኣብ ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጡር ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈቱ እዮም እንክብሉ ይገልጽዎም።

ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ሕልሚ ሎሚ እውን ንብዙሓት ሕዝቢ ዓለም እስትንፋስ ኰይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ሕዝባዊ ባይቶ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምዝገለጹን ብርግጽ ማርቲን ሉተር ኪንግ ናይ ኣፍሪቃ ኣመሪካውያን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብዙሕ ተጣቢቖምን ብሕይወቶም እውን ከፊሎምዎ እዮም። እቲ ንኣኦም ዘነቓቐሖም መንፈስ ክርስቲያናዊ እሴት እዩ፡ እቲ ቐዳማይ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ዝብልን ሎሚ እውን ዝቕጽል ዘሎ ዕላማ እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና  እውን ነዚ ዕሴት’ዚ ብምቅላሕ ሕዝብን መንግስታትን ዓለም ኣብ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ክነቕሑን ካብ ፈላላይ መናድቕ ዘራኽብ ድልድል ክሓንጹን የተባብዑን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.