2018-04-04 18:58:00

ንሕይወት ክርስትያን ብዝበለጸ ንምንባርን ምስትምቃርን ናብ ቅዳሴ ምግስጋስ የድሊ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 8 ሕዳር 2018 ዓምፈ ዝጀመርዎ ንቅዳሴ ዝምልከት ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ሎሚ ብዛዕባ ድሕሪ ቊርባን ዝፍጸም ናይ ምስጋና ጸሎትን መሰናበቲ እተው በሰላም ዝብል ኣዋጅን ብምትንታን ዛዚሞም፣ ነቶም ከም ዓቢ ሓዎም ዝምልከትዎም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብምዝካር እውን ናይ ርሑስ በዓለ ፋሲካ ሠናይ ምንዮቶም ገሊጾምሎም፣ ብቋንቋ ጣልያን ዘቅረብዎ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ከኣ ነዚ ይመስል ነበረ፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ርሑስ በዓለ ፋሲካ ይግበረልኩም፣ ሎሚ የማነ ጸጋም እንተጠመትኩም ብዙሕ ዕምባባታት ትርእዩ፣ ዕምባባ ሓጐስን ደስታን የምልክቱ፣ ኣብ ገገሊኡ ከባቢ በዓለ ፋሲካ ዚዓምበበት ፋሲካ ተባሂላ እውን ትጽዋዕ፣ ነዚ ዘብሎም ከኣ እቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ስለዝዕምብብን ንድሕነትና ከም ዚዕብብ ስለዝገብሮን ንቅድስና ቤተ ክርስትያን የዔምብቦ፣ በዚኸስ ብዙሕ ዕምባባታት ናትና ሓጐስ ይገልጽ፣ ስለዝኾነ ከኣ ምሉእ ሶሙን ከም ዕለተ ፋሲካ ነብዕሎ፣ ንኩልና ከኣ ብሩኽ በዓለ ትንሣኤ እናበልና ሠናይ ምንዮትና ንገልጽ፣ ሃየ እምበኣር ብሓባር ብሩኽ በዓለ ፋሲካ ንበል፣ ነዚ ሠናይ ምንዮት እዚ ነቶም ሓደ ግዜ ጳጳስ ሮማ ዝነበሩ ሕጂ ብተለቪዥን ዝከታተሉና ዘለዎ ፍትው ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ ርሑስ በዓለ ፋሲካ ንበሎም፣ ድምቅ ዝበለ ጣቅዒት ብምቅራብ ሠናይ ምንዮትና ንግለጸሎም፣ ድሕሪ ቢሎም ናብቲ ናይ ዕለቱ ትምህርተ ክርስቶስ ምልስ ብምባል ከኣ ንዕለቱ ዝሓሰብዎም ከምዚ ክብሉ ኣቅሪቦም፣

‘ብዛዕባ እቲ ተዝካር ሕማማትን ሞትን ክርስቶስ ዝኾነት ተዝካር ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ብሓዲስ ንኩሉ ህልው እንገብሮ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንዝጀመርናዮ ትምህርተ ክርስቶስ በዛ ናይ ሎሚ ትምህርቲ ንዛዝም ኣሎና፣ ኣብ ናይ መጨረሻ ትምህርትና ብዛዕባ ምቅባል ቅዱስ ቊርባንን ድሕሪ ቊርባን ዝግበር ጸሎትን ተመልኪትና ነርና፣ ከምቲ ሓፈሻዊ መምርሒ ሮማዊ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብ ቊ.90 ዝገልጾ ‘ድሕሪ ቊርባን ዝግበር ጸሎት ምስ ተፈጸመ መሥዋዕተ ቅድሴ ብቡራኬ ካህንን እትው በሰላም ቢልካ ንሕዝቢ ብምስንባትን ይፍጸም’ ዝብሎ ከኣ ቅዳሴ በዚ ይፍጸም፣ ከምቲ ክንጅምሮ እንከሎና ብትእምርተ መስቀል ዝጀመርናዮ ነዚ ዓቢ ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ ተግባር ማለት መሥዋዕተ ቅዳሴኸስ ብስም ቅዲስ ሥላሴ ብስም ኣብን ወልድን መፈስ ቅዱስን ኢልና ንዛዝሞ፣

ኲልና ኣጸቢቅና ከም እንፈልጦ ቅዳሴ እንክፍጸም ሓዲስ ዕዮ ገዛ ይኽፈት እዚ ከኣ ክርስትያናዊ ምስክርነት ክንህብ ንጽዋዕ፣ ክርስትያን ዘቦኡ ናብ ቅዳሴ ዝኸዶ ሶሙናዊ ዕዮ ገዛኡ ምእንቲ ክፍጽምን ድሕሪ ዝርሳዕን ጉዳይ ንምግባር ኣይኮነን ዝኸይድ እንታይ ደኣ ደኣ ኣብ ሕማማትን ትንሣኤን ጐይታ ንምስታፍን ነዚ ከም ክርስትያን እናነበርዎ ምስክርነት ክርስትናኦም ክህቡ ሓላፍነቶም ንክለብሱ እዩ፣ ካብ ቤተክርስትያን ክንሰናበት ከሎና ብሰላም እተው ብሰላም ኪዱ ብዝብል መሰናበቲ ቃል ኣብቲ ዝተረፈ ዕለታዊ ተግባርና ቡራኬ እግዚብሔር ንምዝርጋሕ ንብገስ! እዚ ቡራኬ እዚ ኣብ ገዛና ኣብቲ እንሰርሓሉ ኣከባቢ ኮታስ ኣብታ ዕለት ክንህልዎ  ኣብ ዘሎና ኩሉ ከባቢ ነዚ ቡራኬ እዚ ሕዝና ብምኻድ ንጐይታ ብሕይወትና ነኽብሮን ነመስግኖን፣ እንተዘየሎ ካብ ቤተክርስትያን ክንወጽእ እንከሎና ረኣየሞ እዚ ረኣያሞ እዚኣ እናበልና በታ ለውላው መልሓስና እናለፍለፍና እንተኾይኑ እታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ልብና ኣይኣተወትን ማለት እዩ፣ ስለምንታይ እንተኢልኩም ክርስትያንዊ ምስክርነት ክንህብ ኣይከኣልናን፣ ከም ክርስትያን ክነብር ኣይጀመርናን ማለት እዩ፣ ካብ ቤተክርስትያን ኣብ ዝወጸሉ ግዜ ወትሩ ካብቲ ክኣቱ እንከሎኹ ዝነበርክዎ ኲነት ተመሓየሸ ዝበለጸ ሕይወትን ዝበለጸ ሓይልን ለቢሰ ንሕይወት ክርስትና ክምስክር ዓቢ ሃረርታ ኣሕዲረ ክኸውን ኣለዎ፣ ብቅዱስ ቊርባን ጐይታ ኣብ ውሽጥና ኣብ ልብና ኣብ ሥጋና ይኣቱ፣ ከምቲ መምርሒ ሮማዊ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ጽባሕ ፋሲካ ዝቀርብ ጸሎት ዝብሎ ከኣ ‘ነቲ ብምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ብእምነት ዝተቀበልናዮ ብሕይወት ንምምስካር ኣኽእለና’ እዩ እቲ ቀንዲ ነገር፣

መሥዋዕተ ቅዳሴ ፍጽምና ክረክብ እንተኾይኑኸስ ካብ ሥርዓተ ጸሎት ናብ ብሕይወት ምምስካር ንምስግጋር ስለዝኾነ ክርስቶስ ብኣካል ሕይወትና ክመርሕ ብምፍቃድ ጭቡጥ ምርጫን ውሳኔን ክንገብር ኣሎና፣ ክንርስዖ ዘይብልና መሥዋዕተ ቅዳሴ ምዕራግ ብዝበለጸ ናይ ቅዱስ ቊርባን ሰባት ንምዃን ንክንመሃር ምዃኑ ቀንዲ ጉዳይ እዩ፣ ናይ ቅዱስ ቁርባን ሰባት ንምዃን ምምሃርከ እንታይ ማለት እዩ እንተበልኩም ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ንክሰርሕ ክነፍቅደሉ ሓሳባቱ ሓሳባትና ክከውን ስምዒታቱ ስሚዒታትና ክኸውን ምርጫታቱ ምርጫታትና ክኸውን ነፍቅደሉ ማለት እዩ፣ ከምቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ከኣ ቅድስና ክርስትያን ዝበሃል እዚ እዩ፣ ነዚ ቅዱስ ጳውሎስ ባዕሉ ከመይ ኢሉ ንክርስቶስ መሲሉ ከምዝነብር እንክገልጾ ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ‘ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ። ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ።ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።’ (2.19-20) ብማለት ዝገልጾ ክርስትያናዊ ምስክርነት እዚ እዩ፣ ተመኲሮ ቅዱስ ጳውሎስ ንዓናውን ኣብነት ይኾነና ንኩሉ የብርሃልና፣ ንኣነነትናን መጠን ዘወግድናዮ ማለት ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ነቲ ንወንጌሉን ናይ ኢየሱስ ፍቅርን ዝጻረር ዘበለ ኣሊና ንሓይሊ መንፈሱ ኣብ ልብና ዚዓበየ ቦታ እንተሂብና መጠኑ ጸጋን በረኸትን ሓይልን ረኺብና ብሕይወትና ንክርስቶስ ንክንምስክር ኣይንጽገምን፣ ክርስትያን ዝበሃሉኸስ ንቅዱስ ሥጋ ክርስቶስ ንክቡር ደሙን ኣብ ቅዱስ ቊርባን ምስ ተቀበሉ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ልቦም ክሰፍሕ ዘፍቅዱ እዮም፣ ነፍስኹም ክሰፍሕ ኣፍቅዱ! ዕጽዋትን ጸበብትን ንኣሽቱን ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብላ ነፍሳት ኣይፋል ንበለን፣ ሰፊሕ ልቢ ሒዘን ሰፊሕ ራእይ ደረት ኣልቦ ዓቢ ጠመተ ይሃሉኹም፣ ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ክርስቶስ ብቅዱስ ቊርባን ምስ ተቀበልኩምብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ነፍሳትኩም ክሰፍሓን ክዓብያን ኣፍቅዱ፣

ከምቲ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ. 1374 ‘ኣብ’ዚ ብመልክዕ ኅብስትን ወይንን፤ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎ
ህልውና-ክርስቶስ ኣገባቡ ኣዝዩ ፍሉይን እንኮን እዩ። “ናይ መንፈሳዊ ሕይወት ፍጽምናን፤ ኵሎም ምሥጢራት ዘተኰሩሉ ዕላማን” ከም ምዃኑ መጠን፤ ንቅዱስ ቍርባን ልዕሊ ኵሉ ምሥጢራት ጸብለል የብሎ። ኣብ’ዚ ፈጺሙ ቅዱስ ዝኾነ ምሥጢረ ቅዱስ ቍርባን፤ “እቲ ናይ ጐይታና Iየሱስ ክርስቶስ ሥጋኡን ደሙን፤ ምስታ ነፍሲ-መለኮቱ ሓቢሩ፤ ኣብኡ እቲ መላእ ክርስቶስ፣ ብሓቂ፣ኣማናዊ፣ ኣካላዊ፣ ብዝኾነ ኣገባብ ከምዘሎ ይፍለጥ።” እቲ ህላዌ “ኣማን” ኣማናዊ ዝተባህለሉ፤ እቲ ኻልእ ዓይነት ህላዌ ከምዘይህላዌ፤ ኣማናዊ (ሓቀይና) ከምዘይኮነ ንምምሳል ዘይኮነስ፤ ምሉእ ትርጓሜ ዝሓዘ ህላዌ ክንድዝኾነ እዩ።’ ኢሉ ዝገልጾ ህላዊ ክርስቶስ ምስቲ ኣብ ቅዳሴ ዝቊረብ ዝተባረኸ ኅብስቲ ኣይውዳእን፣ ቅዱስ ቊርባን ንዝሓመሙ ምእንቲ ክኸውንን ብቀጻሊ ብጸጥታ ኣምልኾን ስግደትን ንክነቅርበሉን ኣብ መንበረ ታቦት ይቅመጥ፣ እዚ ካብ ሥርዓተ ቅዳሴ ወጻኢ ብግልስ ይኹን ብኅብረት ዝግበር ኣምልኾ ቅዱስ ቊርባን እዚ ወትሩ ምስ ክርስቶስ ተጸሚድና ክነብር ይሕግዘና (ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ. 1378-80 ተመልከት)።

ካብ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንረኽቦም ፍረታት ከስ ዕለት ዕለት ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ንክዓብዩን ንክበስሉን ዝተወሰኑ እዮም፣ ነዚ ብምሳሌ ክንገልጾ ንኽእል፣ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ሓንቲ ፍረ ሥርናይ እዩ፣ እዚ ፍረ ሥርናይ እዚ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ይዝራእ ይበቚል ይዓቢ ብምግባረ ሠናይ ከኣ ይፈሪ፣ እዚ ምግባረ ሠናይ እንብሎ ከኣ እቲ ንክርስቶስ ከም እንመስል ዝገብረና ዝንባሌታትናን ተግባራትናን እዮም፣ ስለዚኸስ እቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንረኽቦም ፍረታት ከስ ዕለት ዕለት ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ንክዓብዩን ንክበስሉን ዝተወሰኑ እዮም፣ ከም ሓቁ እንተኾይኑ ቅዱስ ቊርባን ምስ ክርስቶስ ዘሎና ውህደት እናኣደንፈዔ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጥምቀትን ሜሮንን ዚዓደለና ጸጋ ሃብታትን ፍረታትን መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝጭበጥ ክርስትያናዊ ምስክርነት ብምሃብ እሙናት ንምዃን የኽእለና፣

ቅዱስ ቍርባን ምቕባል ነቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት የደልድሎ። ቅዱስ ቍርባን ብምቕባል እንጭብጦ ቐንዲ ፍረ፣ እቲ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ
ዚህልወና ዓሚቝ ምውህሃድ እዩ። ብሓቂ’ውን ጐይታ “ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፣ ኣነ ድማ ኣብኡ” ይብለና። እቲ ኣብ
ክርስቶስ እንረኽቦ ሕይወት መሠረቱ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን እዩ፥ “ሕያው ኣቦ ከምዝለኣኸኒ፣ ኣነ’ውን ብኣቦ ሕያው ከምዝኾንኩ፤ ከምኡ ድማ እቲ ዚምገበኒ በኣይ ሕያው ኪኸውን እዩ”። ብበዓለ እግዚእ (በዓለ ወልድ)፤ ምEመናን ሥጋ ወልደ-እግዚኣብሔር ኪቕበሉ ከለዉ፤ ልክዕ ከምቲ መልኣኽ ንማርያም መግደላዊት “ክርስቶስ ተንሢኡ እዩ” ዝበላ፤ ከምኡ እቲ ናይ ዘለዓለማዊት ሕይወት በዅሪ-ፍርያት ከምዝተዋህበ ዚነግር ጥዑም ወረ ንሓድሕዶም ይነጋገሩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ነቶም ንኽርስቶስ ዚቕበሉ ሕይወትን ትንሣኤን ይወሃቦም ኣሎ። ግዙፍ ምግቢ፣ ኣብ’ቲ ሥጋዊ ግዙፍ ሕይወትና ከምዘፍርዮ ዅሉ፤ ሱታፌ ቅዱስ ቍርባን ድማ ንመንፈሳዊ ሕይወትና ልክዕ ከምኡ ዘደንቕ ፍርያት ይህቦ። ናይ’ቲ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ሥጋኡ፤ ማለት “ብመንፈስ ቅዱስ ሕይወት ዝለበሰን፣ ሕይወት ዜልብስን” ሥጋ ምቕባል፥ ነቲ ኣብ ጥምቀት ዝተቐበልካዮ ሕይወት-ጸጋ ክትስዕቦ፤ ከተማዕብሎ፣ ከተሓድሶ ትርከብ። እዚ ኣብ ሕይወት-ክርስትና ምዕባይ ናይ ቅዱስ ቍርባን ምምጋብ የድልዮ እዩ። እዚ ቅዱስ ቍርባን’ዚ፤ ስንቂ ኮይኑ ዚወሃበሉ ክሳብ’ቲ ግዜ ሞትና፣ ኣብ እንገብሮ ምድራዊ ጕዕዞ ወትሩ ዚወሃበና መግቢ እዩ። ሱታፌ ቅዱስ ቍርባን ካብ ኃጢኣት ይፈልየና። እቲ ኣብ ቅዱስ ቍርባን እንቕበሎ ሥጋ-ክርስቶስ፣ “ኣቲ ምእንታና ዝተወፈየ” እዩ፥ እቲ እንሰትዮ ደሙ ድማ፣ “ምእንቲ ብዙኃት ንኅድገት-ኃጢኣት ዝፈሰሰ” እዩ። ምእንት’ዚ ከኣ ቅዱስ ቍርባን ኣቐዲሙ ካብ ዝሓለፈ ኃጢኣትና ከየንጸሐን፤ ካብ ዚመጽእ’ውን ከይሓለወን ኣይኮነን ምስ ክርስቶስ ከወሃህደና ዚርከብ፣-ነዚ እንጌራ’ዚ (ኅብስቲ) ኣብ ዝበላዕናሉን፤ ካብ’ዚ ጽዋዕ’ዚ ኣብ ዝሰተናሉን ኵሉ ሞት-ጐይታ ኢና እንነግር፥ ናይ ጐይታና ሞቱ እንክንነግር ድማ ኅድገት-ኃጢኣት ኢና እነበሥር። ደሙ ኣብ ዝፈሰሰሉ ዅሉ፤ ንኅድገት-ኃጢኣት ዚፈስስ ካብ ኮነ፤ ወትሩ ኃጢኣተይ ምእንቲ ኪኅደገለይ፤ ወትሩ ክቕበሎ የድልየኒ ማለት እዩ። ወትሩ ስለዝኃጥእ ድማ፣ ወትሩ መድኃኒት ከድልየኒ እዩ። ንግዙፍ ሥጋ እንህቦ መግቢ ንዝጠፍA ኃይሊ ከምዚመልስ፤ ከምኡ ሱታፌ ቅዱስ ቍርባን ነቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ኪዳኸም ዝንባሌኡ ዝኾነ ፍቕሪ የበርትዖ፥ እዚ ሕያውን ግብራውን ዝኾነ ፍቕሪ (ግብረ-ሠናይ)፣ ንናእሽቱ ኃጢኣት ኪድምስስ ይርከብ። ክርስቶስ፣ ርእሱ ምእንታና ብምውፋይ፤ ነታ ኣባና ዘላ ፍቕሪ የንቀሳቕሳ፣ ሕይወት ይህባ፤ በዚ ኸኣ ነቲ ኣባና ሓዪሉ ዚርከብ (ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ. 1390-4 ተመልከት)።

ኣብ ልብታትና ንመልከኦታዊ ፍቅሪ ዳግም ብምውላዕ ቅዱስ ቊርባን እንታይ ከምዝገብር ትፈልጡዶ! ካብ ሓጢኣት ይፈልየና፣ `በቲ ኣብ ውሽጥና ዘባርዕ ናይ ፍቅሩ እሳት ገቢሩ፣ ቅዱስ ቍርባን፤ ካብ’ቲ ዚመጽእ ዓበይቲ ኃጢኣት ይሕልወና። ኣብ ሕይወት-ክርስቶስ ከም ዝተሳተፍናን፣ ኣብ ፍቕሩ ከምዝሰጐምናን መጠን ድማ፤ መጠኑ ብዓቢይ ኃጢኣት ካብኡ ምፍላይ ዳርጋ ጽጉም ይኸውን። ሱታፌ ቅዱስ ቍርባን ንኅድገት-ዓቢይ ኃጢኣት ዝተመደበ ኣይኮነን፥ እዝስ ንምሥጢረ ንስሓን ዕርቅን ዚርኢ እዩ። ቅዱስ ቍርባን ናይ’ቶም ምስ ቤተክርስትያን ኣብ ምሉእ ሱታፌ ዘለዉ ምሥጢር እዩ፣ (ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ. 1395 ተመልከት)።

ብሥሩዕ መንገዲ ናብ ቅዱስ ቊርባን ክንቀርብ ከሎና ሕይወትና ይሕደስ ሓይልን ጽናዕትን ይረክብ ኣብ ማእከል ማሕበረ ክርስትያን ዘሎ ምትእስሳር ዕምቈት ይውስኽ፣ ከም ዕላማ ከኣ ቅዱስ ቊርባን ቤተክርስትያን የቊውም፣ (ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ. 1396 ተመልከት) ንኲልና ይጠምረና ሓደ ይገብረና፣

ኣብ መወዳእታ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ምስታፍ ንካልኦት ብሕልፊ ከኣ ንድኽታት ንክንረድእ ሓላፍነት ከም እንሽከም ይገብረና፣ ‘ቅዱስ ቍርባን ንድኻታት ከምንሓስብ ይገብረና። ምእንታና ዝተወፈየ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ከምቲ ሓቁ ንኽንቅበሎ፣ ንኽርስቶስ ኣብ’ቶም ኣኅዋቱ ዝኾኑ ድኻታት ክንርእዮን ከነለልዮን ይግባእ፣- ናይ ጐይታ ደሙ ጥዒምካ ከሎኻስ፣ ጋና ንኃውካ ከተለሊ ኣይከኣልካን …..ኣብ’ዚ መኣድ’ዚ ኪሳተፍ ብቕዓት ንዘለዎ ሰብ ኣብ’ዚ መግብኻ ኪሳተፍ ዘይበቅዕ ገቢርካ ስለዝገመትካዮ፤ ነዚ መኣዲ (ቍርባን) ከተዋርዶ ትርከብ ኣሎኻ ….እግዚኣብሔር ካብ ኩሉ ኃጢኣትካ ሓራ ኣውጺኡ ናብ’ዚ ዓዲሙካ (ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ. 1397 ተመልከት)።

እቲ ሃብትን ክብሩን እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ነዚ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ውህደት መዝገብ እዚ ኣብ ሥርሓት መሬት ኢና ሒዝናዮ እንጐዓዝ (2ቆሮ 4.7) ስለዚ ከኣ ደጋጊምና ናብ መንበረ ታቦት ክንመላለስ ኣሎና፣ ክሳብ መኣስ እንተበልኩም ክሳብ ኣብ መንግሥተሰማይ ኣብ መርዓ እቲ ገንሸል ኣብ ናይ ብጽዕና መኣዱ ክሳብ እንሳተፍ (ራእ 19.9)

ጐይታ ነዚ ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብሓባር ዝገበርናዮ ጉዕዞ ንክንረብ ስለዘፍቀደ ነመስግኖ፣ በቲ ምስቲ ምእንታና ዝሞተን ዝተንሠኤን ኢየሱስ ዝገበርናዮ ሓቀኛ ርክብ ብዝተሓደሰ እምነት ገቢርና ኸኣ ብኣኡ ክንሰሓብ ነፍቅደሉ፣ ከምቲ ናይ ፋሲካ ሕይወትና ወትሩ ትዓብብ ብዕምባባ ተስፋን እምነትን ብዕምባባ ምግባረ ሠናይን ትዓምብብ፣ ምስ ክርስቶስ ብዘሎና ውህደት ከኣ ወትሩ ነዚ ቊርባንዚ ሓይሉ ይዓድለና፣ ርሑስ በዓለ ፋሲካ ንኩልኹም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.