2018-04-06 16:10:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ኣርመንያ ርእሰ ብሔር


ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ቅዱስ ጐርጐሪዮስ ዘናረክ ሓወልቲ ዕለት 5 ሚይዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ምስ ዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ኣርመኒያ ርእሰ ብሔር ሰርዝህ ሳርግስያን ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብወግዒ ኣብ ኣታኽልቲ ስፍራ ሃገረ ቫቲካን ከምእተመረቐ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

እቲ ክሊኣዊ ርክብ ብጀካ እቲ ምረቓ ሓወልቲ ቅዱስ ጐርጐሪዮስ ዘናረክ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነት ማሕበረ ክርስቲያንን ውሁዳን ሃይማኖታትን ብፍላይ ኣብቲ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ተመስሎኡን ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት ዘማእከለ ክሌኣዊ ምይይጥ ከምእተኻየደ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ካስተሊ ኣስዒበን፥ እቲ ምረቓ ሓወልቲ ናይ ቅዱስ ጐርጐርዮስ ዘናረክ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣታኽልታዊ ስፍራ ተመሪቑ ክቐውም ዝተገብረ ስነ ስርዓትን ውሳኔን ነቲ ኣብ መንጐ ሃገረ ቫቲካንን ረፓብሊካዊት ኣርመንን ዘሎ ሰናይ ክሌኣዊ ርክብ ናብ ዝበለጸ ደረጃ ዘነቓቕሕን ከምኡ እውን እቲ ኣብ መንጐ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣርመንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ኣዚዩ ብሉጽ ዝገብር ምዃኑ ገሊጸን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዘመልከቶ፥ እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኣርመን ርእሰ ብሔር ሰርዝህ ሳርግስያን ዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣርመንን ካባቢኣን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ መፍታሒ ክርከበሉ ዝተላበወን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብቲ ከባብን ናይ ውሁዳን ሃይማኖታት እዋናዊ ኩነትን ብፍላይ ኣብቲ ዓመጽን ውግእን ኣብ ዘለሉ ካባቢ ፈልዩ ኣብ ግምት ዘእተወ ምይይጥ ከምእተኻየደ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ርእሰ ብሔር ሰርዝህ ሳርግስያን ናይታ ናይ 630 ዓ.ም. ዝተሃንጸት ቤተ ክርስቲያን ጋያኔ ዝተቐርጸ ኣርኣያዊ ምስሊ ገጸ በረከት ንቕዱስ ኣቦና ከምዘቕረቡን እዛ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣርመንን ንሓድነት ኣሚቱ ንዝግበር ዘተ ትእምርቲ ከምዝዀነት ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እንከመልክት። ቅዱስ ኣቦና ብወገኖም ናይ ፍቕሪ ሓሴትን ወንጌላዊ ሓሴትን ሓዋርያውያን ምዕዳንን ከምኡ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽትን ዘመሓላለፍዎ ናይ 2018 ዓ.ም. መልእኽቲ ሰላምን ንርእሰ ብሔር ሳርግስያን ገጸ በረከት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ካስተሊ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.