2018-04-06 16:15:00

ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት፡ ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ፖለቲካዊ ጐስጓስ ምረጹኒ ኣይኰነን


ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ቲዮሎጊያዊ ናይ ስነ ውፉይ ሕይወት መንበረ ጥበብ ዘሰናደዎ ኣብ ተቛም ጳውሎስ ሻድሻይ ክሳብ ዕለት 8 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ዕለት 5 ሚያዝያ ናብ ዝተጀመረ ዓውደ መጽናዕቲ ውፉያን ሕይወት ቅዱስ ኣቦና ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ቅዱስ ኣቦና በቲ ብይብጻሕ ናይቲ ቲዮሊጊያ ናይ ስነ ውፉያን ሕይወት መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ክላሪቲያኑም ኣባ ካርሎስ ማርቲነዝ ኦሊቨራስ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰይ ዝነብሮ ፍርሕን ራዕድን ኣናስር መንነቱ ክሳብ ምጥፋእ ዝዳርጐ ኩነት ጠቒሶም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንመንእሰይ ወለዶ ክቐርብ ዝግብኦ ደገፍ፡ ከምቲ ኣብ ትንቢት ኢዩኤል ምዕ. 2, 28 ኣወዳትኩም እዋልድኩምን ኪነብዩ ኣረጋውትኹም ሕልሚ ኺሓልሙ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም…”  ዝብል መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምት 2018 ዓ.ም. ኣብ መንስአይ ኣማእኪሉ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንኽካየድ ዝተጸውዔ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ዘተኰረ ኰይኑ፥ ነቶም ዘፍቕሮም ጸወዖም (ማር. 3, 13) መንእሰያት፡ ልልያን ውፉይ ሕይወትንብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ከምዝዀነን፡ ናይ ማድሪድ ሜጥሮፖለቲካ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ካሮሎስ ኦሶሮ ሲየራን፡ ኣብ ሆንዱራስ ናይ ተጉቺጋልፓ ሜጥሮፖሊታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማራዲያጋን፡ ናይ ዘይገዳማውያን ውፉያንን ናይ ውፉያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኾሴ ሮድሪገዝ ካርባሎን ናይ ታይዘ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውፉያን ማሕበርሰብ ገዳማውያን ኣበ ምኔት ሓው ኣሎይስ ሊዩሰር ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽት፥ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ እናሓሰቡ ጸዋዕታ ውሒዱ እናበልካ ምዕርምራም መፍትሒ ኣይኰነን ወይ ነዚ ምዕርምራም ድሕረ ሙዚቃ ኵነት ገርካ ምቑዛም ዘይኰነስ ንቕድሚ ምጥማትን ከም ጽዉዕ ክትገብሮ ዝግብኣካ መርመራ ምኽንያት ዋሕዲ ጸዋዕታ ምልላይ እዩ፡ ስለዚህ ካልእ ሃይማኖት ዘኽሕድ ልኡካውነት ዘይኰነስ ጐይታ ክዛረብ ዘኽእሎ ሃዋሁ ምፍጣርን ቃሉ ንምልላይን ጽን ክበሃል ዘኽእል ባይታ ምጥጣር ዝብል እዩ፡ መንፈሳውያን ማሕበራትን ውፉያን ሕይወት ማሕበራትን፡ ናይ ዘይገዳማውያን ውፉያንን ናይ ውፉያን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ጽዉዕ ንምንዳይ ልክዕ ናይ ፖሊቲካ ውድባት ከምዝገብርኦ ጐስጓስ ምረጹንን ወይ ንግዳዊ ጐስጓስ ኣይኰነን ዘድልይ፡ ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ሸመታ ኣይኰነን፡ ቢሎም ኣተሓሒዞም እታ ዝይግሙንት ባውማን ኣልቦ ናይ ሓባር ረቛሒ ዕሴትን ናይ ኩሉ ሚዛን ኣነነት ወይ ኣነኣዊ በዓል ቤታዊ ዝዀነሉን ኣልቦ ውድዓውነት ዝንበረሉን፡ እዚ ኸኣ ኣልቦ እናስራውነት ብዝብል ቃል ጠርኒፎም በዚ ቅልውላው ዝተጠቕዔ መንእሰይ ኩነት ዝትንትን ኣብ ዝደረስዎ ናይ መወዳእታ መጽሓፎም ዝበለዎ ሓሳብ መጽሓፎም ጠቒሶም ንዳግመ ርኽበት ኣናሳር ምትጋህ የድሊ ምስ በሉ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ኪነብዩን ክሓልሙን፡ ርክብ ኣብ መንጐ ትውልድን መንእሰይን ኣረጋውያንን ኣቦ ሓጐታት ምስ ደቂ ደቃቶምን ውስጠ ትውልዲ ዘተ ክህሉን፡ ጊዜ ከየባኸንና እዚ ዘተ ነህልው፡ ስለዚህ ከምቲ ኢየሱስ ዝሓትቶ፥ ጸሎትን ምስክርነትን ነንበር፡ ጸላይ ሕይወትን ወንጌላዊ ሕይወትን ብቓልን ሕይወትም መስካርያን ምዃን የድሊ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከምዝዛዘሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።         








All the contents on this site are copyrighted ©.