2018-04-07 13:22:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሮማ ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብወግዒ ዝጀመርሉ ዝኽሪ መበል 5 ዓመት


ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ዝተሓርዩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ልክዕ ከም ሎሚ ናይ ሮማ ጳጳስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ኣብ መንበረ ጳጳስ ዘበሮማ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ባዚሊካ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ከምዝጀመሩ እንክዝከር እነሆ ሎሚ ዝኽሪ 5 ዓመት ምጅማር ናይ ሮማ ጳጳስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰበኻታት ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ብላቲን ስርዓት ኣብ ካልኣይ ሰንበት ዘፋሲካ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሮማ ጳጳስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ባዚሊካ መንበረ ጳጳስ ዘበሮማ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብውግዒ ምሕረት እግዚኣብሔርን ትዕግስቲ እግዚኣብሔር ብምብዓል፡ ፍቕርን ምሕረትን እግዚኣብሔር ኩነት ሰብ ዘይድርቶ ዓሚይቕ ንዅሉ ዝዕገስን ናብ ኩሉ ዝበጽሕን ካብ ዝወደቕናሉ ዘተንስእን ዝመርሕን ምዃኑ ኣብ ዘስሞዕዎ ስብከት ገሊጾም ከምዝነበሩን ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ምስ ጳጳስ ዘበሮማ ንኽላለዩ ዝመጹ ናይ ሰበኻ ሮማ ምእመናን ኵሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ኣብቲ ቕዳሴ ምእንቲ ምስታፎም ኣመስጊኖም ብሓሴት ትንሳኤ ክርስቶስ ብሓባር ንቕድሚ ንጓዓዝ ከምዝበሉ ራቪያርት የዘኻኽሩ፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ኩሉ ዘዋስእ ዘይንጽል ምእንቲ ንዅሉን ናይ ኵሉን ኤክኖሚ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጋብሬኣላ ቸራዞ ሓቢረን።

ናይ ስራሕ ኤኮኖምን ናይ ኤክኖሚ ከይድን እናሓሰቡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፥ ነቶም ናይ ሃገራትን ዓለምን ኤኮኖሚ ሓላፍነት ዘለዎም ኩሎም ኣብ መላእ ዓለም ንፍጥረት ሰብን ክብሪ ሰብኣዊ ፍጡርን ዘኽብር ናይ ኤኮኖሚ ስልቲ ከረጋግጹ ተባዓት ክዀኑ ንጸልይ፡ እቲ ዝንጽል ዝፈላልይ፡ ናይ ስራሕ ንሸመተ ዝብል ሓደስቲ ግሉላን ዝፈጥርን ኣብ ዓለም ብዙሓት ንድኽነት ውሑዳን ናብ ምኽዕባት ሃብቲ ዝድርኽ ዓይነት፡ እቶት ምኽዕባት ጥራሕ ዝብል ስለ ሰብኣዊ ፍጡር ዘይግደስ ኤኮኖሚ ክውገድ ተባዓት ኰይኖም ሰብኣውነት ዘኽብር ስራሕ ክፈጥሩን ሰባኣዊ ክብርን መሰልን ዘማእከለ ስራሕን ከይዲ ኤክኖምን ከቑሙ ንጸልይ፡ ዝንጽል ኤኮኖሚ ብምውጋድ ሓድሽ ሰብኣውነት ዘማእከለ ኵለ መዳያዊ ከይዲ ኣብ ዓለም ክኽወን ምእንቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ መላእ ሰበኻታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ  ይዅን ዝብል ውሳኔ ብምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከምዘመሓላለፉ ቸራዞ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.