2018-04-09 10:15:00

ዜና ዕረፍት ጥቀ ክቡር ኣባ ተኽለብርሃን ጸጋይ ሰሎሞን


ዜና ዕረፍት  ጥቀ ክቡር ኣባ ተኽለብርሃን ጸጋይ ሰሎሞን

ነፍሰኄር ጥቀ ክቡር ኣባ ተኽለብርሃን ጸጋይ ኣብ 65 ዓመት ዕድሚኦም 36 ዓመታት ክህነታዊ ኣገልግሎትን ሕማም ሳልስቲ ሓሚሞም ዝሓለፈ በዓለ ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ድሮ ዓርቢ ስቅለት ከምዝዓረፉን ሎሚ ሰኑይ ካብ መላእ ኤርትራ ብዝተአከቡ ውሉደ ክህነት ገዳማውያንን ገዳማውያትን በርባቲኦም ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ካብ ኩሉ ኩርነዓት ሃገርና ዝመጹ ቀባሮን ተሰንዮም ኣብ መካነ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም፣ 

ታሪኽ ሕይወቶም፣ ነፍሰኄር ጥቀ ክቡር ኣባ ተኽለብርሃን ጸጋይ ብዕለት 30 ጥሪ ብ1953 ዓምፈ ካብ ካቶሊካውያን ወለዲ ኣቶ ጸጋይ ሰሎምንን ወ/ሮ ለተንጉስ ወልደዮሓንስን ኣብ ማይዔላ ስያሕ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ተወሊዶም ብሰብ ሰናይ ዜና ኣባ ሃንስ ክፍላትን ኣባ ዑቊባዝጊ መንግሥቱን እናቴ ኣድሓነት ዓምደሓንስን ካህናት ማሕበረ ልኡካን ገዳም ሔቦን ደናግል ደቂ ፍቅርን ዝተፈላለየ ኩስኰሳ ረኺቦም ብንኡስ ገዳም ዘርአ ክህነት ከረንን ዓቢይ ገዳም ዘርአ ክህነት ኣሥመራን ተመልሚሎም ብፈተናታትን ተመኲሮን ዪኒቨርስትን ምስ ሓለፉ ብ5 ሓምለ 1982 ዓምፈ ኣብ ኣሥመራ ብኢድ በዓል ሰናይ ዝኽሪ ነፍሰኄር ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንሷ መዓርገ ክህነት ተቀበሉ፣ ብ23 ታሕሳስ 1982 ዓምፈ ኣብ ከተማ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ጳጳሳዊ ኮለጅ ተላኢኾም ካብ ኣንጀሊኩም ዝበሃል ጳጳሳዊ ኮለጅ ብዛዕባ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ዝርኢ ሊቅነቶም ኣመስኪሮም ማስተርስ ዲግሪ ምስ ተቀበሉ ንዓዲ ተመሊሶም ብዓቢ ቅንኣት ነፍሳት ኣብ ዓዲ ፍኒዕ ኣብ ጉስነት እኳ እንተወፈሩ ኣብ ሓጺር እዋን ግን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ንክዂስኲሱን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትምህርተ መለኮት ንክምህሩን ናብ ኣስመራ ተጸውዑ፣

ምስዚ ብንጽልን ድርብን ዘበርከትዎ ኣገልግሎት ብሓጺሩ ነዚ ይመስል፣

ካብ 1987 ክሳብ 1989 ዓምፈ ኣብ ደብረ መድኀኔ ዓለም ገዳም ዘርአ ክህነት ከም ሃለቓ ተመሃሮን ኣብ ኣስመራ ተሎግያዊ ተቍኣም ከም መምህር ኮይኖም ኣገልገሉ
ካብ 1989 ክሳብ 1991 ናይ ሓቅን ሕይወትን እትብል ወርሓዊት ጋዜጣ ኣሰናዳእን ሓላፍን ብምዃን ብዙሕ ኣበርኪቶም
ካብ 1991 ክሳብ 1993 ኣብቲ ግዜ እቲ ብሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ዘሰሜን ኢትዮጵያ ዝፍለጥ ዝነበረ ዓቢ ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ቤትጽሕፈት ሓላፊ ብምዃን ዝተፈላለየ ሰሚናርት ብምስንዳእ ናይቲ መጽናዕትታት ጽሑፋት በብግዜኡ ሰኒዶም ብመልክዕ ዓቢ መጽሔት ነባሪ ታሪኽ ገዲፎም
ካብ1993 ክሳብ 1996 ዓምፈ ናይ ምብራቓዊ ዕቅብና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ሎሚ መንበረ ኤጳርቅና ሰገነይቲ ኣባል መንፈሳዊ ጉባኤን ሊቀ ካህናትን ቆሞስን ኮይኖም ኣገልገሉ
ካብ 1996 ክሳብ 2005 ዓምፈ ናይ ደብረ መድኀኔ ዓለም ገዳም ዘርአ ክህነት ዘኤጳርቅናታት ኤርትራ ፈላሚ ሓለቃ ብምዃን ኣብ ጽንኩርን ከቢድን ሕይወት ጥንቃቐን ቆራጽነትን ዝሰነዮ መሪሕቶም ፍሉይ ዝኽሪ ገዲፉ እንከብቅዕ ንኩለን ሰበኻታት ዘገልግሉ መንእሰያት ካህናት ኣፍረዩ፣ ኣብዚ ገዳም ዘርኣ ክህነት ከም ሓለቓ ኮይኖም እናሰርሑ ኣብ ኣስመራ ቊምስና በኣታ ለማርያም ገዛባንዳ ብሉጽን ውፉይን ከም ቆምስ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣበርከቱ፣
ብ2006 ዓምፈ ናይ ሓደ ዓመት ዕረፍቲ ብምውሳድ ኣብ ዓዲ እንግሊስ ኣብ ናይ ቅዱስ ኣንሰልሞስ ተቍዋም ምኽርን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ዝብል ትምህርቲ ቀሰሙ
ካብ 2007 ክሳብ 2012 ዓምፈ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ኮይኖም ኣገልገሉ
ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ሰገነይቲ ካብ ዝቀውም ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ናይ ቤትጽሕፈቱ ዋና ጸሓፍን ዓቃቤ መንበርን ኮይኖም ኣገልጊሎም፣

ንኩነታቶም ብቀረባ ዝፈልጥዎም ኣባ ዮናስ ዮሓንስ ነዚ ግዝያት እዚ ካብታ መጨረሻ ዝነበርዋ ኣገልግሎት ኤጳርቅና ሰገነይቲ ንኩሉ ከምዚ ኢሎም ይትንትንዎ፣ 'ኣባል ሰበኻ ሰገነይትን ፡ጸሓፊ ጳጳስ ሰበኻን ፡ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ዓቢይ ዘርአክህነት፡ ገዳም ዘርአ ክህነት ዘኤጳርቅናታት ኤርትራ ካብ ዝተባህለሉ ግዜ ቀዳማይ ሓለቓን፡ መምህር ንባበ መሎኮትን፡ ጸሓፊ ሰክረታርያት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕን ቁምስናታትን ዝሰርሑ ፡ንብዙሓት ተመሃርቲ ናብ ክህነትን ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘብቅዑን፡ ብዘሎዎም ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ስነ መዕበያ ተመኩሮ ፡ኣብ ጽንኩር እዋን ከም ኣቦን ፡ኣደን ኮይኖም ሓባራዊ ሰላማዊ መርገጺ ብምውሳድ ንሓድነት ቤተክርስትያንን፡ ነቲ ስሙይ ዓቢይ ዘርኣክህነት ዝዓቀቡን፡ ዝመርሑን፡ ምስጉን በዓል ፍሉይ ዝኽሪ ኣቦ ተመሃርቲ ኤጳርቅናታት ኤርትራ፡ዝስመዩ፡ ብዝነአድ ኣገልግሎቶም ኣቦና ኢልና ክሳዕ ሎሚ እንጽውዖም፡ እንሆ ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ምስ ክርስቶስ ሊቀካህናት ኣብ ትንሣኤ ንምሕባር፡ ናብ ዘልዓለማዊ ሕይወት ተሳጊሮም ኣሎዉ። ከይመነናዮም ኢየሱስ ኣፍቂርዎም ፡ከኣ ኣብ ሰማይ ምስ መላእኽትን ቅዱሳንን ጳጳሳትን፡ካህናትን፡ደናግልን፡ መነኮሳትን ማእመናንን ኣብ ናይ ታሕጓስ ስፍራ ኣትዮም ይርከቡ። 

ሰላም ለዝክረ ስምከ እስመ ኢኮንከ ባዕዳዊ፡

ኣባ ወአቡነ ተክለብርሃን ፀሓይ አማናዊ፡

መፍቀሬ ኩሉ በቤተ ተማሃርያን መጋቤ ሠናይ ኤርትራዊ፡

ቀዳማዊ መምህረ ኤጳርቅና ዘኁባሬ ዘርአክህነት ጥንታዊ፡

ይደልወከ ክብር ወዕበይ እስመ አርኣይከነ ፍኖተ ቅድስናዊ።

 

ኣባ ተክለብርሃን 

እስመ አንተ ተዐቅብ ለኩሉ እንዘ ኢትነውም፡

እስመ አንተ ትሴሲ ለኩሉ እንዘ ኢትሐጽጽ፡

እስመ አንተ ትሔሊ ለኩሉ እንዘ ኢታረምም፡

እስመ አንተ ትጸውር ኩሎ እንዘ ኢትደክም፡

እስመ አንተ ትሁብ ለኩሉ እንዘ ኢትቀብል፡

ታረዊ ለኩሉ እንዘ ኢትነጽፍ።

ስምዐ ዚኣከ እሙን ፈድፋደ እስመ ኣልብየ ቃል እንዘ እዜከረከ። ወትረ ሃሎከ በውስተ ልብየ ከመ እፈቅድ እትሉ ኣሰረ ዚኣከ። ኣባ ወአቡየ ምንተ ረሰይናከ ገደፍከነ ንኩን ትኩዛነ።አእመርነ ዝኬ እስመ  አቅደምከ ኅልዮ ትንብር ምስለ ክርስቶስ መምህርከ።  እምይእዜ ተንብል ለደቂቀ ዚኣከ ኣባ እስመ እማንቱ ህዳጥ መዋዕሊነ። 

እግዚኣብሔር ንቤተክርስትያንን ማሕበርን፡ ስድራቤቶምን ጽንዓትን፡ጸጋን፡ ንሰበኻ ሰገነይቲ ድማ መተካእታ ጸዋዕታ ይሃበልና።

ኣባ ዮናስ ዮሓንስ

09/04/2018'

 








All the contents on this site are copyrighted ©.