2018-04-11 17:42:00

ምሥጢረ ጥምቀት ኣብ ሕይወት ክርስቶስ ኣስጢሙ ዳግም ከም እንውለድ ይገብረና


ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ናይ ዘመነ ፋሲካ ሓምሳ ዕለታት ብዛዕባ ሕይወት ክርስትና ንክተስተንትን ምሩጽ ጊዜ ኮይኑ እታ ሕይወት ክርስትና ብባህሪኣ ካብ ክርስቶስ ከምትመጽእ እውን ንዝክር። ክርስትናና ዝምዘነሉ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ክነብር መጠን ዘፍቀድናሉ እዩ፣ ነዚ ኩነት እዚ ካበይ ክንጅምሮ እንተኢልና ናብቲ መሠረት ዝኾነ ዳግማይ ልደት ዘበስር ናብ ሕይወት ክርስትና ዘእተወና ምሥጢረ ጥምቀት እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣበይ ደኣ ክንረኽቦ፣ እዛ ብዓቢ ብሥራት ዝመልአት በዓለ ፋሲካ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሥጢረ ጥምቀት ገራ ናብ ኣምሳል ክርስቶስ ትልውጠና፣ ዝተጠምቁ ዘበሉ ኩሎም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እዮም ንሱ ከኣ ጐይታ ናይ ህላዌኦም እዩ፣ ከምቲ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ.1213 ዝብሎ ‘ቅዱስ ምሥጢረ ጥምቀት ናይ መላእ ክርስትያናዊት ሕይወት መሠረት፤ ብመንፈስ ቅዱስ ናብ እትንበር ሕይወት ዜእቱ በሪ፤ ናብ ካልኦት ምሥጢራት ንምምሕልላፍ ዜገልግል ኣፈቤት እዩ። ብጥምቀት ካብ ኃጢኣት ሓራ ወጺእና፤ መጠን ደቂ-እግዚኣብሔር ከኣ ዳግማይ ንውለድ፥ ናይ ክርስቶስ ኣባላት ንኸውን፤ ኣብ ቤተክርስትያን ንሕወስ፥ ተሳተፍቲ ተልእኮታ ከኣ ንኸውን፥ “ጥምቀት እምበኣር ብማይ ገቢሩ በቲ ቓል ዚፍጸም ምሥጢረ ዳግም ልደት እዩ’፣ ነዚ ዘክሩ ‘‘ቅዱስ ምሥጢረ ጥምቀት ናይ መላእ ክርስትያናዊት ሕይወት መሠረት፤ እዩ’፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ክኣቱን ማሕደሩን ቤተመቅደሱን ጌሩና ክነብርን ንሕና ከኣ ኣብ ምሥጢሩ ከም እንጥሕል ዝገበርና ክንዲ ዝኾነ ምሥጢረ ጥምቀት ካብ ምሥጢራት ቀዳማይ ኮይኑ ማዕጾ ድሕነትና ዝኸፍት እዩ፣

ሕገ ቀኖና ቊ,1214 ከምዘመልክቶ ከኣ ምጥማቅ ትብል ቋንቋ ግሪኽ ኣብ ማይ ምጥሓል እያ እተስምዕ፣ ብማይ ምሕጻብ ኣብ ዝተፈላለየ እምነታት ካብ ሓደ ኩነተ ሕይወት ናብ ካልእ ኩነተ ሕይወት  ምስግጋር ኮይኑ ነቲ ሓዲስ ሕይወት ነጺሕካ ናይ ምቅባል ምልክት እዩ፣ ንዓና ንክርስትያን ግን ንጹር ክኸውን ዘለዎ ሽሕኳ እቲ ሰውነትና ናብ ማይ እንተጠሓለ እታ ኣብ ባህርይ ክርስቶስ እትጥሕል ነፍስና ኮይና ካብኡ ምሕረት ሓጢኣት ተቀቢላ ብመለኮታዊ ብርሃን ትኹላዕ (ተርቱርልያን ብዛዕበ ትንሣኤ ሙታት ኣብ ዝጸሓፎ)፣ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ምሥጢረ ጥምቀት ኣብ ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ የጥሕለና እሞ ነቲ ካብ እግዚብሔር ብዘርሕቆ ሓጢኣት ዝተጐብኤ ኣረጊት ሰብ ኣብ መጥመቂ ኣጥሒሉ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ዝተፈጥረ ሓዲስ ሰብ ከምዝውለድ ይገብር፣ ብኢየሱስ ኩሎም ደቂ ኣዳም ናብ ሓዲስ ሕይወት ዝተጸውዑ እዮም፣ ዕለተ ጥምቀትና ከምእንዝክር ርግጸኛ እየ፣ ከመይ ዕለተ ዳግመ ልደትና እዩ፣ ኩልና ንዝክሮዶ! ኢሎም ምስ ሓተቱ ድኽም ዝበለ እወ ስለዝሰምዑ፣ ስለምንታይ ብዙሓት ነዚ ዕለትዚ ዘይንዝክር ይብሉ እሞ ነቲ ስጋዊ ዕለተ ልደትና ዓመት ዓመት ካብ ዘከርናን ኣኽበርና ነዚ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዳግም ልደትና ዘይምዝካር ከመይከ! ኢሎም ድሕሪ ኣዋጢሮሞም በሉ ዕዮ ገዛ ክህበኩም ሎሚ ምስ ተመለስኩም ኩሉኹም ዕለተ ጥምቀትኩም ሕተቱ እሞ ኣብ ልቡኹም መዝግብዎ፣ ሓደራ ፈጺምኩም ከይትርስዕዎ፣ ስለዚ ዕለትዚ ንጐይታ ክንመስግን ኣሎና ከመይ ኢየሱስ ኣብ ሕይወትና ዝኣተወሉ ዕለት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወትና መሕደር ዝረኸበሉ ዕለት ስለዝኾነ! ተረዲእኩምዶ! ዕዮ ገዛኹምከ! ነዚ ኣይትረስዑ፣

እቲ ካብ ሙውታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ጐይታ ኣብ መጨረሻ ንሓዋርያቱ ዝበለን ንዘክር! ንጹር ተልእኮ እዩ ‘ኪዱ ንኩሎም ኣሕዛብ  ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጠመቅኩም ተኸተልተይ ግበርዎም (ማቴ 28.19) ኣብ ጐይታ ዚኣምን ዘበለ ብሕጽበት ምሥጢረ ጥምቀት ኣብ ሕይወት ቅድስት ሥላሴ ይጥሕል፣ ማየ ጥምቀት ማንም ማይ ዘይኮነስ እቲ ሕይወት ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ክወርደሉ ጸሎት ዚዓረገሉ እዩ፣ ነዚ ዳግም ልደት ንኽገልጽ ጐይታና ኢየሱስ ንኒቆዲሞስ ዝበሎ ንዘክር `ሰብ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን ዳግም እንተዘይተወሊዱ ናብ መንግሥቲ እግዚብሔር ከምዘይኣቱ እብለካ ኣሎኹ፣ ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ ካብ መንፈስ ዝተወልደ ከኣ መንፈስ እዩ` (ዮሓ 3.5-6)፣ ስለዝኾነ ከኣ ምሥጢረ ጥምቀት ምሥጢረ ዳግመ ልደት ይበሃል፣ ከምቲ ኣብ ቲቶ 3.5 ትመልኪቱ ዘሎ ‘እቲ ብምሕረቱ ብማይ ዳግም ዝወልደናን ብመንፈስ ቅዱስ ዘሐድሰናን` እግዚብሔር በዚ ከምዘድሓነና ንኣምን፣

ስለዚ ምሥጢረ ጥምቀት ናይ ዳግም ልደትን ኣብ ሓዲስ ሕይወት ናይ ምጒዓዝን ተኽእሎ ዘለዎ እዩ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ሮማውያን ክርስትያን ከምዘዘኻኽሮ `እዞም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተጠመቕና ኣብ ሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኣትኩም፣ ስለዚ ኸምቲ ክርስቶስ ብሓይሊ ኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታን ዝተንስኤ፡ ከማኡ ኸኣ ንሕና በታ ኣምሳል ሞት ክርስቶስ ዝኾነት ጥምቀት ምስኡ ተቐቢርና ኢና እሞ ብሓዲስ ሕይወት ምእንቲ ክንመላለስ ከምቲ ናቱ ሞት ሞይትና ምሳኡ እንተደኣ ተወሃሂድና ብትንሣኤኡ’ውን ክንመስሎ ኢና።’ (6.3-4)

ኣብ ክርስቶስ ብምጥሓል ምሥጢረ ጥምቀት ኣባላት ኣካሉ ከምእንኸውን ይገብረና፣ ዝተፈለና ኣይኮናን፣ ዝተጠምቁ ኣባላት ኣካል ክርስቶስ እምበር ካብኡ ዝተፈልዩ ኣይኮኑን፣ እዛ ሰውነት ክርስቶ እንብላ ከኣ ከምቲ ሕገ ቀኖና 1213 ዝገልጾ ቤተክርስትያን ኮይና ንሕና ኩልና ኣብቲ ንመላእ ዓለም ዘለዋ ተልእኮ ኣባላታ ኢና፣ ነቲ ካብ መካነ ጥምቀት ዝምንጩ ሓዲስ ሕይወት ንምግላስ ኢየሱስ ምሳሌ ጉንዲ ወይንን ጨናፍርን ይህበና `ኣነ ጉንዲ ወይኒ ንስኹም ከኣ ጨናፍሩ ኢኹም፣ ኣባይ ዝነብር ኣነ ከኣ ኣባኡ ዝነበር ብዙሕ ፍረ ክፈሪ እዩ’ (ዮሓ 15.5) ይብለና፣ እቲ ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ዝተጠምቁ ዝፈስስ መንፈስ ቅዱስ እውን ኣብ ሰውነት ክርስቶስ ደሚሩ ሓዲስ ሕይወት የልብስ (1ቆሮ 12.13 ተመልከት) እዚ ሕይወት ኣዚ ከኣ ብቅብኣ ሜሮን ዝተቀብኤን ብመኣዲ ቅዱስ ቊርባን ዝቅለብን እዩ፣

ምሥጢረ ጥምቀትከስ ክርስቶስ ኣባና ንሕና ከኣ ምሳኡ ሓደ ኰና ምስኡ ተዋሃሂድና ንክንነብር ብምፍቃድ ምስ ቤተ ክርስትያኑ ነፍስወከፍና ከከም ኣቅምና ክንተሓባበርን ንለውጢ ዓለምና ክነበርክትን የኽእለና፣ ሓንሳእ ብምቅባሉ ንሕይወትና ምሉእ እናበርሀ ንስጉምታትና ክሳብ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ዝመርሓናኸስ ምሕጻብ ጥምቀት እዩ፣ ቅድሚ ጥምቀትን ድሕሪ ጥምቀትን ዝበሃል ግዝያት ኣሎ፣ ሓደ ጉዕዞ እምነት ከኣ የመልክት! ካተኩመነይት ይበሃል እዚ ከኣ እቲ ጥምቀት ዚሓትት ዓቢ ሰብ እንተኾይኑ ቅድሚ ጥምቀት ዝግበር ምስንዳውን ትምህርትን የጠቃልል፣ ኮይኑ ግን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ሕጻናት ኣብ እምነት ወለዶም ምስ ተጠምቁ እዮም፣ ኣብዚ ንእሽቶ መብርሂ ክገብር፣ ከመይ ገሊኦም ነቶም ልቢ ዘይሰዂዑ ሕጻናትሲ ከመይ ገርካ ይጥመቅ ዝብሉ ኣይሰኣኑን፣ ዓብዩ ባዕሉ ጥምቀት ክሓትት ዘይንጽበ ይብሉ፣ ኮይኑ ግን  እዚ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዘሎና እምነት ከም ምጉዳል እዩ ከመይ ንሕና ንሓደ ሕጻን ክነጠምቅ እንከሎና መንፈስ ቅዱስ ኣብኡ ኣትዪ ንመንፈሳውያን ሓይላት ኣብኡ ከምዝዓቢ ይገብር፣ ነዚ ዕድልዚ ንኩሎም ምሃቦም የድሊ፣ ንኩሎም ሕጻናት፣ በዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ክመርሖም ይኽእል፣ ስለዚ ንሕጽናት ብእዋኑ ምጥማቆም ኣይትረስዑ፣ ምናልባት ዝግበኣና መሰልና ኢልኩም ከይትማጐቱ ማንም ብግብሩ ብርድኢቱ ጥምቀት ይግበኣኒ እዩ ክብል ዝኽእል የለን ነጻ ትዕድልቲ እግዚአብሔር ኮይኑ እዚ ከኣ ንዓበይትስ ይኹን ንሕጻናት ብነጻ ዝዕደል እዩ፣ ኮይኑ ግን እዚ ልክዕ ከምቲ ሕይወት ዘለዎ ዘርኢ በቊሉ ንክፈሪ ጥዑይ መሬት ዘድሊ ነዚ እውን ከም ቀለብ እምነት የድልዮ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ድሮ በዓለ ፋሲካ እነሕድሶም ማሕላታት ጥምቀት ክሳብ ኣካላት ክርስቶስ እንኸውን ዕለት ዕለት ክነብሮ ዘሎና እዩ፣ እዚ ከፍርሃና የብሉን ጥምቀት ንክርስቶስ የምስለና ናብኡ ይልወጠና ብሓቂ ከኣ ካልእ ክርስቶስ ይገብረና፣  ሃየኸስ ሓደራ ነዚ ኣይትረስዑ፣ ንምዃኑ ዕዮ ገዛ ናይ ሎሚ እንታይ እዩ! ረሲዕኩሞዲኹም ዕለተ ጥምቀት ምዝካር ዕለተ ዳግም ልደትና! ግበርዎ ሓደራ እግዚኣብሔር ይሃበለይ ብማለት ትምህርቶም ዛዘሙ፣

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ኣብ ናይ ትማሊ መደብና ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንልኡካን መለኮታዊ ምሕረት ኣብ ኣደራሽ ክለመንቲና ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ዝሃብዎ ቃል ቀዳማይ ክፋል ኣቅሪብናልኩም ነርና፣ ሎሚ ካልኣይ ክፋል ነቅርበልኩም፣

ንቅድሚት ንሰጉም!

ቅ.ጳውሎስ ኣብታ ናይ ነቢይ ኢሳያስ ቃላት ሓንቲ ነገር ይውስኽ! መሣርሕቲ እግዚብሔርን ዓደልትን ኣመሓደርትን ምሕረት ኣምላኽ ዝኾኑ ኩሎም ነቲ ጸጋ እግዚብሔር ብከንቱ ከየባኽንዎ ክጥንቀቁ ከምዚ እናበለ ይምሕጸን፣ ‘ጸጋ እግዚአብሔር ኣባኻትኩም ከንቱ ኰይኑ ከይተርፍ ከም መሣርሕቱ መጠን ክትቅበልዎ ነማሕጽነኩም ኣሎና፣’ (2ቆሮ 6.1)ይብል፣ ቀዳማይ ምሕጽንታኸስ ንሥራሕ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ሕይወትና ምፍላጥን ኣብ ሕይወትናን ሕይወት ካልኦትን ነዚ ቀዳምነት ምሃብን እዩ፣ ብዛዕባ ናይ ማንዶርሎ ዝበሃል ኦም ዕምባባ ጸደይ ትፈልጡ ኢኹም፣ እግዚብሔር ኣነ ከም ናይ ጸደይ ዕምባባ ማንዶርሎ እየ ይብል፣ እዚ ብሂል እዚ ደስ ይብለኒ! እግዚብሔር ከመይ ገሩ ክረኽበና ከምዝመጽእን ቀዳማይ ተግባሩን ይገልጽ፣ እዚ ጸደይ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ክርሳዕ የብሉን፣ እንተዘየሎ ንምሥጢረ ፋሲካ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ ብተግባር ምሥጢረ ንስሓ ዝፍጸም ምሥጢረ ድሕነት ክንርድኦ ክንጽገም ኢና፣ ምሥጢረ ንስሓ ከምቲ መብዛሕትና ንሓስቦ ስራሕና ኣይኮነን ናትና ተበግሶ እውን ኣይኮነን ወይውን ብመንፈዓትና እንበጽሖ ነገር ኣይኮነን፣ ከምኡ እንተኾይኑ ኣብቲ ሓዲስ ክሕደት ፐላጅዮ ንወድቅ፣ እዚ ጌጋ ትምህርቲ እዚ ንተግባራት ደቂሰብን ዕላማታቶምን ልዕሊ ዓቅሞም ግምት ብምሃብ መድሓኒ እግዚአብሔር እምበር ንሕና ከምዘይኰና ይዝንግዕ፣ ኣብ ኩሉ ምናዳ ኸኣ ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ተበግሶ ካብ እግዚብሔር ከምዝኾነ ብፍቅሪ ዝቅድመና ንሱ ከምዝኾነ ክዝንጋዕ የብሉን፣ እዚ ማንም ሓፈሻዊ ብሂል ገርኩም ከይትወስድዎ ኣብ ኩሉ ኩነታት ናይ ነፍሲወከፍና ንሱ ብፍቅሩ ይቅድመና፣ ስለዚ ከኣ ቤተክርስትያን ኣሰር መምህራ ተኸቲላ ቀዳማይ ስጉምቲ ብምውሳድ ትብገስ ክትገብሮ ከኣ ኣለዋ ነዚ ከኣ ብዘይፍርሒ ክትገብሮ ነቶም ርሒቆም ዘለው ናብ ጐይታ ንምምላስ ክትወፍር ኣብ ኣደባባያትን ኲርናዓት መንገድን ኰይና ነቶም ርሒቆም ተገሊሎም ዘለው ናብ ቤትኣቦ ክምለሱ ክትዕድሞም ኣለዋ፣  ቅዱስ ወንጌል ከምዝገልጸልና እቲ በዓል መርዓ ምስኦም እዩ ዝኸውን፣ ከምቲ ኣብ ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል ዝብል ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ቊ.24 ተመልኪቱ ዘሎ ‘ምሕረት ኣምላኽ ንኩሉ ንምዕዳል ዘይረዊ ጽምኢ ወይ ድላይ ኣሎ እዚ ከኣ ነቲ መወዳእታ ኣልቦ ምሕረት እግዚኣብሔርን ንኩለንትናኻ ዝማርኽ ሓይሉን ምስ ኣስተማቀርካ ዝርከብ ፍረ እዩ።’

ሓደ ውሉድ ንስሓ ናባና ክመጽእ እንከሎ ናይቲ ምስ ፍቅሪ እግዚብሔር ምርኻብ ቀዳማይ ፍረ ዝኾነ ብጸጋኡ ልቡ ከፊቱ ንክልወጥ ከኣ ስንድው ዝገበሮ ተግባር ኣምላኽ ኣብ ቅድመና ምርኣይ ኣድላይን ኣጸናናዕን እዩ፣ ካህናተ ክርስቶስ ናይ ዝኾና ካህናዊ ልብና ናይቲ ተነሳሒ ንእግዚብሔር ምርካብ ተኣምርን ጸጋ ኣምላኽ ዘርኣዮ ለውጢ ምስትምቃርን ክግንዘቦ የድሊ፣ እዚ ካብ ምስእግዚብሔር ዝግበር ርክብ እንተዘይነቂሉ ብናትና ከምኡ ዚኣመሰለ ተመክሮ እንተዘይተመሪሑን ሓአኛ ዕርቂ ክርከብ ኣይከኣልን እዩ፣ እዚ ጠመተ እዚ ንተመኲሮ ምሥጢረ ንስሓ ካብ እግዚአብሔር ዝጅመር ፍጻሜ ምዃኑ ንምርዳእን በግዑ ከምዝጠፍኤት ዝፈለጠ ጓሳ ክሳብ ዝረኽባ ካብ ምድላያ ከምዘይዓርፍ (ሉቃ 15.4-6) ንክትርዳእ የኽእለካ፣   

ቀንዲ ውራይና ወይ ዕዮ ገዛናኸስ ነቲ ከም መሣርሕቲ እግዚብሔር መጠን ዝተቀበልናዮ ጸጋ እግዚአብሔር ኣብ ፍጻሜኡ ክበጽሕ ክንድግፎን ክነፍቅደሉን እምበር ኣባና ከንቱ ኰይኑ ከይተርፍ ምቅላስ እዩ፣ እዚኣ ከኣ እታ ካልአይቲ ስጉምቲ እያ፣ ሓንሳእ ሓንሳእ ሓደ ካህን ብጠባዩ ነቲ ተነሳሒ ናብ እግዚብሔር ክንዲ ዘቅርቦ ከርሕቆ ይከኣል፣ ንኣብነት ንሓድነት ወንጌላዊ ዕላማ ክትብል ነቲ ዕለት ዕለት ብርቱዕ ቃልሲ ንቅድሚት ዝስጉም ዘሎ ሰብ ክንዕንቅጾ ንኽእል፣ ጸጋ እግዚብሔር ግን ብኸምዚ ኣይኮነን ዝዕደል፣ ንጣዕሳ ወልደ ንስሓ ምልላይ ማለት ኣእዳውካ ዘርጊሕካ ምቅባሉ እንክኸውን እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ምሳሌ ጥፉእ ወዲ ዘሎ (ሉቃ 15.20) ናብ ቤት ኣቦኡ ክምለስ ከሎ ኣቦኡ ኣእዳው ዘርጊሑ ዝተቀበሎ እዩ፣ እዚ ከኣ ነቲ ዝሓሰቦ ክዛረብ ክውድእ እውን ኣየፍቀደሉን፣ እዚኣ ንዓይ ብዙሕ ግዜ ትትንክፈኒ፣ እቲ ኣቦ ዘረባኡ ክ ውድእ እውን ኣይሓደጎን ሓኒቁ ይስዕሞ ይሓቁፎ፣ ነቲ ብልቡ ኣውሪዱ ኣደዪቡ ኣሰናድይዎ ዝነበረ ዘረባ ይቅረታ ክሓትት ኣይተጸበዮን (22) ሓደ ዘናዝዝ ከምዚ ክገብር እንከሎ ንሱ ንባዕሉ እውን ሓጢኣተኛ ምዃኑን ተመኲሮኡን ካብዚ ንላዕሊ ከምዝሕይል የመልክት፣ ንሓደ ድሮ ሓጢኣቱ ተረዲእዎ ከምዝበደለ ኣሚኑ ኣብ መንበረ ኑዛዜ ቀሪቡ ንዘሎ ብዝገደደ ከምዝሓፍር ምግባር ኣድላዪ ኣይኮነን! ስራሕ መርመራ ፖሊስ ኣየድልን፣ እቶም ኣብ መንበረ ኑዛዜ ዘድልዮምን ዘይድልዮምን ደጋጊሞም ከመይ ኢሉ ብኸመይከ እናበሉ ብምሕታት 10 20 30 40 ደቃይቅ ንዘጸብዩ ስራሕ መርመራ ፖሊስ ኣይግበርን እዩ ኣብቲ ድሮ ጸጋ እግዚብሔር ዝሓለፎ ኩሉ ተፈጺሙ እዩ ብከንቱ ኣይትድከሙን ኣይተድክሙን እብሎም፣ ነቲ ንሓደ ሰብ ምስ እግዚብሔር ብምርኻብ ዝፈጠረ ናይ ግሊ ስፍራኡ ደረት ምስጋር ኣይፍቀድን፣ ሓደ ኣብነት ናይቶም መሳርሕተይ ዝኾኑ ኩርያ ሮማና ከምጸኣልኩም ኩልና ብዛዕባዚ ኣካልዚ ሕማቅ ንዛረብ ኮይኑ ግን ኣብ ማእከሎም ብዙሓት ቅዱሳን ኣለው፣ ሓደ ካርዲናል ሓደ ሓላፊ ናይ ሓደ ማሕበር ኣብታ ስግርና ዘላ ቤተክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ዘሳስያ ክልተ ሰለስተ ግዜ ኣብ ሶሙን ንከናዝዝ ይኸይድ፣ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ከዕልለኒ እንከሎ ኣብ መንበረ ኑዛዜ ሓደ ሰብ ንክገልጽ ጸገም ምስ ኣጓኖፎ ተረዲአካ ኣሎኹ ቀጽል እብሎ እሞ እቲ ሰብ ፍዂስ ኢልዎ ተሃዳዲኡ ጽቡቅ ኑዛዜ ይገብር ኢሎምኒ፣ ጽቡቅ ምኽሪ እዩ ምበልኩ ነቲ ኩነታት ቆብ ኣቢልካ ምስ ተረዳእካ ተረዲኡኒ ኣሎ ቀጽል ክትብል ዓቢ ሓገዝ ተበርክት፣ እታ ናይ ኢሳይያስ ነቢይ ደስ ተብል መግለጺት ማለት ‘ብምሽእቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ።’ (ኢሳ 49.8) ምሉእ ትርጓሜኣ ኣብዚ ትረክብ፣ እግዚብሔር ወትሩ ብንጹሕ ልቢ ናብኡ ንዝግበር ድምጺ ገዓር መልሲ ይህብ እዩ፣ ክንደይ ዝተጠንጠኑን በይኖምን ኮይኑ ዝስምዖም እግዚብሔር ክረኽቦም ከምዝመጽእ ዘየስተማቀሩ፣ ምሳሌ ጥፉእ ወዲ ኣቦ እቲ ወዲ ‘ ብርሑቅ እንከሎ ይርእዮ ራሕረሓሉ ንክቀባበሎ ከኣ ጐየየ’ (ሉቃ 15.20) ክሳዱ ሓኒቁ ከኣ ሰዓሞ ይብለና፣ እግዚብሔር እቲ ሓጢኣተኛ ክሳብ ዝመጾ ኣይጽበን ባዕሉ ናብኡ ገጹ ይጐዩ ከመይ ናባኡ ክምለስ ክርእዮ እንከሎ ዓቢ ሓጐስ እዩ ዝኽዕኖ፣ እግዚብሔር ናይዚ ታሕጓስ እዚ ጽምኢ ኣለዎ፣ ሓደ ሓጢኣተኛ እንክምለስ ዝህቦ ታሕጓስ፣    








All the contents on this site are copyrighted ©.