2018-04-12 16:56:00

ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽን ጸሎትን ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ሓደጋ ነፋሪት ኣብ ኣልጀሪያ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም ኣብ ኣልጀሪያ ካብ ርእሰ ከተማ ኣልጀሪ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ኣባይቲ ስድራኦምን ኣሳፊራ ኣብ በረራ ዝነበረት ወተሃደራዊ ነፋሪት ድሕሪ ናይ 30 ኪ.ሜ. ናይ በረራ ጉዕዞ ከምዝወደቐትን ኩሎም ተሳፈርቲ ብጠቕላላ 257 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ምስ ተሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ናብ ናይ ኣልጀሪ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ደስፋርገስ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ነቶም በቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ምኽንያታ ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ንመላእ ህዝቢ ኣልጀሪያን መንግስትን ቀረባ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ ስለ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ዝተሰምዖም ጥልቂ ሓዘን ገሊጾም፡ ነቶም ዝዓረፉ እግዚኣብሔር ኣብ ሰላሙ ክቕበሎምን ነቶም በዚ ሓደጋ ምኽንያት ኣዚዮም ኣብ ከቢድ ሓዘን ንዝርከቡ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም ጸሎቶም እውን ከምዘረጋገጹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ነቶም ኣብቲ እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ከባቢ ንዝተዋሩ ሓገዝ ኣቕረብቲ ኣባላት ምክልኻል ሓደጋ መለኰታዊ ሓልዮትን ንመላእ ህዝብን ሃገርን ኣልጀሪያ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር እምሕጸን ከምዝበሉ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.