2018-04-12 16:59:00

ናይ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ዛዕባ ዓውሎማውነት


ኣብ ፖርቱጋል ከተማ ፋቲማ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ብሓባር ብዛዕባ ዓውሎማውነትን ሳዕቤናቱን ዘማእከለ ዓውደ ዘተ ሎሚ ዕለት 12 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ከምእተበገሰን እዚ ዓውደ ዘተ ክሳብ ዕለት 15 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፈደሪኮ ፒያና ሓቢሮም።

እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዓውሎማውነትን ኣብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ኣብ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ሕብረተሰብን ባህልን ዘለዓዕሎ ለወጥታት እንታይ ይመስል? ዝብል ሕቶ ናይቲ ዕጹው ዓውደ ዘተ መርሕ መስመር ከምዝኸውንን፡ ሰለስተ መደባት ዘጠቓለለን ሓደ ኤውሮጳውን ከምኡ እውን ሓደ ኣፍሪቃዊ ጳጳስ ዓውሎማውነት ኣብ መንእሰይ ወለዶን ስደተይናታትን ሰብን ስነ ምኅዳርን ዛዕቤናቱ ብዝርዝር ከቕርቡ እውን ምዃኖም ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ፒያና ኣስዒቦም፥

ኣፍሪቃውያንን ኤውሮጳውያን ብፁዓን ጳጳሳት ንናይ ሓባር ብድሆ ብሓባር

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ጉባኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ የኔታ ዱራተ ዳ ኩኛ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ኣብ ከይዲ ንናይ ሓባር ብድሆ ብሓባር ክዓዩን ክመያየጡን እዚ ኣብ ፋጢማ ዝካየድዎ ዘለዉ ዓውደ ዘተ ነቲ ኣብ 2004 ዓ.ም. ዘካየድዎ ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ ዘኪሮም ፋልማይ ከምዘይኰነ ገሊጾም፡ ከምዚ ዓይነት ናይ ክልቲኣተን ክፍለ ዓለማት ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሓባር ዘተ ዕላማ፥ ኣብ ባይታ ክውዕሉ ዝኽእሉ ሃሳባት ድዩ ፍርዳዊ ውሳኔ እውን ንምሃብ ተመክሮ ምልውዋጥን ክፋልን ሕድ ሕድ ምድግጋፍን ዝብል እዩ፡ ናይ ሓባር ጉዕዞ ነቲ ውልቃዊ ሕልናን ሓባራዊ ሕልናን ዘበራትዕ እዩ ከምዝበሉ ገሊጾም።

ዓውሎማውነት ትሑት ግምት ክወሃቦ ዘይብሉ ኣጋጣሚ እዩ

ናይ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ ዓውሎማነት ክዝትዩ ምድላዮም ዓውሎማውነት ህብረ ወጅሂ ከምዘለዎን ኣብ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያንን ዘለዓዓሎ እወታዊ ሳዕቤንን ብተመሳሳሊ ዘስዓቦን ዘስፈሖን ቅልውላውን ከምኡ እውን ከምቲ ዝነበሮን ከምዚ ኔሩ እትብሎ ኣረኣእያ ከይህሉ ዝገብር በተኽ ለውጥታቱ ጠንቂቖም ናይ ሓባር ኣፍልጦ ከምዘለዎም የኔታ ዳ ኩኛ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም፡ ዓውሎማውነት ምቅርራብ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጡር ኣስፊሑን እቲ ምርኻብ ቀሊል ክኸወን ከምዝገበረን ንኣብነት ኣፍሪቃውያን ካህናት ወይ ሓደ ዓለማዊ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ኤውሮጳ መጺኡ ከገልግል ካብ ኤውሮጳ እውን ከምኡ፡ ቅድም ወንጌላዊ ልኡክነት ሓደኣዊ መገዲ እዩ ዝስዕብ ዝነበረ ሎሚ ግን ከምኡ ኣይኰነት፡ ይመጻካን ትኸዶን እዩ፡ ኤውሮጳ ዝዘንግዖን ወይ ብኻልኦት እቲ ኣጥቃዒ ርእሰ ማላዊ ርእየት ዓለም ብዘተኣታትዎም ዓይነት ኣነባብራ ዝትክኦም ብዙሓት ዕሴታት ሎሚ በቶም ካብ ኣፍሪቃን ካልኦት ደቡባውያን ሃገራት ናብ ኤውሮጳ ይቐርቡ ኣለዉ፡ ብዛዕባ እዚ ኩሉ ናይ ሓባር ኣፍልጦ ኣለዎ ከምዝበሉ ፒያና ገሊጾም።

እቲ ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቅድስቲ ማርያም ዘፋጢማ

እቲ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ፖርቱጋል ከተማ ፋጢማ ንኽካየድ ዝዓደሙ ናይ ሊስቦና ፓትሪያርክን ናይ ፖርቱጋል ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ማኑኤል ክለመንተ ክዀኑ እንከለዉ፡ ነቲ ዓውደ ዘተ ብዘስምዕዎ መደረ ሎሚ ዕለት 12 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም.  ዘበገሱ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ምዃኖም የኔታ ዳ ኩኛ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግልጺ ከምዘፍለጡ  ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ፒያና ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.