2018-04-12 17:06:00

“ስልጣንን ገንዘብን”፥ ዘርእስቱ መጽሓፍ ፍካሬ ቅዱስ ኣቦና ዛዕባ ኤኮኖምን ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብን


ናይቲ ዓውሎማዊ ዓለም ተጋራጫውነትን ይዅን ደኣ እምበር ሕጂ እውን እማኔ ኣብ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ዓለም ሕንጸት ተኻኣሊ ምዃኡ ብሰፊሕ ዝትንትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስልጣንን ሃብቲ ገንዘብን ብፍላይ ካብቶም ናይ ወንጌል ህርመት ዝዀኑ ድኻታት ነቒሎም ዝገልጽዎ ፍካሬ ኤኮኖሚ ብሓደ ዝጥርንፍ፥ ስልጣንን ገንዘብን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ብናይ ቦርጎሊዮ ትምህርቲ ብዝብል ኣርእስቲ ጋዜጠይናን ደራስን፡ ኣቨኒረ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ዕለታዊ ጋዜጣ ተሓባባርን ስነ ጋዜጠይናነትን ስነ ቋንቋ ትንተናን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብን ስነ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ላፒያኖ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሶፊያን መምህር ካብ ቀረባ እዋን ኣብ ሊቦኖስ ዝነብሩ ዘለዎ ሚከለ ዛንዙኪ ዝደረስዎ ብቤት ማሕተም ቺታ ኑዎቫ ዝተሓትመ መጽሕፍ ሎሚ ዕለት 12 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣድራና ማሶቲ ሓቢረን።

ኣተኵሮ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዛዕባ ኤኮኖሚ

ቅዱስ ኣቦና ካብ ቀደም ከም ክርስቲያንን ድሓር ከም ተራ ገዳማዊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ካህንን ጳጳስን ካርዲናልን ሎሚ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኤኮኖሚ ማሕበራዊ ሕቶታትን ንወንጌል መጻእተይና ወይ ባዕዳውያን ከምዘይኰኑ ኣጥቢቖም ዘለለዩ እዮም፡ ኣብ ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ትምህርቶምን መልእኽትታቶምን ብሓፈሻኡ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኽተልዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደቦም (ናይ ወንጌል ሓሴት) ብዝደርስዎ ሓዋርያዊ መልእኽታቶምን … ብዛዕባ ቁጠባን ኤኮኖምን ገንዘብ ስልጣንን ዘመሓላለፍዎ ፍካሬ ብሓደ ጠርኒፉን ሰሪዑን ዘቕርብ መጽሓፍ ምዃኑ ሚከለ ዛንዙኪ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ናይቲ መጽሓፍ መቕድም ደራሲ ከኣ ቅዱስ ኣቦና ከምዝዀኑ የመልክቱ።

እንነብረሉ ዓለም ናይ ብሉጽን ክፍኡን ዕቑር ብቕዓት ኣለዎ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሃብትን ድኽነትን የነጻጽሩ፡ እቲ ዓውሎማዊ ኤኮኖሚ ብዙሓት ካብ ድኽነትን ጥምየትን ከላቕቕን ክፍውስን ክከናኸንን ናይ ሓባር ቤትና ክከናኸንን ዝኽእል ክነሱ እቲ ሃብቲ ኤኮኖሚ ኣብ ውሑዳት ክፍሊ ሕብረተሰብ ኢድ ኣትዩ ይርከብ። ከምዚ ብምዃኑ እቲ ዘለዎ ሰናይ ብቕዓት ተዓፊኑ ከምዝርከብ ይገልጹ፡

ረባሕታ ምልከ ዕደ ጥበብ ቅዱስ ኣቦና ይነጽጉ

ምሕደራን ቁጠባ ሃብቲ ገንዘብን ኅብረ ኢንዳስትሪታት ናይ ከባቢ ኤክኖሚ ክምዝጸልው ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ሓቢሮም። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ኢፍትሓውነትን ስቓይን ሱቕ ክትብልን ርእያ ከምዘይረኣይት ክትከውን ዘይከል እዩ። ስለዚህ ብሰላም ምስ ኩሉ ብምትሕባር ብፍላይ ምስቶም ንኢፍትሓውነት ኣይፋል ምስ ዝብሉ ትተሓባበርን ትዓይን። ወንጌል ዘይብጻሕ ጦቢያዊ ሸቶ ዝተመልአ ኣይኰነን። ጭቡጥ ተስፋ እዩ፡ ንኤክኖሚ እውን ከይተረፈ ዘድልዮ ተስፋ እዩ፡ ስለዝህ ወንጌል ኣብ ኢድካ ሒዝካ እቲ ጸረ እግዚኣብሔርን ብጻይን ብስም ኣምልኮ ስልጣንን ሃብቲ ገንዘብን ዝፍጸም ውልቃውን ማሕበራውን ሓጢኣት ምክሳስን ምዅናንን የድሊ ይብሉ።

ብሓገዝ እግዚኣብሔርን ብሓባርን እንነብረሉ ዓለም ንምልዋጥን ተስፋ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ቡዙሕ ዝተዘንግዔ ዕሴት ኰይኑ ዘሎ ዳግም ምውዕዋዕ ዝከኣል ምዃኑ ካብ ምእማን ክንቦክር የብልናን

ሰናይ ምልምማድ፡ ፍቅሪ ንጡፋት ይግበር

ኣብ ዓለም ማዕርነት ንኽረጋገጽ እንታይ ንግበር? ዝብል ሕቶ ዘቕርቡ ቅዱስ ኣቦና፡ መልሱ ናይ ባህሊ ሰውራ እዩ ይብሉ፡ ሰብኣውን ሃብትን ኣቲ ዝተሓላለኸ እዋናዊ ሽግር ብዘይምኽሓድ ምስትውዓል፡ ብዙሓት ብዘይ ኣፋላላይ ዝተፈላለዩ ዜጋታትን ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ዝርከቡን ናይ ሰናይ ሰራዊት ኰይኖም ዝዋፈሩ፡ ሰራዊተ ሰናይ ብዙሓት ኣለዉ፡ ሰናይ ወይ ደላይ ሰናይ ምዃን ማለት ህድኣታውነት ወይ ሱቕታውነት ወይ ከኣ ሸለልተይናነት ማለት ኣይኰነን፡ ነዚ ኸኣ ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል እንከለዉ ኣብ 2005 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ኣፓረሲዳ ከተማ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ዝሓንጸጾ፥ ክርስቲያን ንማሐበራዊ ሕይወት፡ ምስትውዓል ምውሳን ተግባራውነትን ዝብል ስልቲ ብምዛካር የነጽሩ። ኣተሓሒዞም ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሓድሽ ጊልያነት፡ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘየኽብር ዝምዝም፡ ድኽነትን ሃብትን ፍትሕን ኢፍሓውነትን ጥዑይ ቁጠባን ብልሽው ቁጠባን ኣምልኾ ገንዘብን ምልከ ዕደ ጥበብን ቁጠባዊ ምጽንጻንን ኣብ መንጐ ድኻን ሃብታም ዘሎ ዓቢይ ፍልልይን ዓውሎማነትን ደጋዊ ህልውናን ከተማታትናን ዝፈጥር ሰብ ከም ውዳቕ ዝሓስብ ከይድን ንድግ ውግእ ኣጽዋርን ዝኣመስሉ ጠቒሶም ህልው ኩነት ዓለም ተመስሎ ተክለ ሰብነቱ ይሕብሩ።

ቅዱስ ኣቦና ካብ ድኻታት ካብቶም ሕሩያት ወንጌልን ካብ ወንጌልን እዮም ዝነቕሉ፡ ስለዚህ እቲ ንሶም ዝገልጽዎን ዘብርህዎን ሓሳብ ቲዮሎጊያዊ ትንታነ ዝተነብሮን ልዑል ሰብኣውነታዊ ትንታኔ እዩ። ድኻታት ምሩጻት ወንጌል እያቶም እዮም ዝብሉ፡ ከምዚ ስለ ዝብሉ ብዝተፈላለየ መገዲ ክግልጹ ንሰምዕ፡ ቅዱስነቶም ግና ወንጌል ኣብ ኢዶም ሒዞም እዮም ዝዛረቡን ዝዓዩን፡ ምስ ድኻታት ዝነበሩን ስሌኦም ዝተጣበቑን እዮም ሎሚ ከኣ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነብርዎ ሕይወት እዩ፡ ስለዚህ ስልጣናዊ ትምህርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዃኑ ናይቲ መጽሓፍ ደራሲ ሚከለ ዛንዙኪ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ አካየድዎ ቃለ መሕትት የነጽሩ።

ዓለም ንምልዋጥን ሰማያውያን ምስጋና - ብጽዕና ምንባር

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ህልው ኩነታት ዓለም ንምቕያርን ንዝበለጸ ምምሕያሽን ንምልዋጥን ሰማያውያን ምስጋና ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ብፅዕና ምንባር ይሓትት፡ ከምዚ ምዃኑ ይብሉ ደራሲ ሚከለ ዛንዙኪ ናይ ቅዱስ ኣቦና ጽሑፋትን ድርሰታትን ስብከታትን ድሕሪ ምክትታል ዝተረድኦም ሓሳብ ከምዝኾነ ይገልጹ።

ኤኮኖሚ ግዙእ ምልከ እደ ጥበብ መኽሰብ ዘማእከለ ዘይኰነስ ሰብ ዘማእከለን ሰብን ሰብኣውነቱን ንምኽሳብ ዝድርኽ ክኸውን ኣለዎ፡ ብሓፈሻኡ ኣብ ትምህርቲ ብፅዕና ምስ ዝቐውም እውነተይና ምዕባለ የኽውን ማዕርነትን ፍትሕን ሰላም የነቓቕሕ፡ እውነታውነት የስፍሕን ከምዚ ምዃኑ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦና ዘብርሆን ቃልን ተግባሮም እዩ፡ እዚ ዅሉ ብሰፊሕ ኣብታ መጽሓፍ ተመልኪቱ ከምዘሎ ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ሚከለ ዛንዙኪ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የነጽሩ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.