2018-04-14 16:03:00

ብፁዕ ካርዲናል ዘናሪ፥ መጠን ኣልቦ ማዕቀብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ሶሪያ


ሶሪያ ብውግእ ኣዚያ ትደምይ ኣላ፡ ሕዝባ ገዛ ርእሱ ንምድሓን ይስደድን ይመዛበልን ኣሎ፡ እዚ ዅሉ ጸገም ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ማሕበረሰብ ዓለም ምስቲ ናይ ሶሪያ ኵነት ዝተመዓራረየ ሽምግልና ስሉጥ ምግባር ዘይከኣሎ ኰይኑ ይርክብ ኣሎ ነዚ ዝበሉ ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ ክዀኑ እንከለዉ፡ ብፁዕነቶም እቲ ሓያላት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ደብዳብ ከካይዳ ምዃነን ዘመሓላልፍኦ ዘለዋ ውሳኔ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ውድቀትን ብፍላይ ከኣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ድሕነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ፍሽለት እዩ ዘረጋግጽ ቢሎም፡ ስደትን ምዝብልናን ሕዝቢ ሶሪያ ዝግስጽ ሰላማዊ ውሳኔ የድሊ እንክብሉ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዘዘንብይ ዘሎ ውግእን ወረ ውግእን ብትረት ከምዝነቐፉን ከምዘውገዙን እውን ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኔውስ ኤለን ደስቶምበስ ኣፍሊጠን።

ናይ ዘስካሕክሕ ገበን ተሓታትነት

ሶሪያ ካብ ርሑቕ ዓመታት ኣትሒዛ ኣብ ዘተሓሳስብን ዘፍርሕን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ክዛመት ብዝኽእል ውግእ ተሓሚሳ ትርከብ ኣላ። ስለዚህ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ናይቲ ውግእ መንቀልን ናይቲ ዘስካሕክሕ ገበን ተሓተቲ ምልላይ ይግብኦ፡ እዚ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ድሕነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ መሰረት ክካየድ ዘለዎ መደብ እዩ፡ ኣብ ሶሪያ ምጥቃም ንጥረ ነገራውያን ኣጽዋር ውግእ ኣሎን የሎን እዚ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዝምልከቶን ባዕሉ ከጻርዮም ዝግብኦ ዓለም ለኻዊ ሓላፍነት ኣለዎ፡ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ከይኽሰት ድዩ ምጥቃም ንጥረ ነገራዊ ኣጻር ይሃሉ ኣይሃሉ ንምጽራይ ዘካይዶ ጻዕሪታት ድኹም ወይ ከኣ ስለ ዘየለ ናይ ዘስካሕክሑ ገበናት ተሓተትቲ ንፍርዲ ምቕራብ ዘይክእል ኰይኑ ኣሎ። እዚ እውን ንገዛእ ርእሱ እቲ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዘመሓላልፎ መጠን ኣልቦ ማዕቅብ ዘስዕቦ ጉዳይ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ዘናሪ ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ደስቶምበስ ሓቢረን።

እናተዀላለፈ ዝካየድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም

ብፁዕ ካርዲናል ዘናሪ ይብሉ ህልው ኩነታት ዓለም ርኢኻ እታ ዝኽሪ መበል 55 ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ሰላም ኣብ ምድሪ ዘረእስታ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን፡ ብሓቂ እታ ዓዋዲት መልእኽትን ስልጣናዊ ትምህርታን ክሳብ ክንደይ እዋናዊ ምዃኑ ትርዳእ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝተዀላለፈ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ይካየድ ከምዘሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞ ዝገልጽዎ ሓሳብ ሓቅነት ዘለዎ ምዃኑ ህልዉ ኩነታት ዓለም ምርኣይ እኹል እዩ፡ ካብቶም ዝተዀላለፉ ውግኣት ኣቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ውግእ ሓደ እዩ፡ ሕዝቢ ሶሪያ ሰልኪይዎን መወዳእታ ዘይብሉ ውግእን ሁከትን ይሳቕይን ናብ ስደትን ምዝብልና ተገዲዱ ይርከብ። ሕዝቢ’ታ ሃገር የነጽት ኣሎ። ነቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ውግእ መንቀሊኡን ተሓታትን ምጽራይ የድሊ ከምዝበሉ ደስቶምበስ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ዕለት 14 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ከምዝገለጽዎ ሓይሊ ኣየር ሃገሮምን ምስ ናይ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ሓይሊ ኣየር ብምትሕብባር ኣብ ሶሪያ ርእሰ ከተማ ደማስቆን ሆምስ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ወተሃደራዊ ስፍራን ብፍላይ ሓደ ናይ ንጥረ ነገር ኣጽዋር መቐመጢ ማእከል ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምእትፈጸመ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ደማስቆ መንግስቲ ካብ ዝፈነዎ ሓበሬታ ካብ ዝተፈነወ 30 ጸረ ሶሪያ ሚሳይላት 10 ክምዘፍሸለን እቲ ዝተፈነው ጸረ ሶሪያ መጥቃዕቲ ብወተሃደራዊ መራኽብን ብሓይሊ ኣየርን ዝተፈጽመ ምዃኑ የመምልክት።

እቲ ሕቡራት መንስግታት ኣመሪካ ምስ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ሶሪያ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ነቲ ናይ ሶሪያ መንግስቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣረመናዊ ግፍዕን ምጥቃም ንጥረ ነገራዊ ኣጽዋር ግብረ መልሲ እዩ እንክብሉ፡ ሩሲያን ኢራንን ኣብ ናይ ሶሪያ ምጥቃም ንጥረ ነገራዊ ኣጽዋር ኢድ ኣለወን እንክብሉ ይኸሱ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ዝፍነው ዘሎ ጸረ ሶሪያ መጥቃዕቲ ኣብ ናይታ ሃገር ናይ ንጥረ ነገር ኣጽዋር መቐመጢ ቦታታት እዩ ስለዚህ ንጹሓን ዜጋታት ከይልከሙ ዓቢይ ጥንቃቔ ዝተመልኦ ምዃኑ እንክሕብር፡ ናይ ፈረንሳ መንግስቲ ብወገኑ እቲ መጥቃዕቲ ናይ ኣሳድ መንግስቲ ንምዕላው ዝሓቀነ ኣይኰነን ክብል እንከሎ፡ መንግስቲ ሩሲያ ብወገኑ እቲ ሕቡሩታት መንስታት ኣመሪካ ምስ ተሓባበርታ ሃገራት ኰይና እትፍጽሞ ዘላ መጥቓዕቲ ብዘይ ከቢድ ሳዕቤን ዘይተርፍ እዩ እንክብል መግለጺ ከምዝሃበ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ርእሰ ብሔር ትራፕ ምስ ናይ ሃገሮም ላዕለዋይ ሓጋግን ሕዝባዊ ባይቶን ከይዘተዩ ዝወሰድዎ ውሳኔ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምዃኑ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቅዋም ሃገር ዝጻረር ውሳኔ ምዃኑ ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.