2018-04-14 15:57:00

ናይ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ብፁዓን ጳጳሳት ዓውደ ዘተ ዛዕባ ዓውሎማውነትን ቤተ ክርስቲያንን ባህልን


ኣብ ኢየሱስ እሙን ወጅሂ እግዚኣብሔርን ክውን ወጅሂ ሰብን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረት ኣቦ መንበር ኣብ ኢጣሊያ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ኣብቲ ብናይ ሊስቦና ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ማኑኤል ክለመንተ ዕድመ መሰረት ኣብ ፋጢማ ክሳብ ዕለት 15 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ዛዕባ ዓውሎማውነትን ቤተ ክርስቲያንን ባህል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትዕ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 12 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ብወግዒ ንምኽፋት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ኤውሮጳ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ነጸብራቕ ፍቕሪ ክርስቶስ ንዓለም እዩ፡ እዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሃረርታ ሕይወትን ፍቕርን ነጻነት ሓሴትን ሰብኣዊ ፍጥረት ቅንኢ ዘሕድር ኣይኰነን ካብ ዝብል እምንቶ ዝውለድ ከምዝዀነን እግዚኣብሔር ንገዛእ ርእሱ ሃረርታ ሕይወትን ፍቕርን ነጻነትን ሓሴትን ሰብኣዊ ፍጥረት መሰረትን ብሉጽ ዋሕስ እዩ፡ ወንጌል ብሓቂ ኣብ ዘመናት ባህልን ውበትን ውህበትን ስልጣኔን ዘፍረየ እዩ።

ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ ኣስዒቦም፥

ቅልውላው ኤውሮጳ ንኣስተንትኖ ኣጋጣሚ

እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንኤውሮጳ ሰናይ ኣጋጣሚ ክኸውን ተመንዮም። ቅልውላው ኣሉታዊ ህሞት ዘይኰነስ ጠቓሚ መተሓላልፎ እዩ፡ ስለዚህ ኤውሮጳ ናይ ገዛእ ርእሳ ጉዕዞን ብዛዕባ ገዛእ ርእሳን ኣናስራን ጽሕፍቶኣን እተስተንትነሉ እዋን ክኸውንን እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ እተካይዶ ክልሲ ቅኑዕን ተኣማንን መቕድም እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ሓቀን ባህልን

ኤውሮጳ ታሪኻ ንደልሃመትን ነቲ ነገረ ሰገር ምድባንን ዝብል ሓደጋ ዝተቓሊዓ ትርከብ። እዚ ኸኣ እቲ ዝረአይ ዘሎ እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ማሕበራውን ውልቃውን ሕይወት ዘርሕቕ ኣብ ከርሳ ዝሰፍሕ ዘሎ ባህሊ ዘረጋግጾ ሓቂ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ማዕቅን ኣናዀነ ዓቢይ ሓደጋ ኰይኑ ይርከብ ኣሎ።

ቢሎም ብፁዕነቶም ኣብቲ ኣብ ሓቅን ባህልን ዘማእከለ መደረኦም፡ ናይ ሓቅን ሰናይን ትርጉም እንክገልጹ፡ ሓቅን ሰናይነትን ብማዕቅን ኤኮኖምን ፖለቲካን ዘይኰነስ ብመንፈሳውን ሃይማኖታውን ጽፍሒታት ዝንበብ እዩ። እዚ መንፈሳውን ሃይማኖታውን ከይዲ ድማ ጥሉቕ ሰብኣውነት እዩ፡ ህላዌን ክውንነትን ንምግጣምን ንምፍራድን ንምባሩን ዝድግፍ ኵነት እዩ።

ኤውሮጳ ንምክልኻል ናይ ክርስቶስ ምስጢር ምብሳርን ምምስካርን

ቤተ ክርስቲያን ይብሉ ብፁዕነቶም፥ ነዚ ሰብኣውን ባህላውን ፍልቀት ኣብ ኤውሮጳ ድዩ ኣብ መላእ ዓለም ከም ተዓዛቢት ኵይና ክትነብሮ ኣይግብኣን። ተልእኾኣ ናይ ቆስሞስን ታሪኽን ጐይታ ማለት መገድን ሓቅን ሕይወት ዝዀነ ድሕነት ካብቲ ናይ ህብረ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ኣናስር ዝኾነ ሓጢኣት ዘድሕን ኢየሱስ ምብሳር እዩ፡ ኢየሱስ እውነተይና ወጅሂ ኣግዚኣብሔርን እውነተይና ወጅሂ ሰብን ይዅልዕ። ኣብዚ መለኰታውን ሰብኣውን ሰማይን ምድርን ርክብ’ዚ፡ ንእውነተይና ሰብኣውነትን ንዓቐን ሰብኣዊ ክብርን ዝበርኽ ስልጣኔን ምንጭን መምዘንን ኣሎ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም፥ ናይ ኢየሱስ ምስጢር ምስ ኵሉ ኣፋፍኖቱን ዝጠልቦን ዝሓቶን ኩነት ምብሳርን ምምስካርን ማለት ንኤውሮጳ ምክልኻል ማለት እዩ፡ እግዚኣብሔር ቀዳምነት ምሃብ ሰብኣውነት ካብ ሰብ ምድሓን ማለት እዩ። ንሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ፡ ባህርያዊ ስድራ ቤትን ሓድነት ኣሕዛብን እንገዳን ፍትሕን ሰላምን ምድሓን ማለት እዩ።

ወንጌል ምምስካርን ምብሳርን ማሕበረ ክርስቲያን ብቁጽሪ ኣዚዩ ዝበዝሔ ይዅን ዝብል ተልእኰ ኣይኰነን፡ ብዝሒ ግድን ኣይኰነን፡ ዘይጥሙርነትን ሓጢኣትን ብዘየገድስ ንኢየሱስ እሙን ምዃን እዩ፡ እዚ ዓቢይ ሓላፍነት ዝሓትት ብድሆ እዩ። ይዅን ደኣ እምበር እቲ እውነተይናን እዋናውነት ንሱ እዩ

አምዝበሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.