2018-04-14 17:57:00

ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት ሰንበት ዘዳግማይ ትንሣኤ


ቅድሚ 15 ዓመት አቢሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ ንዓለም ብዘገርም ነዛ ሰንበት ዘዳግማይ ትንሣኤ “ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት” አምላኽ ኢሎም አብ ኩሎም ካቶሊካውያን ክትብዓል አዊጆም። እዚ ብዓል መለኮታዊ ምሕረት ዝብል ወላ እኳ ብመጠኑ ሓዲስ እንተ ኾነ እቲ መልእኽቲ ናይ አምላኽ አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ምሕረት ብርግጽ ሓዲስ ሓሳብ አይ ኮነን። ን2000 ዓመት ዝተሰብከ ቀንዲ ማእከል ክርስትያናዊ እምነት እዩ። አምላኽ ኩሉ ጊዜ አብ ልዕሊ ኃጥአን ምሕረቱ ምስ ሃበ እዩ። ወላ እኳ ብሰንኪ ኃጢአትና አብ ክንፍቀረሉ ዘይንኽእል እንተ ወደቕና፥ ዕብየትን ብዝሕን ኃጢአት ብዘየገድስ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምስ አፍቀረና እዩ። ምሕረት አምላክ ኩሉ ጊዜ ነቶም ኃጢአቶም ተአሚኖም አብኡ ዝቐረቡ ክፉት እዩ።

አብዚ እዋን ትንሣኤ ንመለኮታዊ ምሕረት አምላኽ ዘኪርና ክነብዕል ዝሰማማዕ እዩ። አብ ብዓለ ትንሣኤ እንዝክሮ ዓወት አምላኽ አብ ልዕሊ ግዝአት አኃጢአትን ሞትን እዩ። ትንሣኤ ኢየሱስ ዝገልጾ ኃጢአትን ሞትን ናይ መጨራሻ ቃል ከም ዘይብለን እዩ፥ ማለት መወዳእታ ሕይወት አይኮናን ኲንአን ካልእ ሕይወት አሎ። አብዚ ክነስተውዕለሉ ዘሎና አምላኽ ካብ ሰማይ ንክፍአትና ብቝጥዓ ከም ዝምልስ ገርና ክንርእዮ የብልናን። አምላኽ ንኃጢአት ሰብ ክንርድኦን ክንበጽሖን ብዘይንኽእል መገዲ ብምሕረት ስዒርዎ።

አብዚ አዕሙቕ አቢልና ክነስተንትን ጽቡቕ እዩ፥ አብ ጎቦ ቀራንዮ ንወዲ አምላኽ ብሥጋ ብጭካኔ ቀቲልናዮ። መስቀል ብኻልእ አረአእያ ናይ መጨረሻ ናይ ወዲ ሰብ ንአምላኽ ምንጻግ እዩ ዘርኢ። አምላኽ ንደቂ ሰብ በቲ አብ ልዕሊ ወዱ ዘርአይዎ ጭካኔን ግፍዕን ካብ ገጽ ምድሪ ጨሪሹ ከጥፍኦም ካብኡ ዝምችእ ጊዜ አይነበረን እንተ ኾነ ብአንጻሩ ክምሕረና ተረኺቡ። ኦ አቦይ ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ ምሓሮም ኢሉ ጸልዩ፥ ካብ ጎኑ ምስ ተወግአ ከም ጩራ ብርሃን ናይ መለኮታዊ ምሕረት ምልክት ወጺኡ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ XVI ከም ዘስተምህርዎ “ኢየሱስ ክርስቶስ መለከታዊ ምሕረት ብአካል እዩ፥ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ማለት ንምሕረት አምላኽ ምርካብ እዩ። ኢየሱስ ብገዛእ ፍቃዱ ሕይወቱ ንሞት ንመስዋዕቲ አወፊዩ እዚ ኸአ ንሕና ክንምሓርን ክንድሕንን ካብ ሞት ናብ ሕይወት ምእንቲ ክንሰግርን እዩ። ምሕረት ስም አለዋ፥ ምሕረት ገጽ አለዋ፥ ምሕረት ልቢ አለዋ።

እዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና መለኮታዊ ምሕረት አምላኽ ኢልናዮ ዘሎና ዘዘኻክሮ ነቲ ንሕይወትና ዝቐየረ ብዓል እዩ። አብ መንበረ ኑዛዜ ቀሪብና ኃጢአትን ክናዘዘ ከሎና ርኡይ ምሕረት አምላኽ ኢና እነስተማቕር። ካህን ክፈትሓና እንከሎ “ኃጢአትካ/ኪ ተሓዲጉልካ/ኪ እዩ ካብ ሕጂ ንድሓር አይትአብስ ብሰላም ኪድ” ይብለና። እዚአን ቃላት ሕይወት ዝቕይራ ምሉእ ምሕረት አምላኽ አዊጀን አብ ልብና ዕረፍትን ሓጎስን ዝፈጥራ እየን። ዝኾነ ኃጢአት ወላ እቲ ዝኸፍአ ይኹን ሓንትስ ተአሚናካ ምሕረት ሕተት እምበር ብአምላኽ ዘይምሓር የለን።

ንአምላኽ እናአምስገና ነቲ ጥዑም ምሕረቱ እናአስተማቐርና ንጸሊ እዚ ኸአ አብኡ እምነት ብምግባር ኢና። ዝዓበየ ኃጢአት ወላ ይኹን ብማይ ምስጢረ ጥምቀትን አብ መንበረ ኑዛዜን ዘይምሓር የለን። ካባና ዝድለ ክፍአትካን ድኽመትካን ተአሚንካ ምሕረት ክትሓትት ምቕራብ ጥራሕ እዩ።

አብዚ እዋን ብፍሉይ ክንጽልየሎም ዝግብአና አለዉና ብፍላይ ነቶም ንምሕረት አምላኽ ልቦም ዓጽዮም ዘለዉ። አብ ስድራና፥ አብ ቍምስናና አብ ስራሕና ወይ እዋን አብ ከባቢና ክህልዉ ይክአል እዩ፥ ስለዚ ሎሚ አፍልቦም ክንኩሕኵሕ እሞ ልቦም ንአምላኽ ክኸፍቱሉ ክንሕግዝ እዋኑ እዩ። ቤተ ክርስትያን ከይከዱ ዝተፈላለየ ምኽንያት ይፈጥሩ ወይ እውን እምነት አብ አምላኽ አጥፊኦም ይኾኑ። ወይ እውን ዘሕፍር ዓቢ ኃጢአት ገሮም ይኾኑ ወይ ከአ ካብቲ ሕማቕ ሕይወቶም ወይ አመል ክወጹ ስዕረት ኮይኑ ክስምዖም ይክአል፥ ገለ ኸአ አብ ውሽጦም ጽልኢ አምላኽ ሓቢኦም ዝነብሩ ብሰይጣን ተገዚኦም ዝነብሩ ክኾኑ ይክአል ስለዚ ክንጽልየሎም እዋኑ እዩ።

ሎሚ ገሊጽና ክነግሮ ዘሎና ምሕረት አምላኽ ወላ ነቶም ካብ መጀመርያ ንአምላኽ ልቦም ዝዓጸው፥ ካብ ፍርኂ፥ ካብ ትሪ ልቢ፥ ካብ ዘይምንሳሕ ወይ ምጥዓስ ዝተላዕለ እውን ከይተረፈ ክፉት ምዃኑ ክርእዩ ክንሕግዝ። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል እዚ ግሉጽ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። መዓጹ ናይ እቲ ላዕለዋይ ደሪቢ ተዓጽዩ እንከሎ ኢየሱስ ካብ ሞት ተንሢኡ አብቲ ዕጹው ገዛ አትዩ ሰላም ክእውጀሎም መጺእዎም። ሰላም ንአኻትኩም ኢልዎም እዚ ሰላምታ አብ ልቢ እቶም ብፍርሒ አይሁድ ተሸቕሪሮም ንዝነበሩ ሓዋርያት ፍሉይ ሰላምታ እዩ። ነቲ ፍርኂ ጸልማት ጎልቢብዎ ዘሎ ልቦም ዝቕይርን አብ ሓዲስ ሕይወትን ምዕራፍን ክአትዉ ዝዕድም ሰናይ ዜና እዩ። አምላኽ ጎልቢቡ ሒዙና ካብ ዘሎ ጸልማት ክቕንጥጠልና ኩሉ ጊዜ ነዚ ሰላምታ ክህበና ይመጽእ። ክንቅበሎ ክንሰምዖ ናታትና ተራ እዩ።

አብዚ እዋን ወላ እቲ ተሪር ልቢ ከይተረፈ ክኽፈት አለዎ ግን ክንጽልየሎም አሎና። ንዝተዓጽወ ልቢ ክኽፈት እንተ ኾይኑ ብዙሕ ጸሎትን ጾምን ንስሓን ምግባር የድሊ። ሰብ ሓንሳብ ልቡ ምስ ዓጸወ ሰይጣን እዩ ዝመልኮ ሽዑ ነቲ ሰናይ አምላኽ ክሰምዕ ወይ ክቕበል አይክእልን እኳድአ አቦ ሓሶት ዝኾነ ድያብሎስ ዝተፈላለየ ሓሶትን ዘታልልን ነገራት እናቐረባ ብሓቂ ክርስቶስ ከም ንነጽግ ይገብረና። ልቢ ሰብ ክቕየር ንደሊ እንተ ኾና ተስፋ ከይቆረጽና ብቐጻሊ ጸሎት ብፍላይ መስዋዕቲ ቅዳሴ ከምኡ ዝተፈላለዩ ጸሎታት ከም ንባብ ቅ. መጽሓፍ፥ መቍጸርያ፥ ፍኖተ መስቀል ውዳሴ ማርያምን ካልኦት ጸሎታትን ክነዘውትር አሎና።

ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት አብ ምእዋጅ ቅድስና ቅ. ፋውስቲና ኮቫልስካ ብዓልቲ ፖላንድ እዩ ተአዊጁ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅድስት ፉውስቲና ብዙሕ ጊዜ ተገሊጽዋ፥ ደዳጊሙ ዝበላ ምሕረቱ ንኹሎም ደቂ ሰባት ከውርድ ድላዩ ከምዝኾነ።

ካብ ቅ. ፉውስቲና እንቕበሎ አብዚ እዋን ዝውቱር ጸሎት ኮይኑ ዘሎ “መድገምያ ወይ መቍጸርያ መለኮታዊ ምሕረት” ብዝብል ዝፍለጥ እዩ። ሓጺር ጸሎት ከም መቍጸርያ ዝድገም ንአምላኽ ምሕረት ዝልምን “ምእንቲ ስቓት ዝመልኦ ሕማማቱ ንዓናን ንመላእ ዓለምን ምሓረና” ዝብል እዩ። እዚ መድገምያ ብግሊ ወይ ብማሕበር ክድገም ይክአል፥ አብ ብዙሓት ቍምስናታት ቅድሚ ወይ ድሕሪ ቅዳሴ ይድገም።

ኢየሱስ ባዕሉ ንቅ. ፉውስቲና ከምዚ ኢልዋ “ጓለይ ነዚ አነ ዝሃብኩኺ መድገምያ ክደግማ አበራትዕየን. . . ንነፍሳት ከድሕን ሓግዝኒ” ኢልዋ። መድገምያ መለኮታዊ ምሕረት ግሩህ ቀሊል ግን ብጣዕሚ ኃያል ጸሎት እዩ። ምእንቲ እቶም ልቦም ንአምላኽ ዝዓጸዉ እሞ አብ አፍደገ ገሃነም ዘለዉ ንጽልየሎም።

ቅ. ፉውስቲና አብ ጻዕሪ ሞት እንከላ ምእንቲ እተን ልበን ንአምላኽ ዝዓጸዋ ነፍሳት ጸልያ። ብጸሎታ አብ ቅድሚ ሓደ ሰብአይ አብ አፍደገ ሞት አብ ስቓይ ዘሎ ክትርአዮ ክኢላ። እዚ ሰብአይ ተጋዲሙ ደቂሱ እንከሎ አጋንንቲ ንነፍሱ አብ ገሃነም ክወስዱ ይጽበዩ ነሮም። እንተ ኾነ ቅ. ፉውስቲና ቀጺላ ምእንትኡ “ምእንቲ ስቓያት ዝመልአ ሕማማቱ ንዓናን ንመላእ ዓለምን ምሓረና” እናበለት ደጋጊማ ጸልያ። ሽዑ ንሽዑ እቲ አብ አፍደገ ሞት ዝነበረ ሰብ ዘፍ ኢሉ ሃዲኡ ምእንቲ እቲ ኩሉ ዝገበሮ ኃጢአት ክንሳሕ ዝብል አብ ልቡ መልኦ። በቲ ጸሎት መለኮታዊ ምሕረት ሰላም ረኺቡ እዚ ኸአ በቲ ቅ. ፉውስቲና ዝደገመቶ ጸሎት መለኮታዊ ምሕረት እዩ። ጸሎት መለኮታዊ ምሕረት አዘውቲርና ክንፍሊ ከሎና ዓቢ ጸጋ አልኦ። 

ብዙሓት ነፍሳት አብ አፍደገ ገሃነም እሳት ከምዘለዋ ዘይንአምን እንተ ኾና ንርእስና ነተዓሻሹ ወይ ንጥብር አሎና ማለት እዩ። ገለ ሰባት አለዉ ክሳብ መጨረሻ ቀቒቕ ሕይወቶም ንምሕረት አምላኽ ዝነጽጉ ወይ ዝአብዩ። አምላኽ ግን ክሳብ መጨረሻ ከምቲ ንቅ. ፉውስቲና ዝበላ ብመድገምያ መለኮታዊ ምሕረት ከድሕኖም ይደሊ።

እዚ ኹሉ አብ ዓለምና እንርእዮ ጽልኢ፥ ውግእ፥ ዓመጽ፥ አድልዎን ዝርጋንን ምሕረት አምላኽ ከም ዝድለየና እዩ ዝገልጽ። ሎሚ ከምሎሚ ብዝያዳ ክርስትያን መሳርሕቲ ምሕረት አምላኽ ክንከውን ብጸሎትናን አብ ግብሪ ብዝርአ ናይ ፍቕሪ ተግባራትናን ክንገልጾ ይግባእ። ከምቲ አቦና በነዲክቶስ XVI መለኮታዊ ምሕረት መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ እዩ ዝበልዎ አብ ዓለም መብራህቲ ኮና ኩሉ ጊዜ ነታ ጭልምልም እትብል ዓለምና ተስፋ እንህባን እነብርሃን ንሕና ስለ ዝኾና ትብዓት ለቢስና ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ክንጽሊ ንስራሕ ድያብሎስን ልኡኻቱን አብ ዓለም ክንስዕር ግደና የድሊ አሎ።

ሰብ ብኹሉ ይጠፍእ አሎ ዝምንጥሉን ዘጋግዩን ካብቶም ናተይ ዝብሎም ከይተረፈ ጭካኔ ብዝመልኦ ካብ አምላኽ ይፍለ አሎ ስለዚ አብዚ ብሩኽ ሰንበት ሓቢርና ምሕረት አምላኽ ክንልምን። ፍረ ትንሣኤ አብ መንጎና ብዚሑ ክርከብ ንጸሊ። ኦ አምላኽ ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደልና አይትኽደና እናበልና ንለምኖ።

ብሩኽ ትንሣኤን ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት አምላኽን ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.