2018-04-17 16:28:00

ሓዋርያዊ መገሻ ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ኣብ ሱዕዲ ዓረብ


እቲ ናይ እዋንና ዓቢይ ስግኣት ግርጭት ስልጣነ ዘይኰነስ ድንቁርናን ኣኽራርነትን ዘንቅሎ ምስሕሓብ እዩ፡ ስለዚህ ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብን ምፍልላጥን የድሊ ነዚ ዝበሉ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ንሓዋርያዊ መገሻ ዘካይዱ ዘለዉ ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ እስላማዊ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሸኽ ሙሓማድ ኣብዱል ካሪም ኣል ዒሳ ዝተራኸቡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ምዃኖም ሎ ሶርቫቶረ ሮማን እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየደ ናይ ቫቲካን ልኡካን ዝመርሑ ብዋና ጸሓፊኦም ኮምቦናዊ ካህን የኔታ ሚገል ኣንገል አዩሶ ጉይክሶትን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ጉዳይ ርክብ ምስ ሃይማኖ ምስልምና ሓላፊ የኔታ ካለድ ኣካሸሕን ተሰንዮም ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 13 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሪያድ ንሓርያዊ መገሻ ዝርከቡ ብናይታ ከተማ ምኽትል ኣመሓዳርን ዓለም ሓቆፍ እስላማዊ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ልዑል ሞሓመድ ቢን አብዱራሕማን ቢን ኣብዱልዓዚዝ ኣቀባብላ ዝተገበረሎም ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ታዉራን ሪያድ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ኣብታ ሃገር ብዝተፈላለያ ስራሕ ተዋፊሮም ምስ ዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያን ተራኺቦም ናይ ቅዱስ ኣቦና ምጽንናዕ እምነት ኣቕሪቦም ኣብ እምነት ከምዘበራትዑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ገሊጹ።

መንፈሳውነት እንገዳ ሕውነት የነቓቕሕ ምቅዋም ቅድመ ፍርዲ የተኣታትው

ብፁዕ ካርዲናል ታዉራን ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ እስላማዊ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ዕለት 21 መስከረም 2017 ዓ.ም. ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሸኽ ሙሓማድ ኣብዱል ካሪም ኣል ዒሳ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦናን ከምኡ እውን ምስ ዝተፈላለያ ሃማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ቤት ምኽርን ዘካየድዎ ርክብ ዘኪሮም፡ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ሮማን ካልኦት ሃገራትን ዘሎ ናይ ኣምልኾን ስግደት ቅዱሳት ቦታታት እናሓሰቡ ቅዱሳት ስፍራ ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጡር ክፉት እዩ፡ ንኣማንን ኢኣማንን ንካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ ርህው ማዕጾ ዘለወን ቅዱሳት ኣባይቲ ኩሉ እያተን።  ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ኣባይቲ እስላም እውን ንበጻሕቲ ክፉታት ምዃነን ዘኪሮም፡ እዚ ርክብ’ዚ ሕውነት የነቓቕሕ ሕድ ሕዳዊ ቅድመ ፍርድ የጥፍእ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣስዒቡ፥ ሃይማኖት ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ውሳጤ ዘሎ ክቡር ሃብቲ እዩ። ምእንቲ’ዚ ብዙሓት እምነቶም ሕይወትን ክዕቅቡን ክከናኸኑን፡ ዝተፈላለያ ሃማኖታት ሰዓብቲ ዝፍጽምዎ ኑዛዜ እምነት ክሳብ ሰማዕትነት ዘብጽሖም ምዃኑ ከምዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን፥ ዛዕባ ኣኽራርነት

ኣብ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መኽረርትን ጸንፈይናታትን ከምዘለዉን ብዙሓት ቀናእተይና እምነት ምዃኖም እወታዊ ክነሱ ብቐሊሉ ብጸንፈይናነትን ኣኽራርነትን እናተሳሕቡ ነቲ ካብ ጥበብን ጽኑዕ ምስትውዓል ሃይማኖት ዝነቅል መንፈስ ቀናእተይናነት መጋበሪያ ኣኽራርነት ናብ ምዃን ከድህብ ምርኣይ የሕዝን። እምነቶም ክቕይሩ ብዝወርዶም ጸቕጢ ምኽንያት ነቲ ቀናእተይና እምነቶም ምዃን ናብ ኣኽራርነት ብምቕያር ዝፍጸም ዘይምቅብባልን ዘይምክብባርን ተግባር ክውገድ ኣተሓሳሲቦም፡ እትስዕቦ እምነት ኪሒድካ ሃይማኖትካ ክትቕይር ትሕተት እተዘይሰዳዕካ ትቕተል፡ ብዙሓት እዚ ሓደጋ’ዚ የጋጥሞም ኣሎ፡ ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጸም መቕተልቲ ኣሸባርነትን ንገዛእ ርእሱ ጸረ እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን እዩ ቢሎም፡ እቶም ብስም ሃይማኖት ጸረ እግዚኣብሔር ተግባራት ዝፍጽሙ እግዚኣብሔር ልቦም ክትንክፎ ስሌኦም ንጸልይ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣመልኪቱ።

ናይ ሓባር ንጹር መምርሒ ንሕንጸት ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራ

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ኣብቲ ርክብ፡ ሃይማኖት  በነጻነት ዝቐርብ እምበር ጸቕጢ ኣይኰነን፡ ስለዚህ ብነጻ ድላይካ ብእሽታ ክትቕበሎን ወይ ክትነጽጐን ውልቃዊ ምርጫ እዩ፡ ኣብዚ ሓሳብ’ዚ ክርስትያንን እስላምን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክሰማምዑ ይግባእ። እዚ ኸኣ ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራ ንምሕናጽ ናይ ሓባር መምርሒ ክኸውን ኣለዉ፡ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብማዕረ ክረአያን ኣብ ዝኣትዋሉ ሃገር ዜጋዊ መሰል ክህልወን ኣለዎ። ፍርሒ ኣብ ጽልእ ሃይማኖት ምስልምና ድዩ ጽልእ ኣብ ልዕሊ ክርስትና ክህሉ ዝገብር ኣሰራርሓ ክውገድ ኣለዎ፡ ስለዚህ ናይ ዝተፈላለያ ሃማኖታት መራሕቲ፡ ሃይማኖት ነገልግሎት ፖለቲካዊ ርእየት ከይውዕል ክከላኸሉ ከምዘለዎምን፡ ኣሸባርነት ዓቢይ ስግኣት እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ይምጻእ ኵለን ሃይማኖታትን መራሕቲ ሃይማኖታትን ክኹነን እምበር ምኽንያታዊ ንምግባር ምፍታን ጌጋ እዩ፡ ኣሸባርነት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ይሕወኽ፡ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝከኣል ጥራሕ ዘይኰነስ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንገዛእ ርእሱ መለለዪ ኵለን ሃይማኖታት ምዃኑ ምምስካር የድሊ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣመልኪቱ።

እቲ ዝፈጠረና እግዚኣብሔር ናይ ሓድነት እምበር ናይ ምግምማዕን ተጻባእነትን ምኽንያት ኣይንግበሮ

ህብረ ሃይማኖት ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃይማኖት ከተዑምቕን ከተስተንትን ክትርዳእን ምኽንያት እዩ ዝኸውን፡ ስለምንታይ እውነተይና ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ካብ ኑዛዜ እምነት እዩ ዝነቕል። ኵለን ሃይማኖታት ሓደ ዓይነት እያተን ምባል ጌጋ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ኩሎም ኣመንቲ እቶም እግዚኣብሔር ዝደልዩ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረ ብሰብኣዊ ክብርን መሰልን ማዕረ እዩ። ስለዚህ ዝዀነ ይዅን ሰብ ዝመረጾ ሃይማኖት ክስዕብ ናጻ እዩ፡ እቲ ዝፈጠረና እግዚኣብሔር ናይ ሓድነት እምበር ናይ ምግምማዕን ጽልእን ምኽንያት ክኸውን የብሉን ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ናይ ዕለት 17 ሚይዝያ 2018 ዓ.ም. ሕትመቱ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.