2018-04-18 18:23:00

ጥምቀትሲ ማይ ቅዳሕ ማይ ምለስ ዚዓይነቱ ልቃሕ ዘይኮነስ ብኣካል ክንምልሰሉ ዘሎና ጉዳይ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ኢየሱስ ከኣ ንኒቆዲሞስ ከምዚ ክብል መለሸሉ! ‘ብሓቂ ብሓቂ እየ ዝብለካ ዘሎኹ! ሰብ ብማይን ብመንፈስን እንተዘይተወሊዱ ናብ መንግሥቲ እግዚብሔር ኪኣቱ ኣይክእልን እዩ፣ እቲ ኻብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ’ በሎ፣ (ዮሓ 3.5-6)

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብዚ ዘመነ ፋሲካ ዝጀመርናዮ ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት ንቅድል ኣሎና፣ ትርጉም ምሥጢረ ጥምቀት ኣብ ግዜ ምዕዳሉ ጐሊሑ ስለዝግለጽ ኣተኩሮና ናብኡ ንግበር፣ ነቲ ኣብ ምዕዳል ምሥቲረ ጥምቀት ዝግበር ነገራትን ዝድገም ቃላትን እንተተመልኪትና ካብዚ ምሥጢር እዚ ዝርከብ ጸጋን እዚ ምሥጢር እዚ ዘሰክመና ወትሩ ክንፈልጦ ዘሎና ሓላፍነትን ክንርዳእ ንኽእል፣ ነዚ ኣብቲ ክግበር ዝግብኦ ሰንበት ሰንበት ቅድሚ ቅዳሴ ብማይ ጥምቀት ምንጻግን ከምኡ እውን ኣብ ድሮ ፋሲካ ቅድሚ ቅዳሴ መብጽዓ ጥምቀትና ንክንሕደት ኣብ ዝግበር ሥርዓት ዝንጸግ ማይ ጸሎት ከነስተብህሎ ይከኣል፣ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ሥርዓተ ምሥጢረ ጥምቀት ኩላ እታ ማሕበረ ክርስትያን ኣብታ ቤተክርስትያን ምስ ክርስቶስ ሓቢራ ክትጐዓዞ ዘለዋ መንፈሳዊ ምንቅስቃስ የመልክት፣ በዚኸስ ኣብቲ ምንጪ ሕይወት ክርስትያናና ዝኾነ ጉዳይ ምልስ ክንብል ከሎና ኣብ ዕለተ ጥምቀትና ንዝተቀበልናዮ ዓቢ ጸጋ ንምርዳእን ሎሚ እንርከቦ ኩነታት ርኢና ነቲ ሽዑ ዝኣቶናዮ ቃል ንምሕዳስን ይሕግዘና፣ መብጸዓና ምሕዳስ ነዚ ጸጋዚ ብዝበለጸ ንምርዳእን ከኣ ዕለት ጥምቀትና ክንዝክር ኣሎና፣ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዕዮ ገዛ ሂበኩም ነረ ዕለተ ጥምቀትኩም ክትሓቱን ክትምዝግብዎን፣ ገሊኹም ከምትፈልጥዎ እፈልጥ እየ ገሊኹም ግን ኣይመስለንን፣ ስለዚ እንደገና ንወለዲ ንእኖልገታት ወይ ከኣ ኣቦልገታት ‘መዓስ እየ ተጠሚቀ ኢልና ንሕተት! ካልአይ ዕለተ ልደት እዩ፣ ሃየ እምበር ነዚ ኣይትዘንግዑ፣ ዕለተ ጥምቀተይ መኣስ ነሩ ኢልኩም ነንዝምልከቶም ሕተቱ፣

ኣብ ሥርዓት ምሥጢረ ጥምቀት ምስ እንምለስ እቲ ዘጠምቅ ክቅበሎም እንከሎ ሽም ናይቲ ተጠማቂ ይሓትት ከመይ ሽም መንነት ናይቲ ኣካል ስለዝገልጽ፣ እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወታዊ ምስ ሰባት ክንላለ እንከሎና ‘ኣነ እከለ\ሊት እበሃል’ ከም እንብሎ እዩ፣ ካብ ማንም ኰንካ ሽም ዘይብልካ ናይ ምዃን ኩነት ንወጽእ ማለት እዩ፣ ስም እንተዘይብልካ ኣይትፍለጥን መሰል የብልካ ግቡእ የብልካ፣ እግዚአብሔር ንነፍስወከፍና ስለዘፍቅረና በብሽምና ይጽውዓን ነዚ ኣብ ጭቡጥ ግዜ ታርኽ ሕይወትና ይገብሮ፣ ምሥጢረ ጥምቀት ከስ ነዚ ግላዊ ጸዋዕታ በሪ ከፊቱ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ዝምዕብል ከም ክርስትያን ንክንበር የኽእለና፣ እዚ ከኣ ግላዊ መልሲ ናይቲ ኣካል ይሓትት ከምዚ ናይ ዘመንና ቀዲሕካ ዝምለስ ኣይኮነን፣ ከም ሓቁ እንተኾይኑ ሕይወት ክርስትና ተዋስኦ ናይ ጸዋዕታን መልሲ ምሃብን ኮይኑ እግዚአብሔር በብሽምና ክጽወዓና ይነብር ነዚ ከኣ ብዝተፈላለዩ ኣገባብ ይገብሮ ቀንዲ ጻውዒቱ ከኣ ንወዱ ኢየሱስ ንክንመስል እዩ፣ ስለዚ ስም ብዘይመጠን ኣድላዪ እዩ፣ ወለዲ ሕጻን ገና ኣብ ከብዲ ወላዲቱ እንከሎ እዮም ሽም ክመርጹ ዝጅምሩ እዚ ስም ምሃብ እዚ ኣብታ ዝውለደላ ቤተሰብ መበቆላዊ መለለዩኡ ኮይኑ ምስታ ምስ እግዚብሔር እተተሓሕዞ ሕይወት ክርስትና እውን ከምኡ፣

ከምቲ ዮሓንስ ወንጌላዊ ዝብሎ ክርስትያን ምዃን ካብ ላዕሊ ዝወሃብ እዩ (3.3-8) እምነት ክንዕድጎ ኣይንኽእልን እንታይደኣ ለሚንካ ከም ውህበት ጸጋ ትቅበሎ፣ ‘ኦ ጐይታ ናይ እምነት ጸጋ ዓድለኒ’ ጽብቅቲ ጸሎት እያ፣ ኦ ጐይታ እምነት ከምዝህልወኒ ግበር እውን ከምኡ፣ ንሓደ ጸጋ ትልምኖ እምበር ኣይትዕድጎን፣ ስለዝኾነ ከኣ መምርሒ ሥርዓት ምሥጢረ ጥምቀት ናይ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቊ.3 ከምዘመልክቶ ‘ምሥጢረ ጥምቀት ናይዛ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናያ እምነት ምሥጢር ኮይኑ ደቂ ሰባት ከኣ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ንወንጌል ክርስቶስ ብኣኣ ይምልሱ’ ይብል፣ በቲ ንንኡሰ ክርስትያንን ንወለዲ ሕጻናትን ናብ ጥምቀት ንምስንዳው ብዝወሃብ ኣስተምህሮን ኣብ ዕለቱ ብዝንበብ ቃል እግዚብሔር ንወንጌል ዝወሃብ ናይ እምነት መልሲ ይወሃብ ይበራበር እውን፣ እቶም ምሥጢረ ጥምቀት ዝቅበሉ ዓቅመ ኣዳም ዝበጽሑ እንተዀኖም ነዚ ዓቢ ምሥጢር እዚ ካብ ቤተክርስትያን ንኽቅበሉ ከምዝደልዩ ባዕሎም ይሓቱ፣ እንተ ሕፃናት ኮይኖም ግን ወለዶም ወይ እኖልገን ኣቦልገን ክንዳኦም ኰይኖም ይሓቱ፣ እቲ ኣብ መንጎ ጥምቀት ዝሓትትን ንቤተክርስትያን ወኪሉ ዝምልስን ዝግበር ዘተ ንሃረርታኦምን ድላዮምን ንኽገልጹ ቤተክርስትያን ምሥጢረ ጥምቀት ንክትዕደል ዘሎ ዓላማ ንምብራህ የፍቅድ፣ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ መምርሒ ኣብ ቊ.16 ‘መግለጺ ናይዚ ኩሉ ከኣ እቲ ሠራዒ ምሥጢርስ ይኹን ወለዲ ናይቲ ክጥመቅ ዘለዎ ኣብ ግንባሮም ዝገብርዎ ምልክት መስቀል እዩ፣’ ይብል፣ ነዚ ከኣ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ.1235 ‘ኣብ ፈለማ’ቲ ሥርዓት ዚፍጸም ትእምርተ-መስቀል፤ ናይ ክርስቶስ ንብረት ኪኸውን ንዘለዎ (ተጠማቒ) ምልክቱ የኀትመሉ፥ ከምኡ’ውን ክርስቶስ ብመስቀሉ ንዘልበሰና ጸጋ-ድኅነት ዜመልክት እዩ።’ እንክብል የብርሆ፣ ኣብቲ ሥርዓት ኣብ ግንባር ሕጻናት እውን ትእምርተ መስቀል ንግበር፣ ኣብዚ ቅድሚ ሕጂ እውን ተዛሪበኩም ኣብ ዝነበርክዎ ጉዳይ ክምለስ ምደለኹ፣ ሕጻናትና ትምእርተ መስቀል ከመይ ከምዝግበር ይፈልጡዶ! ብዙሕ ግዜ ኣይፈልጡን እዮም፣ ስለዚ ንስኹም ኣቦታት ኣደታት እኖሓጎታት ኣቦሓጎታት እኖልገታት ኣቦልገታት ንሕጻናት ትእምርተ መስቀል ከመይ ከምዝግበር ክትምህርዎም ኣሎኩም ከመይ ነቲ ኣብ ዕለተ ጥምቀት ዝተገብረ ትምእምርተ መስቀል እዩ ዝደግም፣ ተረዲእኩምዶ! ኣብ ንእስነቶም እንተተማሂሮሞ ምስ ዓበዩ ጽቡቅ ገሮም ክገብርዎ እዮም፣

መስቀል መንነትና ዝገልጽ ፍሉይ ምልክት ኮይኑ ኣዘራርባና ኣተሓዛስበና ኣመለኽታና በቲ ኢየሱስ ክሳብ መወዳእታ ፍቅሩ ብኣኡ ዝገለጸልና ብትእምርተ መስቀል ክስነ ኣለዎ፣ ናብቲ ዝጸናሕናዮ ክንምለስ እቶም ንጥምቀት ዝቀርቡ ብትእምርተ መስቀል ነማዕትቦም፣ እቶም ዝጥመቁ ዓቅመ ኣዳም ዝበጽሑ እንተዀይኖም `ነዙይ ኣብ እዝንኻ እንገብሮ ትእምርተ መስቀል ድምጺ ጐይታ ንክትሰምዕ ተቀበል፣ ንብርሃን እግዚብሔር ንክትርኢ ኣብ ዓይንኻ ትቀበል፣ ንቃል ኣምላኽ መልሲ ሂብካ ክትክእል ኣብ ኣፍካ ተቀበል፣ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነት ወትሩ ኣብ ልብኻ ከምዝነብር ክትገብሮ ኣብ ኣፍልብኻ ነዚ ትእምርተ መስቀል ተቀበል፣ ነቲ ቀሊል ዝኾነ ኣርዑት ኢየሱስ ጸርካ ክትክእል ኣብ እንግድዓኻ አዚ ትእምረ መስቀል ተቀበል’ እናበሉ ብትእምርተ መስቀል ይዓትብዎ፣ (ሥርዓት ፈለምቲ ምስጢራት ንዓቅመ ኣዳም ዝበጽሑ ቊ.85 ተመልከት)፣ ከምቲ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ 14.1 ዘመልክቶ ትእምርተ መስቀል ኣብ ግንባርና ከም መፍለጢ ምልክት ምስ ተወቀጠ ጥርሕ ኢና ክርስትያን ክንከውን እንኽእል፣ ነዚ ከኣ ብደገ ከምዝርኤ ገርካ ክሳብ ምግባር እውን ደፊእካ ከም ክርስትያን ንሕይወት ክትቅበል ማለት እዩ፣ ክንትንሥእ እንከሎናስ ይኹን ቅድሚ መግቢ ኣብ ቅድሚ ሓደ ሓደጋስ ይኹን ካብ ክፉእ ነገር ንገዛእ ርእስና ንምክልኻል ምሸት ቅድሚ ምድቃስና ብትእምርተ መስቀል ንገዛእ ርእስና ክንዓትብ እንከሎና ንገዛእ ርእስናስ ይኹን ንካልኦት ናይ መን ምዃናን መን ምዃናን ንገልጽ፣ ስለዚኸስ ሕጻናት ንትእምርተ መስቀል ብግቡእ ንክገብርዎ ምምሃር ብዘይመጠን ኣድላዪ እዩ፣ ከምቲ ኣብ ቤተክርስትያን ክንኣቱ ከሎና ነማዕትቦ ኣብ ገዛ ክንኣቱ ከሎና እውን ንእሽቶ ናይ ማይ ጸሎት መትሓዚ ኣብ ኣፍገዛና ብምግባር ክነማዕትብ ንኽእል፣ ከምዚ ብምግባር ንገዛና ክንኣቱስ ይኹን ካብ ገዛና እንክንወጽእ ዝተጠመቅና ምዃና እናዘከርና ትእምርተ መስቀል ክንገብር ንእኽል፣ ገሊኤን ስድራቤታት ይገብሮኦ እየን፣  ሃየ እምበር ነታ ብዛዕባ ሕጻናት ዝበልኩኹም ኣይትረስዕዋ ትእምርተ መስቀል ከመይ ከምዝግበር ብሥርዓት መሃርዎም፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.