2018-04-18 16:50:00

ብሔራዊ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፑሊያ ኣብ ኣሰር ኣባ ቶኒኖ በሎ


ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ዝርከብ ሰበኻ ኣለሳኖን ሞልፈታን ዕለት 20 ሚያዝያ2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ንምእንጋድ ኣብ ዓቢይ መፈሳዊ ምቅርራባት ከምዝርከብን ቅዱስነቶም ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ልደት ኣብ ሰማያዊ ቤት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ብፁዕ ኣቡነ ቶኒኖ በሎ (ዕለት 18 መጋቢት 1935 ዓ.ም. ኣብ አለሳኖ ከተማ ዝተወልዱን ዕለት 20 ሚያዝያ 1993 ዓ.ም. ኣብ ሞልፈታ ዝዓረፉ ናይ ሰበኻ ሞልፈታ ጳጳስ ብፁዕ ኣንቶኒዮ በሎ) ኣብዘን ክልተ ሰበኻታት ሓዋያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ በሎ ብፅዕና ንኽእወጀሎም መሰረተ ሓሳብ ንምቕራብ ዘድሊ ከይዲ መጽናዕቲ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ፍቓድ ከምዝሃበሉ እንክዝከር። ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ እቲ ከባቢ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ክዕደል ብሓቂ ጸጋን ምኽንያት ሓሴትን ምዃኑ ናይቲ ከባቢ ሕዝብን ሰበኻታትን ዘረጋግጾ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ኣብተን ሰበኻታን ብፍላይ ኣብ ቤኡገንቶ ኣብ እትርከብ ቅድስተ ማርያም ደ ለውካን ከምኡ እውን ኣብቲ ዓጽም ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ቶኒኖ ዝዓረፈሉ መቓብር ስፍራ ዘካይድዎ መንፈሳዊ ምብጻሕ ኣባ ቶኒኖ ናይታ ንሕዝብን ንድኻታት ቀረባ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ምስክርነቶም ዘረጋግጽ ምዃኑ ናይ ኡጀንቶ ሰበኻ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዋና ሓለቓ ኣባ በኒያሚኖ ኑዞ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም። ቅዱስ ኣቦና ዕለት 20 ሚያዝያ ኣብታ ኣባ ቶኒኖ ዝተወለዱላ ሰበኻ ኣለሳኖ ክበጽሑን ኣብ መቓብር ስፍራ ኣባ ቶኒኖ ግላዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ጸሎት ከዕርጉን ምስ ምእመናን ናይታ ስበኻ ክራኸቡን እውን ምዃኖም የመልክቱ።

ኣባ ቶኒኖ ንውዕዉዕ መንፈስ ዝሓንጹ

ኣባ ቶኒኖ ናይ ሰበኻ ኡጀንቶ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ምኽትል ሓለቓድ ድሓር ምሉእ ሓለቓ ኰይኖም ክሳብ 1976 ዓ.ም. ዘገልገሉን። ብዝነበሮም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ሕንጸታዊ ኣገልግሎትን ንኡድን። ከየዕረፉ ምስ ስነ ባህሊ ዝነጻጸሩን ንብዙሓት ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ንናይታ ሰበኻ ካህናትን ብቓልን ሕይወትን ኣብነት ከምዝነበሩ ኣባ በኒያሚኖ ኑዞ ሓቢሮም፡ እቲ ቀዳማይ ሕንጸት ካብ ሕይወት ዝነቅል ምዃኑ ዘተሓሳስቡ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብኣብነታውነት ከይዲ ኣነባብራ የረጋጽዎ ነይሮም። ምስ ኢየሱስ ብዝነበሮም ጥልቂ ርክብ ንድኻታትን ነቶም ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ቀረባ ንምዃን ዝበቕዑን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጡር ህላዌ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለለዩን ዘገልገሉን እዮም ይብሉ።

ናይ ሕይወት ተዋሳእቲ ምዃንን ኣልቦ ብድሆ ዝዀነ እምነት ምውጋድን

ኣባ ቶኒኖ፥ ሰብ ክርስቲያን ካህን ደሓር ከኣ ጳጳስ ዝነበረን እዩ እቲ ፍልይ ዘብሎ ግና ንክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ሰብኣዊ ፍጡርን ብፍላይ ንድኻታትን ሕሩጋትን ከም ውዳቕ ንዝሕሰቡን ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ንዝተናዕቁን ንዝተነጸሉን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምጥባቕ ዝነብርዎን ዝነበሮምን ፍቕሪ እዩ።

ኣልቦ ብድሆ ካብ ዝዀነ እምነት ምርሓቕን እቲ ጥንታዊ ሎሚ እውን ዘሎ ጉራምራ ዝዀነ ናይ ዓለም ኣመክንዮ ዘቕርቦ ፈተና ብፍላይ ከኣ ካህናት ካብዚ ፈተና ክጥንቀቑ ብቓልን ብሕይወት ዝሃንጽ ዝነበረን ምዃኑ ዝገለጹ ኣባ በኒያሚኖ ኣስዒቦም፥ ልክዕ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ካህናትን ብፁዓን ጳጳሳትን ካብ ስስዔን ብኩንነትን ክርሕቑ ዝህብዎ ምዕዳን ብዓንተውኡ ምንባሮም ዘዘኻኽር ሕይወት ዝነብሩ ምዃኖም አስተውዕል።

ኣኰርዲዮን ዝጻወቱን ብዛዕባ ናይ ተፈጥሮን ፍጥረን ውህበትን ውበት ዘዘንትዉን

ኣባ ቶኒኖ በሎ ኣብ 1971 ዓ.ም. ኣብ ትምህርተ ዘርኣ ክህነት ቅቡል ተባሂልካ ብምሉእ ተመሃራይ ምእታውካ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ መቕድም ጊዜ ይዝከረኒ ይብሉ ሎሚ ኣባ በኒያሚኒ ኑዞ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ በቲ ዝነበሮም ሓሴት ዝተመልኦ ሕይወቶም ይድነቕ ነይረ፡ ንጎሆ ተንሲኦም ክጽልዩን ኣብ እዋን ጸሎት ዝነበሮም ሰብኣዊ ኩነታውነት ብሓቂ ዝምስጥ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ተፈጥሮን ፍጥረን ክዛረቡ እንከለዉ ይምሰጡን ውህበትን ጽባቔን የቃልሑን ምሸት ጸሎት መቝጸሪያ ክደግሙ እንከለዉን ከስተንትኑን፡ ኣኮርዲዮን ኣብ ዝጻወትሉ እዋን ትግረም፡ ተፈጥሮ ናብ ፈጣሪ ዘብጽሕ እዩ ዝብሉን ተፈጥሮ ብምስትውዓል ክንዕዘብ ይምዕዱና እውን ነይሮም፡ ሎሚ ኣብቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ሓለቓ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ኰይኖም ኣብ ዝገልገልሉ ሓላፍነት ተመዲበ ከገልግል ብዓብይ ናይ ሓላፍነት መንፈስ ሓጐስ ይስምዓኒ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘረአ ክህነት መንፈስን ሊቕነትን ኣባ ቶኒኖ ጽን ትብል እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.