2018-04-19 16:32:00

ልክዕ ከም ሎሚ ዕለት 19 ሚያዝያ ዝኽሪ ሕርየት ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16


ድሕሪ ምውላድ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝክረ ነገር ተአኪቦም ልክዕ ዕለት 19 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ማለት ኣብ ራብዓይ ድምጺ ንብዙሕ ዓመታት ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ቀረባ ተሓባባርን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህይነተ ኰይኖም ዘገልገሉ ኣብ ዓለም ካብቶም ዓበይቲ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ተባሂሉ ዝንገረሎም ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ራትዚንገር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቢሎም ዝሓረዩላ ዕለትን ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መጸውዕ ስሞም በነዲክቶስ መበል 16 ዝብል ክኸውን ወሲኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ዝቝጸሩ ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብተስፋ ንዝጽበዩ ንዝነበሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ምእመናን ሰገነት ብባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ  ኰይኖም፥ ብፁዓን ካርዲናላት ንኣይ ንተራን ንዝተሓትኩን ኣብ ናይ ጐይታ ግራት ወይኒ ኣገልጋሊ መረጹ፡ ጐይታ ነቲ ዘይብቑዕ መጋበርያ ምጥቃም ዝኽእል እዩ፡ ሓደራ ጸሎትኵም የድልየኒ እዩ እሞ ስለይ ጸልዩ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ዝሃቡላን ዕለት ከምዝነበረት ይዝክር።

ነቶም ንቤተ ክርስቲያን ን 26 ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን 17 መዓልታት ዝመርሑ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ስዒቦም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተሓርዩ መበል 265 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራሕ ዘይኰኑስ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሻብዓይ ጀርመናዊ ር.ሊ.ጳጳስን ድሕሪ ነዊሕ ኣስታት 600 ዓመታት ኣብ እዋናዊ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ንመጀመሪያ ጊዜ ብፍቓዶም ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያትን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎተይ ብብቕዓት ከሳልጥ ስለ ዘይኽእል ድሕሪ ብዙሕ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዕለት 11 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝጸውዕዎ ጉባኤ ካርዲናላ ብፍቓደይ እለቕቕ እንክብሉ ዘፍለጡን ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ካብ ሃገረ ቫቲካን ናብቲ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ዘሎ ጳጳሳዊ ሕንጻ ከምእተዛወሩን ድሕሪ ሕርየት መበል 266 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ እመ ቤተ ክርስቲያን ገዳም ከምዝነብሩ ይፍለጥ።

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ልሂቅ ምዃኖም ዕለት 27 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ኣብ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 እተኵይሮም በነዲክቶስ መበል 15 ብዛዕባ ሰላም ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣሞርኵይዞም ቀዳማይ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱ ይዝከር።








All the contents on this site are copyrighted ©.