2018-04-19 16:28:00

ቅዱስ ኣቦና ንዓለም ሓቆፍ ባንኪ፥ ከይዲ ምዕባለ ሰብኣዊ ክብሪ ዘኽብር ይኹን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ዕለት 21 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ከተማ ዋሽንግተን ናይ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጉወራ ሓቢሮም። ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለት 18 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ፍጻሜ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነዚ ናይ ዋሽንግተን ዋዕላ ጠቒሶም፡ ናይ ድኻታት መነባብሮ ዘመሓይሽ ማንም ዘይንጽል ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ክብሪ ዝቖመ እውነተይናን ኵለንተናውን ምዕባለ ክረጋገጽ ጻውዒት እውን ከምዘቕረቡ ዝዝከር ኰይኑ፡  ዓለም ሓቆፍ ባንክን ከምኡ እውን እቲ ናይ መላእ ማእከላዊ ኣባይቲ ባንኪ ዋና ኣመሓደርትን ናይ ኤክኖምን ቁጠባን ምዕባለን ጉዳይ ሚንስትራትን ናይ ግሊ ኤኮኖሚያዊ ንጥፈታትን ዝሓቁፍ ዓለም ሓቆፍ ገንዘባዊ ማሕበርን ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ስነ ባንክን ስነ ምዕባለን ሊቃውንትን ኣሳቲፉ፥ ዛዕባ ናይ ዓለም ኤኮኖሚ ትጽቢትን ድኽነት ምውጋድን ኤኮኖሚያዊ ምዕባለን ድማዕን ትኵርን ሓገዝ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ዝዝትይ እውን ምዃኑ የመልክቱ።

ኣብዚ ዓለምሓቆፍ ዋዕላ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራሕቲ መንግስትን ርእሰ ብሔራንን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቦ መንበር ጁንከርን ካልኦት ሕብረት ኤውሮጳ ብውሽጡ ናይ ዝሓቕፎም ሕብረታውያን ድርገታት ኣበ መናብርትን ናይ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን ኦቻይናን ልኡካንን ኣሳቲፉ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዓወደ ጉባኤ ሕድጋት ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕለበላ 20 ሓገራት ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ሚስትራትን ናይ ማእከላውያን ኣባይቲ ባንኪ ዋና ኣመሓደርቲ ተተሓሒዙ ንኡስ ዓውደ ዘተ ከምዝካየድ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጉወራ ኣስዒቦም፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብተወሳኺ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሃብቲ ገንዘብን ናይ ገበን ጉጅለታትን ኣሸበርትን ዝጥቀምሉ ገንዘብ ካብ ዘይሕጋውነቱ ናብ ሕጋዊ ኤኮኖሚ ንምውፋር ዝግበር ገበናዊ ኣሰራርሓን ዝኣመሰለን ዘይ ሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብ ንምቍጽጻርን ዝብሉ ነጥብታት እውን ኣማእኪሉ ከምዝመክር ኣፍሊጦም።

ኣብ ቦሎኛ መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ሊቅ ኣባል ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ፕሮፈሰር ስተፋኖ ዛማኚ ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ አምሕትት፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ኣብ 1944 ዓ.ም. ዝተመስረተ ምዃኑን ኣተኵሮኡ ንምዕራባውያን ሃገርት ኣውን ምንባሩ ዘኪሮም ነዚ ብምስትውዓል ውሽጣዊ ቅዋሜኡን ዝምርሓሉ ሕግታትን ኩሉ ከይተረፈ ክሕደስ ኣለዎ፡ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ኣገልግሎት ምህርታዊ ኤኮኖሚ እዩ ነሩ፡ ሎሚ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዘሎ ገንዘባዊ ኤኮኖሚ ካብ ናይ ዓለም ጉሉሕ ኤኮኖሚ ዕብየት ክነጻጸር እንከሎ ብሸውዓት ዕጽፊ ዝለዓለ እዩ፡ እዚ ኸኣ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ምህርታዊ ኤክኖሚ ዘይውዕል ምዃኑ በቐሊሉ የረድእ፡ ስለዚህ ሃብቲ ገንዘብ ብትኽክል ብምቁጽጻር ንምዕባለ ኣብ ዘተኰረ ምህርታዊ ኤክኖሚ እንተድኣ ዘይተተሪቡ ዕንወትን ጥፍኣትን እዩ ዘምጽእ፡ ምሕደራዊ ሃብቲ ገንዘብ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ኣመሓዳድራኡ ግልጽነትን ንረብሓ ሕዝብን ሃገራትን ዝኣመተ ክኸውን ኣለዎ፡ እቲ ካልእ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ውሑዳት ቁጽጽር ክኣትው እንከሎ ነጻነትን ደሞክራስን ንሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዝቡሓት ሃገራት ዝረአይ ዘሎ ዓቢይ ጸገም እዩ ኢሎም።

ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሃብቲ ገንዘብ ድኽነትን ኢማዕርነትን ዝኣመሰሉ ጸገማት ንምውጋድ ዝሕግዝን ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረትን ንማሕበረሰብን ንማሕበራዊ ጉጅለታት ብማዕረ ዕድላት ናይ ምፍጣርን ተኽእሎ ክህልዎ ይግባእ፡ እዚ ዝኸውን ግና ስነ ምግባር ዝኽተል ክኸውን እንከሎ እዩ። ኣብ ስነ ምግባር ዝቖመ ኰይኑ ንኡስ ልቓሕን፡ ስነ ምግባራዊ ምውፋር ሃብቲ ገንዘብን ንዝብል ኣሰራርሓ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ ብሓጺሩ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.