2018-04-20 18:30:00

ኣብ ኣሰር ኣባ ቶኒኖ በሎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፑሊያ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 20 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣሰር ናይ ሞልፈታን ሩቮ ጆቪናዞን ተርሊዚ ጳጳስ ዝነበሩ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ቶኒኖ በሎ ብምስዓብ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ሓዋርያዊ መገሻ ንኽፍጽሙ እነሆ ልክዕ ሰዓት ሽውዓተ ንጐሆ ካብ ሃገረ ቫቲካን ከምዝነቐሉን፡ እዚ ሓዋርያዊ መገሻ መበል 25 ዓመት ኣብ ሰማያዊ ቤት ምውላድ ኣባ ቶኒኖ በሎ ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ዝተፈጸመ እውን ምዃኑ እቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ፍሉይ ከምዝገብሮ ይንገር።

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ፑሊያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ኣርባዕተ ምዕራፍ ዘጠቓልል ከምዝነበረን ብቐጥታ ንጐሆ ካብ ሃገረ ቫቲካን ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ተፋንዮም ሮማ ካብ ዝርከብ ቻምፒኖ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ብሄሊኮፕተር ነቒሎም ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ኣብ አለሳኖኖ በጺሖም ኣብታ ኣባ ቶኒኖ በሎ (ዕለት 18 መጋቢት 1935 ዓ.ም. ዝተወለዱላን ከምኡ እውን ዕለት 20 ሚያዝያ 1993 ዓ.ም.  ኣብ ሞልፈታ ዝዓረፉን ናይ ሰበኻ ሞልፈታን ሩቮ ጆቪናዞን ተርሊዚ ጳጳስ ብፁዕ ኣንቶኒዮ በሎ) ዝተወለዱላ ከተማ ኣለሳኖ ምብጻሕ ፈጺሞም ኣብቲ ቅዱስ ዓጽም ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ቶኒኖ በሎ ዝዓረፈሉ ስፍራ እውን ብምኻድ ናይ ግሊ መንፍሳዊ ንግደት ብምክያድ ናይ ሕልና ጸሎት ከምዘዕረጉን ኣብኡ ንዝተረኽቡ ስድራ ኣባ ቶኒኖ ሰላምታኦም ኣቕርቦም ነቲ ኣብ ደገ እቲ መቓብር ስፍራ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ንዝተኣከበ ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ቃል ለጊሶም ብቐጥታ ናብታ ሰዓት 11.30 መስዋዕተ ቅዳሴ ናብ ዘዕርጉላ ከተማ ሞልፈታ ከምዝኸዱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ኣባ ቶኒኖ ናይታ ናብ እትብል ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ናብ ወሰናስ ከተማታትናን ህልውና እትብል ቤተ ክርስቲያን ብቓልን ሕይወትን መስካሪ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ድኻንን ንድኻታትን ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 27 ሕዳር 2007 ዓ.ም. ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ከይዲ ብፅዕና ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ቶኒኖ በሎ ከምዘበገሰ ይዝከር።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣባ ቶኒኖ ዓጽም ዝዓረፈሉ መቓብር ፊት ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ንዝተረኽቡ ልዕሊ 20 ሽሕ ዝግመቱ ምእመናን፥ ኣሕዋትን ኣሓትን እንክብሉ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ኣባ ቶኒኖ ድኻታት ጽን ምባልን ምርዳእን እቲ እውነተይና ሃብቱ ገይሩ ዝነበረ እዩ፡ ኣይተጋገየን ስለምንታይ ድኻታት ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሃብቲ እያቶም፡ ኣባ ቶኒኖ ምስቲ ኣብቲ እዋን ናይ ገዛእ ርእሱ ጥቕምን ሓለፋን ንምንዳይን ምቹእ ሕይወት ንምንባር ቢሉ ምስቲ ናይቲ እዋን ተረይና ስልጣን ገዛእ ርእሱ ዘየቓየነን

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ወንጌል ነቲ ክመሳሰል ዘይብልን ዘይምስሉይን ብዓለም ዕንቅፋት ተገይሩ ንዝይሕሰብ ዓይነት ሕይወት እዩ ዝጽውዓና፥

ድኻታት ኣብ ልባ እተንብር ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ እግዚኣብሔር መትረብ ገዛእ ርእሳ እተሳንይን እትሙግድን እያ፡ ናይ ወንጌል ሞገዳት ፈጺማ ዘይትስሕትን ቃልን ሕይወትን ብዘጣመረ ስሙር ሕይወት፡ ናብቲ ክተርፍ ዘይግብኦ ኣዚዩ ንህላዌኣ ኣገዳሲ ናብ ዝዀነ ጐይታ እቲ እውነተይና እንኰ ሰናይ ምዃኑ ናይ ምንዛዝ ዘለዋ ሓላፍነት ዘይትዝንግዕ እያ

ምስ በሉ ነዚ ምዕዳንዚ ምስ ሕይወት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ቶኒኖ ኣተሓሒዞም፡ ኣባ ቶኒኖ ንድኻታት ቀረባ ምዃን ዝብል ጸዋዕታ ቤተ ክርስቲያን ከም ህልዮ ወይ ከም ጽንሰ ሓሳብ ኣየቖሞን፡ ብሕይወቱ ክሳብ ገዛእ ርእስኻ ምኽሓድ ንዝብል ኣብነት ኢየሱስ ብምስዓብ ንድኻታት ብጭቡጥ ቀረባ ብምዃን እዩ ዝነበሮ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥

ካብ ድኻታት ዝቐርበሉ ዝነበረ ጠለባት ዘየሰንበዶን፡ ዝርአይ ዝነበረ ዘይተገዳስነትን ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ኰይንካ ምንባርን ምሕላፍን፡ ልቡ የቑስሎ ነሩ፡ እዅሉ ገንዘብ ዘይምህላው ኵነት ኣይፍርሖንን ኣየሰንበዶንን፡ ኣብቲ እዋን ንዝቡሓት ዘጥቕዕ ዝነበረ ሎሚ እውን ዝረአይ ዘሎ ስእነት ስራሕ ወይ ናይ ስራሕ ውሕስነት ዘይምህላዉ ኣዚዩ የተሓሳስቦ ኔሩ፡ ፈጺሙ ዘይስሕቶ ቅድሚ ኩሉ ሰብኣዊ ክብሪ እዩ ዘገድሶ ዝነበረ ስለዚህ ስራሕ እውን እንተዀነ ስራሕ ሰብኣዊ ክብሪ እምበር እቲ ስስዔ ንዝወልዶ መኽሰብ ዝብል ኣመለኻኽታ ዘማእከለ ከይከኸውን እዩ ዘተሓሳስብ ዝነበረ፡

ኣባ ቶኒኒ ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ኣእዳዊ ኣጣሚሩ ኵነታት ብርሑቕ ዝዕዘብ ሰብ ኣይነበረን

ዓውሎማዊ ሰላም ንኽስምዖ ኣብታ ዝነብረላ ከባቢ እዩ ዝዓዪ ዝነበረ፡ እዚ ኸኣ ዓመጽን ዝዀነ ይዅን ዓይነት ውግእ ብዓንተውኡ ንምግሳጽ ንድኻታትን ንስኡናትን ምክንኻንን ፍትሒ ምንቕቓሕን መስረት እዩ ዝብል እማኔ ዝነበሮ እዩ። ውግእ ድኽነት ዝወልድ እንተድኣ ኰይኑ ድኽነት እውን ውግእ እዩ ዝወልድ። ሰላም ካብ ቤት እዩ ዝጅምር። ኣብ ቤትካ ሰላም ትሓንጽ ኣብ ጐደናታትን ኣብ ዕለታዊ ዕዮኻን ኣብታ ንሽተይ መነባብሮካ ትሕነጽ፡ ኣብኡ እዩ ሱታፌ ዝሕነጽ።

እዛ ዓዲ ኣባ ቶኒኖ ልክዕ ከምቲ ንሱ መስኰታዊት መሬት እንክብል ዝገልጻ፡ እወ እትራኽብ ዶብ እያ፡ ዶባዊት እያ፡ እዚ ደቡባዊ ክልል ኢጣሊያ ምስ ደቡብ ዓለም ዘዳቡው እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ኣባ ቶኒኖ መስኮታዊት ከተማ እንክብል ዝገልጻ ዝነበረ፡ ንብዙሓት ናይ ድቡብ ዓለም ሃገራት ማዕጽዋ ጋህ ቢሉ ዝተከፍተሉ ደብ እያ። ነቲ ድኻታት ኣዚዩ ናብ ዝኸፍኤ ሓሳር እቶም ሃብታማት ከኣ ኣዚዩ ዝህብትምሉ፡ ብዝሒ ድኻታት ክብ ይብሉ ብዝሒ ሃብታማት ከኣ እናነከየ ይኸድ፡ ስለምታይ ሃብቲ መምዘኒ ስለ ዝኸውን፡

እቲ ዝተኸፍተ መስኮት ምዃንኩም ኣብ ታሪኽ ዘዘምብይ ዘሎ ድኽነት ብርሑቕ ኰይና እትዕዘበሉ መስኰት ኣይትዅኑ፡ እንታይ ደኣ ናይ ተስፋ መስኰት ኵኑ፡ ነቲ ናይ ስልጣነ ቤተ ሙከራ ከባቢ መዲትራያን ተስፋ ኵኑ። ኣጽዋሩ ውግእ ዝቕሰተሉ ዘይኰነስ ኣጽዋር እንገዳን ምትሕልላይን ምቅርራብን ዝቕሰተሉ ይዅን

ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋተይን ኣሓተይን፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ጐይታ ኣብ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን እቲ ንናይ ኵሉ መጻኢ ናይ ተስፋ ነብያት ዝኾኑ ናይ ፋሲካ ብስራት ዝስግዉ መሰኻር የነቓቕሕ፡ ካብዛ መሬትኩም እዚኣ ከኣ ነዚ ዝምስክር ሰብ እግዚኣብሔር ኣተንሲኡልና እዩ፡ እቲ ኣግዚኣብሔር ብኣኡ ዘመሓላለፎ ህያብ ብነቢያዊ ህይወት ተደጊፉ ተቐባልነት ክረክብን ክእንገድን ሓደራ። ብዝኽርታት ዝረውዩ ኣይንኹን፡ ብናይ ዝሓለፈ ናፋቒ ምዃን ኣብ ሎማውን ወይ ከኣ ብናይ ሕጃዊ ስራሕ ኣልቦ ሕሜታን ወይ ከኣ መጻኢ ብምፍራሕ ብዝንበር ሕይወት ገዛእ ርእስና ኣይነታልል፡ ኣብነት ኣባ ቶኒኖ ንስዓብን ንኣኡ ንምሰል። በቲ ናቱ ግልጽነትን ውዕዉዕን ምዑዝን ክርስቲያናዊ ሕይወት ክንትከፍ ድልዋት ንኹን ንፍቀድን። ብዘይ ዋጋን ዕዳጋን ወንጌል ንበሩ ዝብል ዕድመኡ ጽን ንበል፡ ንቀበል፡ እዚ ዕድመ እዚ ንነፍሲ ወከፍናን ከም ቤተ ክርስቲያን ሎሚ የቕርበልና ኣሎ። ብሓቂ ኻእ እቲ ምኡዝ ናይ ወንጌል ሓሴት ንከነስፍሕ ክድግፈና እዩ ምስ በሉ፡

ብሓባር ሰላም ለኪ ጸሎት ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጃዳ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ እዚ ርክብ’ዚ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግ ናብ ሞልፈታ ብምኻድ ልክዕ ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 11.30 በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ዘሳተፈ ምስ ናይቲ ከባቢ ብፁዓን ጳጳሳት ተዓጂቦም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ዝሰማዕናዮ ንባባት ሕመረት ሕይወት ክርስትና ዝኾና ክልተ ነገራት የቅርበልና፣ ኅብስትን ቃል ኣምላኽን!

ኅብስቲ፣ ንክትነብር እንጌራ መሠረታዊ እዩ ኢየሱስ ከኣ ኣብ ወንጌሉ ኣነ ኅብስት ሕይወት ማለት ናይ ሕይወት እንጌራ እየ ኣንክብል ንርእሱ የወፍየልና፣ በዚ ከኣ ብዘይካይ ሓንቲ ክትገብ ሩ ኣይትኽእሉን ጥራይ ዘይኮነ ክትህልው እውን ኣይትኽእሉን ይብለና፣ ‘ሥጋይ ብልዑ ደመይ እውን ስተዩ’ (ዮሓ 6,53) እንክብል ከኣ ሓያል ትእዛዝ ይህበና፣ እንታይ ማለቱ ኮን ይኸውን! እንተበልና ብሕይወት ክነብር እንተዀይኑ ምስ ኢየሱስ ግላዊ ርክብ ገቢርና ናይ ሕይወት ምትእስሳር ምስኡ ክንገብር የደሊ፣ ሥጋን ደምን! ቅዱስ ቊርባን ከኣ እዚ እዩ፣ ክንደይ ዝጽብቅ ሥርዓት እዩ ወይ ካልእ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ጥቡቅ ርክብ ምስ ጐይታ ገርካ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ምሳኡ ምውህሃድ እዩ፣ እዚ ዝለዓለ መግለጺ ፍቅሪ እግዚአብሔር ክትሓስቦን ክትርድኦን ብዘጸግም ዘደንቅ ተኣምር ምስ ጐይታ ንወሃሃድ፣ ሕይወት ክርስትናኸስ እናሳዕ ካብዚ እያ እትብገስ፣ ካብዚ መኣዲ እዚ ካብዚ ጐይታ ብፍቅሩ ዝምግበናን ዘጽግበናን ቦታ ይነቅል፣ ብዘይ እንጌራ ሕይወት ዝኾነ ኢየሱስ ኣብ ቤተክርስትያን ዝግበር ዝኾነ ይኹን ጻዕሪ ከንቱ እዩ፣ ከምቲ ኣባ ቶኒኖ በሎ ዝብሎ ዝነበረ ‘ናይ ፍቅሪ ተግባራት ናይ ምሕረት ስራሓት ብዘይ ናይቲ ተግባራት ፍቅሪ እኩል ኣይኮነን፣ እቲ ምንጪ ናይ ኩሉ ዝኾነ እቲ ኩሉ ካብኡ ዝነቅል ፍቅሪ እንተጐዲሉ ካብ ቅዱስ ቊርባን እንተዘይተነቂሉ ዝኾነ ናይ ጒስነትን ግብረ ተልእኮን ስራሓትና ዕንኪላሎ እዩ ዚኸውን’ እዩ ነገሩ፣

ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ‘ሥጋይ ዝበልዕ ምሳይ ይነብር’ (ኁ.57) ዚብል ሓረግ ይውስኽ! እዚ ማለት ቅዱስ ቊርባን ዚቅለብ ከም ኢየሱስ ይሓስብን ይነብርን ማለት እዩ፣ ንሱ ምእንታና ዝተቈርሰ እንጌራ እዩ ንኣኡ ዚቅለብ ከኣ ብግዲኡ ዝተቈርሰ እንጌራ ይኸውን በዚ ከኣ ክንዲ ብትዕቢት ዝልዕጠጥ ብግዲኡ ንገዛእ ርእሱን ንዓወቱን ምንባር ኣቋሪጹ ካልእ ነገር ንክውንን ወይውን ካልእ ሰብ ንክኸውን ዘይኮነስ ንኢየሱስን ከም ኢየሱስን ንምባር ብግዲኡ ንካልኦት ይውፈ፣ ነዚ እንጌራ እዚ ናይ ዝበልዕ ክርስትያን መፍለጢ ምልክት ወይ መንነትከስ ንካልኦት ምንባር እዩ፣ ስለካልኦት ምእንቲ ካልኦት ንካልኦት ተወፊኻ ም ንባር! ኣብ ኣፋፈት ነፍሲወከፍ ቤተክርስትያን ‘ድሕሪ ቅዳሴ ንገዛ ርእስኻ ምንባር ክልኩል እዩ ምእንቲ ካልኦት እዩ ዝንበር’ ዝብል መጠንቀቅታ ክልጠፍ ይከኣል፣ ኣብዛ ሰበኻ ኣባ ቶኒኖ በሎ ከምዚ ዓይነት መጠንቀቅታ ኣብ ኣፈፈት ኩሉ ኣብያተ ክርስትያን እንትዝልጠፍ ክንደይ ምጠዓመ ‘ድሕሪ ቅዳሴ ንገዛ ርእስኻ ምንባር ክልኩል እዩ ምእንቲ ካልኦት እዩ ዝንበር’ ዝብል መጠንቀቅታ፣ ኣባ ቶኒኖ በሎ ሕይወቶም ከምኡ እዩ ነሩ፣ ኣብ መንጎኹም ኣገልጋሊ ጳጳስ ተሰምዮም ጓሳ ሕዝቢ ብምዃን ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ተደፊኦም ብሕዝቦም ክብልዑ ዝተማህሩ እዮም፣ ጥሜት ኢየሱስ ዘለዋን ንዝኾነ ዓለማዊ ዝንባሌ እተወግድን ቤተክርስትያን  ‘ናይ ኢየሱስ ሥጋ ኣብቲ ክትነብረሉ ኲርኳሕ ዝኾነ ቦታ ድኽነትን ሥቃይን ብሕትውናን መንበረ ታቦት ክትተክል እትኽእል ቤተክርስትያን’ ይሓልሙ ነሮም፣ ስለምንታይ ቢሎም ምስ ተሓቱ ከኣ ‘ቅዱስ ቊርባን ብዘይ ሥራሕ ኮፍ ኣይፈቱን እዩ’ ናይ ኰፍ ሕይወት ትመርጽ እንተዀንካ ‘እዚ ምሥጢር እዚ ኣብ ፍጽምና ኣይበጽሔን ማለት እዩ’ ይብሉ ነሮም፣ ኣብ ልብና ምልስ ኢልናኸስ እዚ ምሥጢር እዚ ኣብ ሕይወተይ ይፍጸምዶ! ብጭቡጥ መንገዲ እንክንሓትት ኣብ መኣዲ ኰፍ ቢለ ጐይታ ከገልግለኒ ጥራይዶ እደሊ ወይስ ከም ጐይታ ነሕዋተይ ከገልግል እትንስእ! ነቲ ኣብ ቅዳሴ ዝቅበሎ ብግደይ ንካልኦት እዕድልዶ! ኩልና ከም ቤተክርስትያን ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ምቊራብ ናይ ቊርባን ሰባትዶ ኰና! ኢልና ክንሓትት እዋኑ እዩ፣ እዚ ዝተቈርሰ እንጌራዚ እዚ እንጌራ ሕይወት እዚ ናይ ሰላም እንጌራ እውን እዩ፣ ኣባ ቶኒኖ ኣብቲ ናይ ሰላም ጽሑፋቶም ‘ሰላምሲ ነፍሲወከፍ እንጌራኡ ምስ ተቀበለን ብመንገዱ ክበልዖን ምስ ከደ ኣይኮነን ዝመጽእ እንታይ ደኣ ሰላምሲ ክንዮኡ እዩ ሓቢርካ ምንባር እዩ። ነዚ እንጌራ ሕይወት ብዘይምምቅቃል ኣብ መኣዲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሰባት ተቀሚጥካ ምምጋቡ የዲሊ፣ እቲ ኣብ ማኣዲ ምሳኻ ዝበልዕ ክትፈልጦ ዘሎካን ክተስተንትኖን ክትሕብሕቦን ዘሎካ ገጽታ እዩ፣’ ይብሉ፣ ነዚ ኣስፍሕ ብምባል ከኣ ኩሉ ግጭታትን ኩሉ ውግእን ‘ሱር መሰ ረቶም ነዚ ገጽታት እዚ ዕሽሽ ኣብ ምባል እዩ` ኢሎም ነሮም፣ ንሕናኸ እንተበልና! እዞም ነዚ ናይ ሓድነትን ሰላምን እንጌራ እንቅለብ ንነፍሲ ወከፍ ገጽታ ክነፍቅር ዝተቀደደ ዘበለ እንደገና ምስፋዩ ኣብ ኩሉ ቦታን ወትሩን ከኣ ናይ ሰላም ሃነጽቲ ክንከውን ንጽዋዕ ኣሎና፣

ምስዚ ማዕረ ማዕረ ዝኸይድ ከኣ ቃል እግዚብሔር እዩ፣ ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ነቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ምቅባል ጸጊምዎም ኣብ ርሱን ክትዕ ኣትዮም ‘እዝስ ከመይ ቢሉ ስጋኡ ክንበልዕ ክህበና’ (ኁ.52) ዝብል ንረክብ፣ እዚ ብሂል እዚ ንዓና እውን ይምልከት እዩ፣ ብዙሕ ግዜ ቃል እግዚብሔር እንክንሰምዕ ኣብ ጐይታ ክንኣምን ተስፋና ኣባኡ ክነንብር ምስ ተሓተትና ‘ወንጌልሲ ከመይ ገሩ ንኩሉ ጸገማት ዓለምና ክፈትሖ ይኽእል! ኣብዚ ብኽፍኣት ኣዕለቅሊቁ ዘሎ ዓለምና ጽቡቅ ምግባር እንታይ ትርጉም ኣለዎ!’ እናበልና ክንዲ ነቲ ብኢየሱስ ንሕተቶ ለውጢ ሕይወት ሃንጐፋይ ኢልና ምቅባል ናይቶም ብቃላት ኢየሱስ ቀዘዝ ኢሎም ዝተረፉ ሰባት ስሕተት ንደግሞ። ቃላት ኢየሱስ ብሕይወት ንምጉዓዝ እምበር ኰፍ ኢልካ ብዛዕባ ዝኸውንን ዘይከውንን ለለይ ምባል ከምዘይኮና ይርድኦም ኣይነበረን፣ ኣባ ቶኒኖ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ነዚ ሕዳሴ ሕይወት ሃንጐፋይ ኢሎም ክቅበሉን ካብ ቃላት ናብ ተግባር ክሰግሩ ይዕድሙ ነሮም፣ ስለዝኾነ ከኣ ነቶም መንገዶም ንምቅያር ትብዓት ዝጐደሎም ‘ናይ ምጥርጣር ሊቃውንቲ፣ ናይ ደገፍትን ተቃወምትን ዝንባሌ ተጸባጸብቲ፣ ተንከስ ከይበሉ ብኮፎም ንኩሉ ዝጽብጽቡ’ ይብልዎም ነሮም፣ ንኢየሱስ መልሲ ክንህብ እንተደኣ ኰና ጸብጺብናን ዝጥዕመናን ዘይጥዕመናን ምዃኑ ገምጊምናን ኣይኮነን እታ ተድሊ መልሲ ናይ ሙሉእ ሕይወትካ `እሺ ሕራይ’ ትብል ቃል ጥራይ እያ፣ ኣስተንትኖናን ጸብጻባትናን ኣየድልዮን እዩ፣ ናይ ልብና ለውጢ ጥራይ እዩ ዘድልዮ፣ ትኽ ብትኽ ንልብና እዩ ዝምልከት፣ ነዚ ዘኽእለና ባዕሉ እቲ ቃል ኣምላኽ እዩ፣

ኣብ ቀዳማይ ንባብ ግሐ 9.1-20 እቲ ካብ ሞት ዝተንሥኤ ኢየሱስ ነቲ ዘሳድዶ ዝነበረ ሳውል ላዕልን ታሕትን ከይበለ መኒኑ ሓንቲ ነገር ክገብር ይእዝዞ፣  ‘ተንሥእ ናብ ከተማ እቶ ኣብኡ ከኣ ክትገብሮ ዝግበኣካ ኩሉ ክንገረካ እዩ’ (6)፣ እዛ ተንሥእ ትብል ቃል ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ወዲቅካሉ ዘሎኻ መሬት ተረምሲስካ ከይትተርፍ ብፍርሓት ተጐቢእካ ከይትተርፍ ሕይወት ንክትዘርእ እትበሃል እያ፣ ኣባ ቶኒኖ ክንደይ ኰፍ ኢልኩም ዘሎኹም ሓፍ በሉ ይብለኩም ነሩ ከመይ ኣብ ቅድሚ ካብ ሙታን ዝተንሥኤ ክርስቶስ ቆምካ እዩ ዝቅረብ፣ ወትሩ ምትንሳእ ንላዕሊ ገጽጽካ ምጥማት የድሊ ምኽንያቱ ከኣ ሓዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀንጠመንጢ ጠጠው ክብልን ብኣኡ ክዓግብን የብሉን፣ ጐይታ ንሳውል ናብ ከተማ እቶ ይብሎ፣ ንነፍስወከፍና እውን ኣብቲ ዓኒዱ ሒዙካ ዘሎ ርግጽነትን ውሕስነትን ዝህበካ ኮይኑ ዝስመዓካ ነገራት ተዓጺኻ ኣይትትረፍ፣ ተንሥእ ተጐዓዝ ዕድልካ ረኤ፣ ይብለና ኣሎ፣ ሕይወት ክርስትያን ንጐይታ ኢየሱስ ተወፊያ ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ትውዕል፣ ነቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ምስ ረኸብካ ትጽቢት የለ ይጽናሓለይ የለ ክሓስበሉ እየ የለ ጸገም ይሃሉ ውሕስነት ኣይሃሉ ምብጋስ ጥራይ እዩ፣ ሳውል ምስ ኢየሱስ ምስ ተዛረበ ሽሕኳ ዓይኑ ዓዊሩ እንተነበረ ይትንስእ ናብ ከተማ ገጹ ይጐዓዝ፣ እቲ ዝተቀበሎ ኣናንያ ብፍርሂ ተዋሒጡ እናንቀጥቀጠ ‘እንሀኹ ጐይታይ እንታይ ክእዘዝ’ (10) ይብል እሞ ብኡ ንብኡ ናብ ሳውል ይኸይድ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ንረኸብ ንሕናው እውን ናይ ፋሲካ ተስፋ ናብ ኩሎም ንክነባጽሕ ዝተጻዋዕና ኢና፣ ከምቲ ኣባ ቶኒኖ ናይ ሓጐስ ትንሣኤ ቀረናውያን ኣገልገልቲ ዓለም ንኹን! ነዚ ግን ከም ዝተዓሰብናን ዝተቀሰብናን ዘይኮነ ካብ ሙታን ከምዝተንሣእና ኰና ኢድና ከይሃብና ክንገብሮ ኣሎና፣ ናይ ተስፋ ዓደልቲ ናይ ትንሣኤ ሃሌሉያ ንምብጻሕ ገርሀይናታት ተላኣኣኽቲ ክንከውን ክንደይ ይጥዕም፣

ኢየሱስ ንሳውል `እቲ ክትገብሮ ዘሎካ ኩሉ ኣብኡ ክንገረካ እዩ` ይብሎ፣ ሓንሳእ ምስ ወሰነ ድሕር ዘይብል ሳውል ቊርጥም ኣቢልዋ ይጐዓዝ ንቃል ኢየሱስ ሓራይ ኢሉ ብዘይ ርእይቶን ብዘይሕቶን ይእዘዝ፣ ዕጉስ ይኸውን ሕይወቱ ብኣኡ ከምዘይትውሰን ቆብ ኣቢሉ ይርድኣ ትሕትና ይመሃር፣ ትሑት ማለት ፈራህን ኢዱ ዝሃበን ኣይኮነ ንገዛእ ርእሱ ባዶ ገሩ ንእግዚብሔር ዝእዘዝ እዩ፣ ውርደት እውን ከምቲ ንደማስቆ ክኸይድ እንከሎ ጻሕ ኢሉ ዝወደቀ ሳውል ንሓልዮት ኮይንዎ! ነቲ ዝነበሮ ሓሳብን ትዕቢትን ኣርግፍ ኣቢሉ ንክሓድግን ንእግዚአብሔር ዳግም ን ክትንስእን ኣኽኢልዎ፣ ቃል እግዚብሔር ከኣ ኣባና ነዚ እዩ ዝገብር መጀመርያ የንጸሓካ ሓራ ይገብረካ እንደገና ከም እትትንስእ ገሩ ትሕትናን ትብዓትን ኣዕቲቊ ንቅድሚት ከምእትምርሽ ይገብረካ፣ ብገዛእ መንፈዓትና ዝተዓወትና ህቡባት ዘይኮነስ ናይቲ መይቱ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ኢየሱስ መሰኻኽር ንክንከውን የብቅዓና፣

እንጌራን ቃልንከስ ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ነፍሲወከፍ ቅዳሴ ብእንጌራ ሕይወትን ዘድሕን ቃሉን ይቅልቡና፣ ነቲ እንሠርዖ ኢና እንኸውንን እንነብርን፣ ነዚ ምስ እንገብር ከም ኣባ ተኒኖ ናይ ተስፋን ሓጐስን ሰላምን ምንጪ ክንከውን ኢና፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.