2018-04-21 19:10:00

፫ይ ሰንበት ዘትንሣኤ 7 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም (4/15/2018)


ንባባት፡  ፩ቆሮ 15፡1-19። ፩ዮሓ 2፡1-5፥ ግ.ሓ. 3፡13-19፥ ሉቃ 24፡35-48።   ስብከት፤ “ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ፥ ወመንክሮሂ ለእጓለ እመ ሕያው፥ እስመ ሰበረ ኆኃተ ብርት” ምሕረት እግዚአብሔር ንገሩ፥ጥበቡ ኸአ ንደቂ ሰብ፥ መዓጹ ሓጺን ስለ ዝሰበረ፥ መዝ. 106።

መዝሙር፡ ወበእኁድ ሰንበት. . . . አብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰንበት ማርያም መግደላዊት ናብ መቓብር አንጊሃ ጌና ጸልማት እንከሎ ከይዳ፥ እቲ እምኒ ካብ አፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኺባቶ፥ ናብ ስምዖን ጴጥሮስ ከምኡ ናብቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ በጽሐት፥ ንጎይታይ ካብ መቓብር ወሲዶሞ አበይ ከም ዝወሰድዎ አይፈልጥን፥ ክልቲኦም ብሓንሳብ እናጎየዩ ከለዉ፥ እቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ንጴጥሮስ ቀዲምዎ በጽሐ።

አብዚ ናይ ሎሚ መዝሙር እንርእዮ እምነት ማርያም መግደላዊት እዩ፥ ንሳ ንመምህራ ክሳብ እትረኽቦ ብጸልማት ብቐትሪ አብ ኩሉ ክትደልዮ ንርእያ። ክሳብ እትረኽቦ አይዓረፈትን። ክትረኽቦ ቀሊል አይነበረን እንተ ኾነ እምነትን ፍቕርን ገራ ስለ ዝደለየት ባዕሉ ረኺብዋ። አብዚ እዋን ትንሣኤ ኩልና ንኢየሱስ ክንደልን ክንረኽቦ ከምዘሎና ክንሓስብ አሎና። አብ ሕይወትና ከይረኸብናዮ ክነዕርፍ የብልናን። ከየለለናዮ ከይሓልፈና አዒንቲ ሕልናና ክፈተልና ኢልና ንለምኖ።

ዝሓለፈ ሰንበት ዘንበብናዮ ወንጌል ዮሓንስ፥ ሓዋርያት ብፍርሒ አብ ሓደ ገዛ ተሸጒሮም እንከለዉ ኢየሱስ “ሰላም ንአኻትኩም ይኹን” እናበለ ከም ዝተራእዮም አንቢብና፥ ናይ ሎሚ ወንጌል ከአ ክልተ ዝፈርሑ አርድእቲ ከምቲ ናይ መምህሮም ከይገጥሞምን ከምኡ ተስፋ ብምቝራጻን ካብታ ማእከል ድሕነቶምን ተስፋኦምን ዝኾነት ከተማ ኢየሩሳሌም ንምዕራብ ክሃድሙ እንከለዉ ኢየሱስ አብ መገዲ ተሓዊሱ ምስኦም ከምእተጓዕዘ እሞ ቅዱሳት መጻሕፍትን ኩሉ ብዛዕብኡ አብ ነብያት ዝተባህለ ትውፊታትን ክነሮም እንከሎ ልቦም ይቃጸል ከም ዝነበረ፥ንሶም ምስኦም ክሓድር ከም ዝዓደምዎ እሞ አብ መአዲ ምስ ተቐረቡ ባዕሉ ባሪኹ ቆሪሱ ምስ ሃቦም ካብኦም ከዝተሰወረን ከም ዘለለይዎ አንቢብና።

ኩሉ ንባባትና አብ ምልላይ ንኢየሱስ ዘተኮረ እዩ። ሓዋርያት አብ መጀመርያ አየለለይዎን አብ መጨረሻ ግን አለልዮሞ። እንታይ ምስ ኮኑ እዮም ዘየለለይዎ እንታይ ምስኮኑኸ አለልዮሞ? ንኢየሱስ ክተለሊ እንታይ የድሊ? ስለምንታይ እዩ መጀመርያ ካልእ መሲልዎም ድሓርን ግን መን ምዃኑ ከለልይዎ ዝኸአሉ?

እዚ አብቲ ንሰባት ብኸመይ ንርእዮም ዝብል ሕቶ ክመርሓና ይኽእል። ብርግጽ አብዚ ምርአይ ክንብል ከሎና ብዓይኒ ሥጋና ምርአይ ዘይኮነ ብዓይኒ ሕልናን መንፈስናን እዩ ዘመልክት። ብዓሚቕ አፍልጦን ርድኢትን ክህልወና ማለት እዩ። እዚ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ኩልና እንፈልጦን እንገብሮን እዩ። ንአብነት ክንርኢ ንወለድና ንሕጻናት ከሎና ከመይ ንርእዮምን ንርድኦምን፥ ዕብይ ምስበልና ምስ ጎበዝና ከም መንእሰይ ከመይ ንርእዮምን ንርድኦምን፥ ኩሉ አረአእያናን ርድኢትናን ይፈላለ። ሕጂ ምስ ዓበና ክንድሰብ አኺልና ዓቕሚ ሰብ ምስ በጻሕና ዘሎና አረአእያን አፍልጦን አብ ልዕሊ ወለድና ከመይ ዝበለ እዩ። አብዚ ዓቢ ፍልልይ ክንርኢ ንኽእል።

እንታይ እዩ ተቐይሩ/ ወለድና ድዮም ቀይሮም ወይስ ንሕና ኢና ቀይርና? ኩልና ከም እንሰማማዓሉ ዝቐየርና ንሕና ኢና እምበር ወለድና አይኮኑን ዝቐየሩ። ፍቕሮምን ሓልዮቶምን አባና ዘለዎም ተገዳስነት ቀጻሊ እዩ። እቲ ዝቀየረ ናትና ምቕባል አብቲ ንሶም ዘርእዩና ፍቅርን ሓልዮትን ተገዳስነትን ብዝተፈላለየ ደረጃ ገሊጽናዮ። አብ ዝተፈላለየ ዕድመና ዝተፈላለየ ርድኢትን አረአእያን አርኢና።

ምስካልኦት እነፍቅሮም ዘሎና ልክዕ ከምኡ እዩ። ምስ አዕሩኽትናን አብ ከባቢና ዝርከቡ ሰባትን ዝህልወና ርድኢትን አፍልጦን ምስ ዓቕሚ አፍልጦናን ምቅርራባናን ብመጠኑ ይፈላለ። ከምኡ አብ መንጎ አርድእቲ ኢየሱስ ዝነበረ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝነበሮም ርእዲትን አፍልጦን ከምኡ እዩ ነሩ።

ዓበይቲ ነገራት መጠን ቍምነገሮምን ትሕዝቶኦምን አብ አፍልጦናን ርድኢትናን ዓቢ ጽልዋ አልኦም። አብ ደቅና ወይ እውን ንብዙሕ ጊዜ ዘይረአናዮም ደቅና ከምኡ እንፈልጦም ሰባት ብዙሕ ለውጢ ንርኢ ብፍላይ አብ ንኡስ ዕድመ ዘለዉ ቀልጢፎም ብቁመት ብጠባይ ብኹሉ ለውጢ የርእዩ። ገለ ሰባት ዘይቅይሩ ወይ እውን ብዙሕ ዘይፍቶ ነገራት ንርእየሎም ግን አብ ዓቢ ነገር ምስኮነ ጨሪሶም ይቕይሩ። ንጸልኦም ዝነበርና ብቐረባ ምስ ፈለጥናዮም ጨሪሽና ንቕይር ስለዚ ንሰባት ብቐረባ ክንፈልጦም ክንቀርቦም አሎና።

ዓበይቲ ነገራት አብ አረአእያና ለውጢ ክንገብር ምኽንያት ይኾኑና ብመጠኑ ኸአ አብቶም እንርእዮም ሰባት ዝነበረና አመለኻኽታ ክንልውጥ ግድን ይኸውን። አሰብኡት ድሕሪ በዅሪ ውላዶም ንብዓልቲ ቤቶም ብፍሉይ ይርእይዋ፥ ከምኡ አንስቲ እውን ነሰብኡተን ብሓዲስ ፍሉይ ይርእያኦም።

እቶም አብ መገዲ ኤማሁስ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ክልተ አርድእቲ ብዛዓባ እቲ ሕማቕ ነገራት ብዛዕባ ስቕለትን ሞትን መምህሮም ይዛረቡ ነሮም። ተስፋ ቆሪጾም ኢየሱስ ብዓል ናዝሬት እቲ ብአምላኽ ዝተላእከ መስሕ ገርና ንቖጽሮ ነርና ሕጂ ግን ካብ ዝመውት ሳልስቱ እዩ እናበሉ ዝሓለፈ ነገራት ከምዝተጸበይዎ ከምዘይኮነ የዕልሉ ነሮም። ከም ዝፈሸለ ነገር ገሮም ስለ ዝረአይዎ ካብኡ ክሃድሙ ንከተማ ሓዲጎም ይኸዱ ነሮም።

ሉቃስ ወንጌላዊ ነቶም አርድእት አዒንቶም ከም ዝተኽፍተን ምአስን ከመይን ኢሉ ከም ዝኸፈተሎም እንታይ ከምዝኾነ ይነግረና። “አብ ምቝራስ እንገራ” አዒንቶም ተኸፊቱ። አብ ገዛ ምስ አተዉ ወዮ ጋሻ ዝነበረ ወና ኮይኑ ነቲ ክምገብዎ ዝተቐረበ እንጌራ ባሪኹ ቆሪሱ ክበልዑ ሂብዎም። ብሃንደበት አዒንቶም ተኸፊቱ ሽዑ አለልዮሞ። ድሕሪኡ ብዓይኖም አይረአይዎን ብዓይኒ ልቦም/ሕልንኦም ከለልይዎን ክርእይዎን ጀሚሮም። በቲ ከም ብሓዲስ ዝተበራበረ እምነቶም ክርእይዎ ጀሚሮም። ከለልይዎ ዝኸአሉ ብሓዲስ መገዲ ብፍሉይ አረአእያ ክርእይዎ ስለ ዝጀመሩ ከለልይዎ ክኢሎም። ካብዚ ንድሓር ከምቲ ዘተስፈዎም ምስኦም ኩሉ ጊዜ ከምዘሎ ዝርእዩሉ መገዲ እዚ ከምዝኾነ ክፈልጡ ጀሚሮም።

ፍልጠት፥ እንርእዮ ነገር፥ አብቲ አብ ቅድመና ዘሎ ዝረኸብናዮ ነገራት ወይ ሓበረታ ጥራሕ አይ ኮነን ዝምስረት። ሓቀኛ ፍልጠት ንነገራት አብ ልቦናን ርድኢትን ተመስሪትና ክንርእዮም ከሎና ጥራሕ እዩ። ሃይማኖታዊ ፍልጠት ንነገራት አብ ህያባት መንፈ ቅዱስ መሰረት ገርካ ክትርእዮም ከሎኻ እዩ፥ ብፍላይ ህያብ ልቦና፥ ርድኢትን ፍልጠትን።

ኢየሱስ አብ ነፍሲ ወከፍና ብዘይተጸበናዮ ወይ ዘይ ገመትናዮ ንአሽቱ ነገራት ገሩ ይመጸና። ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ቅዱሳት ንምጽአት አምላኽ ብዘይተጸበናዮን ዝሓሰብናዮን ምዃኑ ዝገልጹልና። አብ ሕይወትና ከም እንርእዮ አምላኽ ብብዙሕ መገዲ ብዘይተጸበናዮ ድለቱ ክነግረና ወይ ክንርኢ ንኽእል፥ ብዘይሓሰብናዮ ነገር አምላኽ ንርኢ፥ ምሳና ከምዘሎ ንዕዘብ እዚ ከምዚ ኢልና እኳ አይንግለጾ እምበር አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ የርእየና ኸአ እዩ። እቲ ጸገም ንሕና ክንርኢ አይንኽእልን አይነስተውዕልን ሽዑ በረኸት አምላኽ ከይረአናዮ ክሓልፈና ይክአል።

ክንርኢ ናይ ምስትንታን ጊዜ የድልየና። ካብዚ ጫውጫውታ ዝበዝሖ ዓለምና ውጽእ ኢልና ንአምላኽ ጊዜ ሂብና ክንክእል አሎና። ነዚ ከይንሰምዕ ዝኸልአና ዘሎ ዝተፈላለየ ድምጽታት ናይ ዘመና ደው ክነብሎ ክንክእል አሎና። አብ ጸጥታን ሰላምን ጽምዋን ዝመልኦ፥ ምስ ነፍስና ጥራሕ ክንዛረብን ክንሰምዕን ምስ ከአልና ሽዑ ንኢየሱስ ክንርእዮ ክንጅምር ኢና እሞ ምሳና ከምዘሎ አጸቢቕና ክንፈልጥ ኢና።

ንሱ አብ መንጎና ከምዘሎ ምኽሓድ ማለት ነቲ ብዙሓት ሰባት አብዘን ዝሓለፋ 2000 ዓመታት ክርስትና ብብዙሓት ዝተጓዕዝዎ መገዲ ኤማሁስ ንዝነገሩና ዘይምቕባልን ዘይምእማንን እዩ።

አብዚ እዋን አምላኽ ናይ ገዛእ ርእስና ጉዕዞ ኤማሁስ ክንገብር ይደልየና አሎ። አብ ምቝራስ እንገራ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ኵሉ ጉዕዞ ሕይወትና ብፍላይ አብቶም ዘደኑቕ ነገራት ዝጓነፉና እሞ ደው ዘብሉና አብኦም እውን ክሕወስ ይደሊ እዩ። አምላኽ ምሳና እንተ ዘየሎ ተስፋ ክንቆርጽን ብቐሊል ግዳይ ጸገማትናን ስምዒትናን ክንከውን ኢና።

አብዚ ናይ ሎሚ ሰንበት እምብአር፡

መስከርቱ ክንከውን ይደልየና፡ “ናይ እዚ ነገራት መሰኻኽር ንስኻትኩም ኢኹም” ይብለና። ድሕሪ ትንሣኤ ዘሎ እዋን፥ እዋን ምስክርነት ነቲ ዝተንሣኤ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ሎሚ አብ ስራሕና አብ ርክባትና አብ ኩሉ መንፈስ ደቂ ትንሣኤ አብና ተራእዩ ልቢ ሰባት ክንቅይር እንልአኸሉ እዋን እዩ።
ኢየሱስ ሎሚ እውን ምሳና አሎ፦ ከምቲ ነርድእቱ አብ ማእከሎም ደው ኢሉ ሰላም እንአኻትኩም ይዅን” እናበለ ሰበኽቲ ሰላም ክኾኑ ዝደለዮም ሎሚ ንአይን ንአኻትኩምን ዘራእቲ ሰላምን ሕውነትን ክንከውን ይደልየና አሎ።
ጽንዓት እምነት የድልየና አሎ፦ ነቲ እንአምኖ ክሳብ ዘይነበርናዮ ንኢየሱስ ክንምስክር አይክአልን እዩ። እምነት ክደክም ክጠፍእ ስለ ዝኽእል ክንበራበር ነቲ አምላኽ ዝብለናን ዝገበረልናን ርኢና ምስኡ ርክብ ክህልወና የድሊ አሎ። ዓለምና ንመገዲ አምላኽ ክንሓድግ አብ ገዛእ ርእስና ጥራሕ ክንምርኮስ እያ እትደልየና ስለዚ አብ እምነትና ጸኒዕና ምስ ኢየሱስ ክነብር የድሊ።
አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንካፈል። ሰብ ኤማሁስ አብ መአዲ እዮም አላልዮሙ። ንሕና እውን መስዋዕቲ ቅዳሴ ክነዕርግ ከሎና ልክዕ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ስለ እንገብር ዘሎና ዓይኒ ሕልናና ነቲ አምላኽ ዝገበረልናን ዝብለናን ክነለል ብምሉእ ልብና ንሳተፎ።
አብ የማን ንመለስ፡ አርድእቲ ኤማሁስ ኢየሱስ ምስተገልጸሎም ካብቲ ዝሃድምዎ ዝነበሩ ንድሕሪት ተመሊሶም። ተስፋ ቆሪጾም ዝነበሩ ክአምኑን ክነግሩን ጀሚሮም። ንሕና እውን ሎሚ ካብቲ ኃጢአት ካብ አምላኽን ካብ ሓቅን ንድሕሪት ሒዙና ዘሎ አብ አምላኽን አብ ማሕብር ክርስቶስን ንመለስ። ብኃጢአትና ተኣሚና ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ንግበር።

ናይ ሎሚ ሰንበት ቃል አምላኽ እምብአር ሕይወትና ክንሰርዕ እሞ አብ ቅድሚ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ደው ክንብል የዘኻኽረና። ንቕሓትና አፍልጦና አብቲ ንሱ ዝሃበና ተስፋታት ከጽንዓና ይግባእ። ሓዋርያት አብቲ ተአኪቦምሉ ዝነበሩ ገዛ ዝተመክርዎ እዚ እዩ። እዚ ተመክሮ ንሓዋርያት ቀይርዎም። ድሕሪ እዚ ተመክሮ እቶም ፈርሓትን ተጠራጠርትን ዝነበሩ ጨሪሾም ለዊጦም ንትንሣኤ ክርስቶስ ክሰብኩ ብትብዓት ላዕልን ታሕትን ክብሉ ተራእዮም መብዝሕትኦም ከአ ብመስዋዕቲ ሕይወቶም ክምስክርዎ ክኢሎም። እዚ እያ ሎሚ ቤተ ክርስትያን ንነፍስወከፍና አብ ቅድመና እተቐምጠልና ዘላ እሞ አምባሳደራት ክርስቶስ ኮና ንመስክሮ ንስበኮ።

ኢየሱስ ብጸግኡ እሙናት ደቂ ትንሣኤ ገሩ አብ ምምስካሩን አብ ቅድስና ሕይወትና እንወፍር ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.