2018-04-23 08:12:00

ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥቡቅ ርክብ እንተዘይገበርና ካልእ ኣተሓሳስባ ክወረና እዩ! ር.ሊ.ጳ


 

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ትማሊ ሰንበት ዕለት 22 ሚያዝያ 2018 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ዕለቱ ዓለም ለኸ ዕለተ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ምዃኑ ብምዝኽኻር ‘ጸዋዕታ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ጸዋዕታ ቃልኪዳን ን ክብርክት ንጐይታ ንለምኖ’ እንክብሉ ሓደራ ኢሎም፣

ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተምህሮኦም ‘እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሕያዋይ ጓስ ዝኾነ ኢየሱስ ሕይወቱ ምእንታና ኣወፍዩ ካብቲ ዘሎና ብዙሕ መንፈሳዊ መልመስቲ ከም ትዕቢት ሃረርታ ትህኪት ወዘተ ከኣ ይፍውሰና፣ ነዚ ፈውሲ እዚ ንምርካብ ግን ንኩልንትናና ኣብ ኣእዳው እቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ምግዳም የድሊ፣ ንክርስቶስ ንክትፈልጦ ብዝግበር ምርምር ዘይኮነስ ናይ ግሊ መድሓኒኻ ገርካ ብምቅባል እዩ ዝልለ፣

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነባጊዔይ እፈልጠን እየ ንሰን እውን ይፈልጣኒ እየን ክብል ከሎ ናይ ሓንጐል ምርምር ኣፍልጦ ዘይኮነ ናይቲ ምሳኡ ዝግበር ግላዊ ርክብ እዩ ዝዛረብ፣ እዚ ርክብ እዚ ፍቅርን ምትእምማንን ዝመልኦ ብርሕራሔን ምሕረትን ይልለ፣ ስለዚ ናይ ግልኻ መድሓንን ዓርክን ጌርካ ኢየሱስ ንክፈልጠካ ክተፍቅደሉ የድሊ፣ ንሱ ካብቲ ንሕና ንርእስና ንፈልጦ ንላዕሊ ጉድልነትናን ሕመቅናን ናይተን ዝፈሸላ ዕላማታትናን ተስፋታትናን እውን ኣጸቢቁ ይፈልጦ፣ ኮይኑ ከምዘሎናዮ ይቅበለና ዋላ ምስ ሓጢኣትና ይቅበለና በዚ ከኣ ይምሕረናን የሕውየናን! ብፍቅሪ ይመርሓና! ከምዚ ብምግባሩ ከኣ ዘፍርህ ነገራት እውን ይሃሉ መንገድና ከየጥፍአና ንጐዓዝ፣ እዚ ምስ ኢየሱስ ዘሎና ግላዊ ርክብ ምስ ዝዝሕል ወይ ዝድስክል ከክንድኡ ካልኦት ይመርሑናን ይምንጥሉናን፣ ካብዚ ንክንድሕን ብገዛእ ርእስና ናይ ምትእምማን ነገራት ኣወጊድና ነቲ ንሱ ዝሕብረና ሓዲስ መንገዲ ክንክተል የድሊ፣

‘ኣብ ማሕበረክርስትያናትኩም ምስ ኢየሱስ ዘሎ ርክብን ሕይወትን እንተዝሒሉ! ንድምጹ ምስማዕን ብተኣማንነት ምስዓቡን እንተደስኪሉ! ካልእ ኣተሓሳስባ ከምዝስዕርርን ምስ ወንጌል ብዘይቃዶ መንገዲ ምምልላስን ምንባርን ይስዕርር፣ ኣደና ዝኾነት ድንግል ማርያም ምስ ኢየሱስ ወትሩ ዝሓየለ ርክብ ንክህልወና ትደግፈና፣ ኢየሱስ ኣብ ልባትና ምእንቲ ክኣቱ ልባትና ንኢየሱስ ንምኽፋት ትሓግዘና፣ እዚ ምስ ዝኸውን ማለት ምስቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ሓያል ምሕዝነትን ርክብ ምስ እንገብር ንምሉእ መዋዕልና ክንክተሎ ንኽእል፣ ምስ በሉ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም፣

ድሕሪ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ራብዓይ ሰንበት ዘትንሣኤ ዕለተ ሕያዋይ ጓሳ ኮይኑ ዓለም ለኸ ዕለተ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ምዃኑ ብምዝኽኻር ነዚ ዕለት’ዚ ዝተላእከ መልእኽቶም ከኣ ‘ጽን ቢልካ ምስማዕ ጸዋዕታኻ ኣለሊኻ ምኽኣል ንጸዋዕታ ጐይታ ከምዝግባእ ምንባር’ ከምዝኾነ ገሊጾም፣

ሎሚ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ቅድሚ ቁሩብ ግዝያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መዓርገ ክህነት ስለዝሃብኵዎም ሓደስቲ ካህናት ንእግዚብሔር ነመስግን፣ ኣብ ግራቱ ብዙሓት ዓየይቲ ንክልእኽን  ጸዋዕታ ሰብውፉይ ሕይወትን ጸዋዕታ ክርስትያናዊ ቃልክዳንን ከብዝሕን ንጐይታ ንለምኖ፣ ከምቲ ክብለኩም ዝጸናሕኩ ሎሚ ን16 መዓርገ ክህነት ሂበ፣ ካብኦም ኣርባዕተ ሰላም ክብሉኹምን ምሳይ ሓቢሮም ንክባርኹምን ኣብዚ ምሳይ ኣለው፣ ድሕሪ ቢሎም ምስቶም ኣርባዕተ ሓደስቲ ካህናት ብሓባር ከኣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩን ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ብዙሓን ዝከታተልዎም ዝነበሩን ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ንትምህርቶምን ጸሎቶምን ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.