2018-04-24 16:49:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝኽሪ ቅዱስ ስሞም ኣብ ምእላይ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሮማ


ዕለት 23 ሚያዝያ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማዕት ከምዘብዓለት እንክዝከር፡ በታ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ናይ ትውልዲ ስሞም ኾርገ ብምዃኑ ተተሓሒዙ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ቅዱስ ስሞም ተሓሲቡ ኣብ ዝወዓለሉ ዕለት፡ ኣብ ከተማ ሮማ ብዝተፈላለዩ ናይ ቤተ ክርስቲያንን በርገሳውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ምስ ዝእለዩ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተብ ሓልዮትን ቅርበቶም ብዝገልጽ ግብረ ሰናይ ብምፍጻም ከምዘብዓለዎን፡ እቲ ዝፈጸምዎ ግብረ ሰናይ ባዕሎም ደጋጊሞም ከምዝብልዎ ኢየሱስ ኣብ ኣሕዋትናን ብፍላይ ከኣ ኣብ ድኻታት ኣለሊኻ ምኽኣል ጸጋ እዩ እንክብሉ ንዝገልጽዎ ሓሳብ የዘኻኽር። መንእሰይ ካህን ጳጳስ ካርዲናል እንከለዉ ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀረባ ካብ ምዃን ከምዘይበዀሩን ብዙሓት ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ሎሚ እውን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተ ክርስቲያን ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ናብ እትብል ብፍላይ ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ነዚ እውን ናይ ወንጌል ሓሴት ብዝብል መርሕ ቃል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ገይሮም ዝነብርዎን ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ክኽውን ብቓልን ተግባርን ዘቕርብዎ ሕንጸት ዘቃልሕ እዩ።

ኢየሱስ ብወጅሂ ድኻታት ኣቢሉ ፍቕሪ ይሓትተና

ኣብ ድኻታትን ብድኻታትን ኣቢሉ ኢየሱስ ንልባትና ይኵሕኵሕን ፍቅሪ ይሓትተናን  ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ባዕሎም ኣብ መላእ ዓለም ክበዓል ዘነቓቕሕዎን ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክበዓል ዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ምኽንያት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ዝገለጽዎ ቃል ምዃኑ ዝሓበረ ቫቲካን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ እዞም ምሩጻት ብኢየሱስን ብኢየሱስ ሓለፋ ዘለዎም ድኻታት ኣሕዋትና ኣሓትናን፥ ዝጠመዩ ዝሓመሙን መጻእተይናታትን እሱራትን ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተጠንጠኑን ብዘይ ሓገዝ ንናይ ገዛእ ርእሶም ስቓይ ዝተሓድጉን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ሕሩጋትን ኣብ ወጅሃቶም ናይ ኢየሱስ ምስሊ ዝተሓትሞም ስቓይ በርቲዕዎም ሕቱማት እውን እንተመሰሉ ኣብ ከናፍሮም ቃል ክርስቶስ ህያው ኰይኑ፡ ‘እዚ ስጋይ እዩ’ (ማቴ. 26,26) ይብለና እንክብሉ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ብኣጽንዖት ከምዝገለጹ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.