2018-04-25 18:22:00

ምሥጢረ ጥምቀት ናይ ጥንቆላ ሥራሕ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ትዕድልቲ መንፈስ ቅዱስ እዩ! ር.ሊ.ጳ


‘ንስእነትን ሃብትን ለሚደዮ እየ፡ ንጽጋብ ንጥሜት ንራህዋ ንጭንቂ ንኵሉ ፈቲነዮ እየ። በቲ ኃይሊ ዝህበኒ ንኵሉ እኽእሎ እየ።’ ፊሊ 4.12-13)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት ዝጀመርናዮ ኣስተንትኖ ከም ወትሩ ብብርሃን ቃል እግዚኣብሔር ክንቅጽል ኢና፣ ነቶም ንጥምቀት ዝሰናደው ዘብርሃሎምን ንእምነት ንክቅበሉ ዝደፋፍኦምን ወንጌል እዩ፣ ምሥጢረ ጥምቀት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ናይ እምነት ምሥጢር እውን ይበሃል፣ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ.1236 ከምዘመልክቶ ከኣ ‘ናይ ቃል-ኣምላኽ ንባባትን ስብከትን፣ ነቶም ተጠመቕቲ ኮነ፣ ነቲ ዝተኣከበ ሕዝቢ፤ በቲ ዝተገልጸ ሓቅታት-እምነት የብርሆም፤ ነቲ ካብ ጥምቀት ዘይንጸል ናይ እምነት ምላሽ የለዓEል፤ ብርግጽ’ውን ጥምቀት ናብ ናይ እምነት ሕይወት ዜEቱ ምሥጢራዊ ባብ ስለዝኾነ፤ ብፍሉይ መንገዲ “ምሥጢረ እምነት” ኪበሃል ዚከኣል እዩ።’ይብል፣ እምነት ከኣ ንገዛእ ርእስኻ ንኢየሱስ ጐይታ ምውፋይ ኮይኑ ነዚ ጐይታ እዚ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ተጠቂሱ ዘሎ ‘ፈልፋሊ ማይ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት’ (4.14) ‘ብርሃን ዓለም’ (9.5) ‘ሕይወትን ትንሣኤን’ (11.25) ከምቲ ኣገባቡ ዘመልክቶ ከኣ ሎሚ እውን እንተኾነ እቶም ንጥምቀት ዝሰናደው ፈላሚ ሕይወት ክርስትና ስለዝጅምሩ ፈላሚ ምሥጢር እዩ፣ እቶም ንጥምቀት ዝሰናደው ንኢየሱስ ጽን ቢሎም ብምስማዕ ብትምህርቱን ብተግባራቱን ዝተዀስኰሱ ኮይኖም ናይታ ብርቱዕ መንፈሳዊ ጽምኢ ማይ ሕይወት ዝነበራ ሳምራዊት ሰበይቲ ወይውን ናይቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ብርሃን ንምርኣይ ዝነበሮ ብርቱዕ ሃረርታ ወይውን ናይቲ ካብ መቃብር ድምጺ ኢየሱስ ሰሚዑ ዝተንሠኤ ኣልኣዛር ተመኲሮ የስተማቅሩ፣ ቃለ ወንጌል ከስ ነቲ ብእምነት ዝቅበሎ ክልውጥ ዝኽእል ሓይሊ ሒዙ እዩ ዝጐዓዝ፣ እዚ ሓይሊ እዚ ካብ ግዝኣት ጸላዔ ሠናያት መንዚዑ ንጐይታ ብታሕጓስን ብሓዲስ ሕይወትን ምግልጋል ክሳብ ዝመሃር ይሕግዞ፣

ኣብ ምጥማቃት በይንኻ ኣይክየድን እንታይ ደኣ  ከምቲ ቅድሚ ጸሎት ምንጋፍን ብቅዱስ ዘይቲ ቅድሚ ጥምቀት ዝግበር ምቅባእን ዘሎ ሊጣንያ ዘኵሎሙ ቅዱሳን ዘመልክቶ ብናይ መላእ ቤተ ክርስትያን ጸሎት ተሰኒኻ እዩ ዚኽየድ፣ እዚ ምልክታት እዚ ካብ ጥንቲ ዘመልክትዎ እቲ ከም ደቂ እግዚብሔር ዝወሃበና  ዳግመ ልደት ንምርግጋጽ ጸሎት ቤተክርስትያን ንመንገዲ ጥፍኣት ንምቍዋም ሓይሊ ብምሃብን ኣብ መንገዲ ሠናይ ዝኾነ ነገራት ብምስናይን ካብ ሥልጣን ሓጢኣት ወጺኡ ናብ ናይ መለኮታዊ ጸጋ መንግሥቲ ንምስጋር ይሕግዞ፣ ኣብዚ ጸሎት ቤተክርስትያን ንዓናን ስለኩሉ ዓለምን ዝቀርብ ኮይኑ ንሕና ከኣ ሰለካልኦት ንጽሊ፣ ምእንቲ ካልኦት ምጽላይ ብጣዕሚ ደስ ዘብል እዩ፣ ንሕና ንባዕልና ክንደይ ግዜ ጸሎት ብግዲ ኣብ ዘየድልየና ግዜ ሸለል ዘይበልና፣ ስለዚኸስ ምስ ቤተክርስትያን ሓቢርና ስለካልኦት ክንጽሊ ኣሎና፣ ‘ኦ ጐይታይ ምእንቲ እቶም ኣብ ግድነት ዝርከቡ ምእንቲ እቶም እምነት ዘይብሎም ወዘተ እልምነካ ኣሎኹ፣’ እናበልና ንጸሊ፣ ነዚ ኣይትረስዑ፡ ጸሎት ቤተክርስትያን ወትሩ ምስ ቀጸለ እዩ፣ ኮይኑ ግን ንሕና ኣብዚ መደብ ጸሎት ክንኣቱን ምእንቲ መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ግድነታት ዘለዎምን ጸሎትና ዘድልዮምን ሰባት ክንጽሊ ትሑዛት ኢና፣  ስለዚ ከምቲ ሕገ ቀኖና 1237 ዘመልክቶ ጉዕዞ ናይቶም ንኡሰ ክርስትያን ንብሎም ዓቅሚ ኣዳም በጺሖም ንጥምቀት ዝሰናደው እንክጥመቁ ተደጋጋሚ ናይ ምንጋፍ ጸሎታት ብካህን ንክድገም ይእዝዝ፣ ብካልእ ኣዘራርባ እዚ ካብ ሰይጣን ናይ ምንጋፍ ጸሎታት እዚ ካብ ኢየስ ክርስቶስ ምስኡ ጥቡቅ ርክብ ካብ ምግባር ዝዕንቅጽን ዝኾነ መንዔንቀፊ ኣልዩ ሓራ ንኽገብር እዩ፣ ከምቲ ሮማዊ መምርሒ ሥርዓት ምሥጢረ ጥምቀት ንሕጻናት ቊ.56 ዘመልክቶ ከኣ እቶም ዝጥመቁ ሕጻናት ምስ ዝኾኑ ካብ ናይ ኣቦና ኣዳም ሓጢኣት ኣናጊፉ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ንክኾኑ ዝቅድሶም ምሥጢር እዩ። ስለሕጻናት ጸልዩ፣ ጥዕና ነፍስን ሥጋን ምእንቲ ክህልዎም ስለኦም ጸልዩ፣ እዚ ንሕጻናት ንምክልኻል ካብ ዝግበር ተግባራት ሓደ እዩ፣ ብጸሎት ክንከላኸለሎም ኣሎና፣ ከምቲ ወንጌላት ዘረጋግጹልና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እውን መንግሥቲ እግዚብሔር ከምዝመጸት ንምግላጽ ንርኹሳት መናፍስቲ ይዋገኦምን ይሰጐምን ከምዝነበረ ንርዳእ (ማቴ 12.28) ኣብ ልዕሊቲ ጸላኤ ሠናያት ዘመዝገቦ ዓወት ንጐይትነ እግዚብሔር ቦታ ይሓድግ እዚ ከኣ ብታዕሚ ደስ ዘብልን ንሕይወት ዘተዓርቅን እዩ፣

ምሥጢረ ጥምቀት ናይ ጥንቆላ ሥራሕ ዘይኮነስ ትዕድልቲ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ተጻይ ርኹሳት መንፋስቲ ንምቅላስን በቲ በቲ እግዚብሔር ወዱ ንሥልጣን ሰይጣን ንምድሳስን ንደቂ ሰባት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘለዓለም ንምስግጋር ናብ ዓለም ከምዝለኣኾ ብምእማንን ይፍጸም፣ ሕይወት ክርስትና ወትሩ በቶም ካብ እግዚብሔርን ፍቃዱን ምሳኡ ሓደ ካብ ምዃንን ንምፍላይን እንደገና ናይ ዓለም ፍትወት ተገዛእቲ ንክንከውን ዝቃሰለሱና ፈተናታ መሊኣ ከምዘላ ተመኩሮና የስተምህረና፣  ኣብዚ ቃልሲ እዚ ጸኒዕና ተጻይ ናይቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝተኣስረ ኣምበሳ ክጥሕረኩም ይይጓዝም ኣሎ ዝብሎ ንጥፍኣትና ዝተዓጥቀ ዲያብሎስ ንምቅላስ ምሥጢረ ጥምቀት የሰናድወና ን ሓይሊ ይህበናን፣ 

ኣብ ሥርዓት ምሥጢረ ጥምቀት ጸሎት ምስ ተገብረ ነቲ ዝጥመቅ ቅድሚ ብማይ ምጥማቅናን ናብ ሓዲስ ሕይወት ቅድሚ ምውላዱን ኣብ ኣፍ ልቡ ብዘይቲ ጥምቀት እናቀባእና ንሰይጣንን ሓጢኣትን ንምኽሓደ ሓይሊ ንክረኽቡ ንልምን፣  ከምቲ ዘይቲ ኣብ ጅማውቲ ሰውነትና ብምእታው ጥቅሚ ዝህበና ወይውን ከምቲ ናይ ጥንቲ ተቃለስቲ ሰባት ቅድሚ ቅልስ ሓይሊ ንክኾኖምን ካብቲ መቃልስቶም ንከምልጡን ዘይቲ ዝቅብኡ ዝነበሩ እዩ፣ በዚ ተምሳሌት እዚ ከኣ ናይ ጥንቲ ክርስትያን ነቲ ንጥምቀት ዝሰናዶ ብቅዱስ ዘይቲ ይቀብእዎ ነሮም፣ እዚ ብጳጳስ ዝተባረኸ ዘይቲ ምልክት ድሕነት ኮይኑ ሓይሊ ናይቲ መድሓኒ ዝኾነ ክርስቶስ ተጻይ ክፍኣት ንምቅላስን ንምሽናፉን ሓይሊ ይህብ ይብል መምርሒ ጥምቀት ሕጻናት ቊ.105.።

ተጻይ ክፍኣት ምቅላስን ካብ ፈተናታቱን ማሕለኻታቱን ንክተምልጥ ምጽዓርን ኣድካሚ እዩ፣ ድሕሪ ሓደ ኣድካሚ ቅልስ ምስ ክፍኣት እንደገና ሓይሊ ክህልወካ እውን ከቢድ እዩ፣ እንተኾነ ሕይወት ክርስትያን ብምሉኡ ቃልስን ገድልን ምዃኑ ክንግዘብ የድሊ፣ ኣብ ርእሲ እዚ በይንና ከምዘይኮናውን ክንፈልጥ የድሊ፣ ከመይ ኣደና ቤተክርስትያን እቶም ብጥምቀት ዝወለደቶም ደቃ ብዘስድዕ ፈተናታት ጸላኤ ሰናያት ከይተሸነፉ በቲ ብትንሣኤ ክርስቶስ ዝተረኸበ ሓይሊ ከሸንፍዎ ወትሩ ምእንቲ ደቃ ትጽሊ፣ በቲ ንመስፍን እዚ ዓለምዚ ዝሰዓረ (ዮሓ 12.31)ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ጸኒዕና ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኰና `በቲ ኃይሊ ዝህበኒ ንኵሉ እኽእሎ እየ።’ (ፊሊ 4.13) ክንብል ንኽእል፣ ንሕና ኩልና ክንዕወት ንኽእል! ንኩሉ ክነሸንፍ ንኽእል ነዚ ግን ብሓይልና ዘይኮነ በቲ ካብ ኢየሱስ ዝመጸና ሓይሊ እዩ፣ ክብሉ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ፣ ነቲ ኣብዚ ወርሕዚ  ኣብ ፓንሙንጀዮም ኣብ ኮርያ ዝካየድ ናይ ክልቲኤን ኮርያ ናይ ሰላም ዘተ ዕውት ንክኸውን ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቅሪቦም፣

 ዝመጽእ ዓርቢ ዕለት 27 ሚያዝያ ኣብ ፓንሙንጀዮም ውስጠ ኮርያዊ ዘተ ንከካይዱ መራሕቲ ክልቲኤን ኮርያ መራሔ መንግሥት ሙን ዣይን ምስ መራሔ መንግሥት ኪም ዮንግ ኣ ክራኸቡ መደብ ተታሒዙ ኣሎ፣ እዚ ርክብ እዚ ግሉጽነት ዘለዎ ዘተ ንምጅማርን ጭቡጥ ዝኾነ ጉዕዞ ዕርቅን ሕውነቶም እንደገና ንምርካብን ዝጐዓዙሉ በዚ ከኣ ኣብ ደሴት ኮርያን መላእ ዓለምን ሰላም ንከውሕሱ እዩ ዕላማኡ፣ ነቲ ንሰላም ብሕሱም ዝደልያ ዘሎ ሕዝቢ ኮርያ ግላዊ ጸሎተይ እንከረጋግጸሎም መላእ ቤተክርስትያን ከኣ ኣብ ጐንኹም ኣላ እብሎም፣ ቅድስት መንበር ነዚ ናይ ዝጅምር ዘሎ ናይ ሕዝቢ ኮርያ ርክብን ሕውነትን ኣብ ጐድኑ ከምዘላን ንዝኾነ ጠቃምን ልባውን ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ዝግበር ተበግሶ ትድግፍን ተተባብዕን፣ ነቶም ኣብዚ ጉዳይዚ ቀጥታዊ ናይ ፖሎቲካ ሓላፍነት ዘለዎም ከኣ ናይ ሰላም መጋበሪ ምእንቲ ክኾነ ትብዓት ክህልዎም እዕድም፣ ንናይ ኩልና ሠናይ ድማ ነዚ ዝግበር ጉዕዞ ብምትእምማን ክከታተልዎ ኣማሕጽን፣ እግዚብሔር ኣቦ ኩልናን ኣቦ ሰላምን ስለዝኾነ ስለሕዝቢ ኮርያ ኣብ ሰሜን ዘለው ይኹኑ ኣብ ደቡብ ዘለው ስለኦም ነቦና ኡልና ዝኾነ እግዚብሔር ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር እናበልና ንለምኖ፣ ድሕሪ ቢሎም ኩሎም ብሓባር ስለ ሰላም ኮርያ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ደጊሞም ብሓዋርያዊ  ቡራኬ ተሰናበትዎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.