2018-04-25 17:00:00

ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ፥ ምእንቲ ንናይ ኵሉ ረብሓ ትብዓትን ሰብኣውነትን ኣገዳሲ እዩ


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰበኻ ፐሩጃ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ንነጀው ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንፈለማ ጊዜ ብራሰልስ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መንግስታውያን ተቕዋማት ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ኣብዚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ፡ ብዛዕባ ስደተይናታትን ስእነት ስራሕን ካልኦት ኣርእስታትን ኣማእኪሎም ከምእተመያየጡ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ራቪያርት ኣስዒቦም፥ ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ቁጠባን ኤኮኖምን ጥራሕ ዝምልከት ኩምራ ሃገራት ኤውሮጳ ዘይኰነስ ማሕበረሰብኣዊ ኽከውን ኣለዎ  ከምዝበሉ እውን ጠቒሶም

ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዘተ ምሕያል

ብፅዕነቶም ናይ ኢጣልያ ብፁዓን ጳጳሳት ዝርከብዎ ልኡካን መሪሖም ምስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ምኽትል ኣቦ መንበር ፍራንስ ቲመማንስን ምስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ኣንቶኒዮ ታያኒንን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ኤኮኖምን ማሕብራውን ጉዳያት ቤት ምኽሪ ኣቦ  መንበርን ምስ ኢጣላውያን ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳን ከምእተራኸቡ ራቪያርት ሓቢሮም።

ናይቲ ብብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ዝተመርሐ ልኡካን ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ቀንዲ ዕላማ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረት ኤውሮጳን ክሌኣዊ ርክብ ንምሕያልን እዋናዊ ብድሆ ኤውሮጳ ብሓባር ንምግጣም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንምትሕብባር ዘኽእል ናይ ሓባር ባይታ ንምፍጣር ዝብል ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ራቪያርት ገሊጾም።

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ኤውሮጳ ምዃናዊ መንነታን መንፈሳን ዳግማይ ርኽበት ምስ እተረጋግጽ ብሓቂ ንዝኽሰቱ ሰብኣውን ማሕበራውን ጸገማትን ምስ እዚ ተተሓሒዞም ምስ ዝተኣታተዉ ካልኦት ዝተፈላለዩ መሰናኽላት ናይ ሓሶትን ስምዒታዊ  መሲል መፍትሒ ብምቕራብ ዝረአይ ዓይነቲ ከይዲ ከምእተወግድ ዝተረጋገጸ ከምዝኸውንን፡ ብምትሕሓዝ ናይ ሕይወት ባህሊ ምስፋሕን ናይ ስራሕ ዕድላት ምፍጣርን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ብምንጻግ ዘይኰነስ ብምእንጋድ ነቲ ቀንዲ መንቀሊኡ ንምፍትሓ ንቑሕ ኣስተዋጽኦ ብምቕራብን ብሓፈሻኡ ዘለዉን ዝፍጠሩን ጸገማት ብርእየተ ዓለማዊ ምግምማዕ ምግጣም ናብ ዝገደደ ምግምማዕ ምዝባል ከምዘይኰነ ኣብ ዘነጽሩ ሓሳባት ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደን፡ ንኣብነት ገና መድሃኒት ብዘይተረኸበሎም ሕማማት ዝተጠቕዑ ካብ ዝሳቐዩ ጥዑም ሞት ምሃብ ዝብል ዓይነት ስምዒታዊ  ሓላይ መሲል መፍትሒ ምቕራብ ዝረአይ ዘሎ ከይዲ ንባዕሉ ዓቢይ ጸገም እዩ፡ ስለዚህ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ፡ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ናይ ሕይወት ጐይታ እሞ ምእንቲ ንናይ ኩሉ ረብሓ ሰብኣውነት ኣብ መሰረታውያን ዕሴታት ዝጸንዔ ምርጫ ምኽዋን ከምዘድሊ ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ድሕሪ እቲ ርክብ ብዛዕባ ዘካየድዎ ዘተ ኣማእኺሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.