2018-04-25 17:08:00

ናይጀሪያ፥ ጸረ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ዝወረደ ናይ ሞት መጥቃዕትን


ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት በኑኤ ኣብ ዝርከብ ቁሽት ምባሎም ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዝዓርግ ዝነበር መዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ንኽዛዘም ቅድሚ ቁርብ ደቓይቕ ዕጡቓት ሰባት ብዘውረድው መጥቓዕቲ 16 ምእመናንን ክልተ ካህናት ኣባ ጆሰፍ ጎርን ኣባ ፈሊክስ ትዮላሃ ዝበሃሉ ከምእተቐትሉ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጃዳ ኣኵይሊኖ ካብቲ ሰበኻ ዝወጸ ምንጪ ዜና ጠቒሰን ካብ ዘመሓላለፈኦ ዝርዝር ዜን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰበኻ ማኩርዲ ቁምስና ቅዱስ ኢግናዚዮ ዝወረደ መጥቃዕቲ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ኣባይትን ንብረትን እውን ክመዝባደመን ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡ ናይ ናይጀሪያ ርእሰ ብሔር ሙሃማዱ ቡሃሪ ነቲ ዝተፈጸመ ናይ መጥቃዕቲ ሓደጋ ኰኒኖም ከምዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ መጥቓዕቲ መንግስቶም ናይ ዜጋታት ጸጥታን ሰላምን ንምውሓስ ዘካይዶ ጻዕሪ ከሐይል ዝድርዀ ምዃኑን እንክግለጹ፡ ናይ ማኩርዲ ሰበኻ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ንዝተቐትሉ እግዚኣብሔር ኣብ መንስቲ ክቕበሎም ተማሕጺኖም ናይ ሕዝቢ ጸጥታን ድሕነትን ኣብ ምርግጋጽ መግንስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ኣሰራርሓ ከበርትዕ እውን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጠን፡ ኣብቲ ከባቢ ሃብቲ ማይን ናይ ሕርሻ መሬትን ንምውናን ተደጋጋሚ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ከምዝኽሰትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሟጓቲ ዘይመንግስታዊ ማሕበር እውብ ብወገኑ ካብ 2010 ዓ.ም. ንነጀው ሃብቲ ማይን ናይ ሕርሻ መሬትን ንምውናን ዝፍጠር ግጭት ክብ እናበለ ይመጽእ ምህላዉ ይሕብር ኢለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.