2018-04-26 18:20:00

ብዘይ ፍቅርን ብዘይ ኣገልግሎትን ቤተክርስትያን ንቅድሚት ክትግስግስ ዘይሕሰብ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ብዛዕባ መጨረሻ ድራር ጐይታን ምሥራዕ ቅዱስ ቊርባንን ኣመልኪቶም ‘ጐይታ ብቅዱስ ቊርባን ዝምህረና እንተልዩ ፍቅሪ ማለት ንገዛእ ርእሱ ስለፍቅርና ምውፋዩ እንከመልክት እቲ ምሳኡ ኣተሓሒዙ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ እግሪ ሓዋርያቱ ብምሕጻብ ከኣ ኣገልግሎት ኣሕዋት ይምህረና፣ ኣገልጋሊ ካብ ጐይታ ንላዕሊ ስለዘይኰነ ነዚ ተመሃሩ ስለኣሕዋት ሕይወትካ ምውፋይን ክሳብ መወዳእታ ምግልጋሎምን ካባይ ተመሃሩ ይብለና፣ ከም ተኸተልቲ ክርስቶስ ከኣ ክመርሓና ነፍቅደሉ ብኣኡ ንመራሕ’ እንክብሉ ምዒዶም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ዮሓንስ ኮይኑ 13.16-20 ነበረ፣ ኣእጋር ኣርድእቱ ሓጺቡ ቅዱስ ቊርባን ምስ ሰርዔ ምሕጽንታ ዝህብን ብዛዕባ እቲ ብጽሑፍ እንጌራይ ዝበልዔ ብእግሩ ረግሓኒ ዝብል ናይ ክሕደት ይሁዳ ዝምልከት ቅድመ ምስንዳው እውን ነበሮ፣ ቅዱስነቶም ነተን ሕጽበተ እግርን ሥርዓት ቅዱስ ቊርባንን መንቀሊ ብምግባር ክርስቶስ በዘን ክልተ ነገራት እዚኤን ኣገልግሎት ከምዝምህረና ነዚ ከኣ `ካብ ጐታኡ ዝኸብር ኣገልጋልን ካብ መምህሩ ዚዓቢረድእን ካብ ለኣኺኡ ዝበልጽ ልኡኽን ስለዘየለ ነዚ እንተደኣ ተረዲእክምዎን ፈጺምክምዎን ብፁዓን ኢኹም`’ እንክብል መምህሮም ክነሱ ኣእጋሮም ብምሕጻብ ንከገልግሉ ይዕድሞም፣ እዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ናይ ደሓን ኩኑ ቢልካ ናይ ምፍናው ክፍሊ ኮይኑ ለበዋን ምድፍናቅን ዝመልኦ እዩ፣ ነዚ ኣብ ልቡ ዘሰላስል ዝነበረ ግን ኢየሱስ ጥራይ ነበረ፣ እቶም ኣርድእቱ ብሃሰሰ ልባም እናተጓዕዙ ነቲ ዝብሎም ዝነበረ ዝተረድእዎ ኣይመስሉን፣ ደሓር እዩ ኩሉ ዝበርሃሎም፣ ብቀንዱ ነዘን ክልተ ነገራት እንተተመልከትና ግን ነታ ክትቀውም ዘለዋ ክትመጽእ ዘለዋ ቤተክርስትያን እዩ ዘመልክት ዝነበረ፣ ንቤተክርስትያን መሠረታኸስ እዘን ክልተ ማለት ቅዱስ ቊርባንን ኣገልግሎትን እየን፣ ብዘይ እዚኤን ቤተክርስትያን ትርጉም የብላን በቲ ዝቆመቶ መንገዲ ንቅድሚት ክትግስግስ እውን ፈጺማ ኣይትኽእልን፣  እተን ንኦሪትን ነቢያትን ኩሉ የጠቃልላ ዝበለን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ማለት ፍቅሪ እግዚብሔርን ፍቅሪ ብጻይን እውን ካብዚአን እዩ ዝምንጩ፣ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ፍቶ ኣፍቅር ጥራይ ዘይኮነ ጐይታ ዝብለና ዘሎ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩምኹም ነንሕድሕድኩም ተፋቀሩ ክብል ሓንቲ ስጉምቲ ንቅድሚት እዩ ዝምጠጥ ዘሎ፣

‘ገደብ ወይ ደረት ዘይብሉ ፍቅሪኸስ እዚ እዩ፣ ብዘይካ እዚ ገደብ ኣልቦ ፍቅሪ እዚ ቤተ ክርስትያን ንቅድሚት ክትግስግስ ኣይትኽእልን፣ ክተተንፍስ ዘይትኽእል ኮይና ተዓቢሳ ትመውት፣ ብዘይ ፍቅሪ ኣይዕበን! ባዶሽ ዝኾነ ትሕዝቶ ዘለዎ ትካል ኰንካ ይትረፍ፣ ጥራሕ ትርኢትን ምብልጭላጭን ኮይኑ ተግባር ዘይብሎም ዘረባ ጥራይ ኰይኑ ይትረፍ፣ ኢየሱስ ግን ሓዲስ ትእዛዝ ይህበና ከምቲ ንሱ ነቶም ናቱ ክሳብ መወዳእታ ዘፍቀሮም ንሕናውን ነሕዋትና ከምቲ ናቱ ገርና ክሳብ መወዳእታ ክነፍቅር ስለዝዕድም ናብኡ ክንምለስ ኣሎና፣ እዚ ከኣ ነንሕድሕድኩም ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ተፋቀሩ ክብል እንከሎ ኣእጋር ሓድሓድኩም ተሓጻጸቡ ከምቲ ኣነ ኣእጋር ዝሓጸብኩኹም ይብለና ኣሎ፣ ኣብዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣነጺሩ ዝህበና ክልተ ትእዛዝን ሓደ መጠንቀቅታን ኣሎ፣ ርግጽ ክተገልግሉ ትኽእሉ ኮይኑ ብኣይ ከምዝተላእኹም ለኣኺኹም ኣነ ምዃነይ ኣይትረስዑ፣ ስለዚ ካባይ ክትዓብዩ ኣይትኽእሉን ከመይ ካብ ለኣኺ ዚዓቢ ልኡኽ ካብ ጐይታኡ ዚዓቢ ጊላዋ ክህሉ ኣይክእልን እዩ እቲ ነገሩ እንክብል ቁርጹ ይነግረና፣ እታ ጨው በርበረ ዘይብላ ንጽርቲ ሓቂ ከኣ ሓቀኛ ትሕትና እምበር ኣምሰሉነት ኣይኮነን፣

‘ንሱ ካባና ኩልና ከምዚዓብን ንሕና ልኡኻቱ ከኣ ኣገልግልቱ ምዃን እንተተሰቊሩና ንኢየሱስ ክነስግሮ ወይ ልዕሊ ክንከውን ኣይንኽእልን፣ ጐይታ ንሱ ደኣ እምበር ንሕና ኣይኮናን፣ ለበዋ ኢየሱስ ከስ እዚ እዩ፣ ከም መግቢ ኮይኑ ክብላዕ ሥጋኡ ከም መስተ ኮይኑ ክስተ ከኣ ደሙ ይህበና፣ ተፋቀሩ ኢሉ ከኣ ይላበወና፣ ኣእጋር ይሓጽብ  ከምኡ ገርኩም ነንሕድሕድኩም ኣገልግሉ ግን ክትርስዕዎ ዘይብልኩም ኣገልጋሊ ካብ ጐይታኡ ልኡኽ ካብ ለኣኺኡ ካብ ጐይታኡ ብምንም ተኣምር ክትዝንግዕዎ የብልኩምን ይብለና፣ እዘን ቃላት እዚኤን መሰረታውያን ኮይነን መሰረት ቤተክርስትያን እየን፣ በዘን ቃላት እዚኤን እንተተመሪሕና ፈጺምና ክንጋገ ኣይንኽእልን፣

ብዙሓት ሰማዕታትን ቅዱሳንን በዚ መንገዲ እዚ እዮም ተመሪሖም ዝገስገሱ ማለት ኣገልገልትን ልኡኻትን ምዃኖም እናዘከሩ፣ ኣብ መወዳእታ ኢየሱስ ኣብዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ዘቅርባ መጠንቀቅታ ሕይል ዝበለት ኮይና ‘ኣነ ነቶም ዝሓሬኹዎም እፈልጦም እየ’ ይብል ‘ኮይኑ ግን ሓደ ካባኹም ክኽሕደኒ እዩ’ ይብሎም፣

‘ብጸጥታ ጠመተ ኢየሱስ ኣብ ልበ ክኣቱ ጽን እንተኢልና ብዙሕ ነገራት ክንሰምዕ ኢና ፍቅሪ ክንሰምዕ ኢና ወይውን ምንም ክስመዓና ኣይክእልን ይኸውን ኣብኡ ተዓኒድና ደው ንብል ንኸውን ወይውን ሕፍረት ይስመዓና ይኸውን፣ ኮይኑ ግን ወትሩ ጠመተ ኢየሱስ ክመጽእን ኣብ ልብና ከዕርፍን ነፍቅደሉ፣ እዚ ጠመተ እዚ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ሓዋርያት ከቢቦሞ እንከለው በብሓደ ዝጥምቶም ዝነበረ ጠመተ እዩ፣ ሃየ እምበኣር ኦ ጐይታይ ንስኻ ትፈልጠኒ ኢኻ ኩሉ ትፈልጥ ንስኻ ኢልና ክመርሓና ነፍቅደሉ፣ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ጥብርያርዶስ ሰለስተ ግዜ ስምዖን ወዲ ዮና ካብዚ ኣብሊጽካ ተፍቅረኒዶ ምስ በሎ ‘ኦ ጐይታ ንስኻ ትፈልጥ ከምዝፈቅረካውን ንስኻ ትፈልጥ’ ዝበሎ ‘እወ ኦ ጐይታ ኩሉ ንስኻ ትፈልጥ ኣብ ውሽጢ ልበይ ዘሎ ኩሉ ንስኻ ትፈልጥ’ ንበሎ፣

ሓንቲ ቊሩብ ወተሃደራዊ እትመስል ቃል ንጠቀም እዚ ከኣ ንመራሒኻ ተገዛኢ ምዃን ማለት ንሱ ልዕሌኻ ስለዝኾነ ንስኻ ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕቲሑ ምዃንካ ምዝካር ማለት ንሱ መራሒ እዩ ኣነ ተመራሒ ንሱ ጐይታ እየ ኣነ ኣገልጋሊ ንሱ መምህር እዩ ኣነ ተመሃሪ ንሱ ለኣኺ እዩ ኣነ ተላኣኺ፣ ማንም ልዕሊ ንዘሎ ክሰግር ኣይክእልን ዝብል ሓሳብ ሓጋዚ እንክኾን እታ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርክኹም እትብል ከኣ ክሳብ መወዳእታ ክሳብ ሕይወቱ ምኽፋል ስለዘፍቀርና ንሕናውን ነሕዋትና ብከምኡ ዓይነት ፍቅሪ ክነፍቅር ንጽዋዕ ኣሎና እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.