2018-04-27 16:45:00

ኢየሱስ ኣብ ሰማይ ምእንታና ይሰርሕን ይጽልን ኣሎ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘መንግሥተ ሰማይ ክንብል እንከሎና ከምቲ ገሊኦም ዝሓስብዎ ኰፍ ኢልካ ምንም ዘይትገብረሉ ዘይኮነስ ምስ ኢየሱስ ትራኸበሉ ነቲ ካብ እግዚብሔር ዝልገስ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ እተስተማቅረሉ እዩ፣ ንሕና ኸኣ በቲ ተስፋ እዚ ተኣማሚና ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ርግጽነት ይስመዓና’ ኢሎም፣

ብናይ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ቀዳማይ ንባብ ካብ  ግብረ ሓዋርያት 13.22-33 ኮይኑ “ኣቱም ኣኅዋትና፡ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከሎም ዘሎኹም ንኣምላኽ እትፈርሁን እዚ ቃል ምድኃን እዚ ናባና እዩ ዝተላእኸ። እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩን መኳንንቶምን ንኢየሱስ ኣይፈለጥዎን፣ እቲ ብሰንሰለት ዜንብብዎ ቃል ነብያት ምእንቲ ኪፍጸም ከኣ ንሞት ፈረድዎ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እንተ ዘይረኸብሉ እኳ፡ ኪቐትሎ ንጲላጦስ ደኣ ለመንዎ። ነቲ ብዛዕባኡ ዝተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ ከኣ፣ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ናብ መቓብር ኣእተዎዎ። ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንሥኦ። ነቶም ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፡ ሕጂ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕዝብና ምስክሩ ኾይኖም ዘለዉ፣ ብዙኅ መዓልቲ ተራእዮም። ንሕና ከኣ ነቲ ኣምላኽ ነቦታትና ኣተስፍዩዎም ዝነበረ ነበሥረኩም ኣሎና። ምኽንያቱ ኣብ ካልኣይ መዝሙር ዳዊት፦ ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ከኣ ሎሚ ወለድኩኻ’ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፣ ኣምላኽ ንኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዚትንሥእ ብምግባር ናባና ናብ ደቆም ነዚ ተስፋ ፈጸሞ። “ ዝብል ነበረ፣

ቅዱስነቶም ነዚ ቃል ‘ተስፋ እግዚብሔር ኣብ ልብኻ ሰኒቅካ ምምራሽ` ብእትብል ሓረግ እንከጠቃልልዎ  ከምቲ ሕዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ እንክምርሽ ተስፋ እግዚብሔር ሰኒቁን ብኣኡ ተኣማሚኑን ዝጐዓዞ ዝነበረ ንሕና ሕሩይ ሕዝቢ እግዚብሔር ዝኾና እውን ሽሕ’ኳ ከምቶም ቀዳሞት ጥልመትን ውድቀትን ናትና እንተኾነ እግዚብሔር ግን ኪዳኑ ከምዘይጠልምን ቃሉ ከምዘይልውጥን ብምትእምማን ክንጐዓዝ ኣሎና ኢሎም፣

‘ንሕና እውን ኣብ ጉዕዞ ኢና ዘሎና፣ ናበይ ገጽና ኢና ዝብል ሕቶ ክመጽእ ከኣ ናይ ግድን እዩ፣ ጉዕዞናስ ንሰማይ እዩ፣ ኣብዚ ግን ተጋጊዮም ዘጋግዩ ስለዘለው ምጥንቃቅ የድሊ፣ ከመይ ኣብ ሰማይ እንታይ ኣሎ ምስ ተባህሉ ዘይከውን መልሲ ክህቡ ስለዚከኣል፣ ብዙሕ ግዜ ሰማይ ርሑቅ ሃገር ኮይኑ ብሓሳብ ጥራይ እተሰላስሎ! ኣብኡ ምስ በጻሕካ ብዘይ ሥራሕ ቀንፈዘው ትብሎ እዚ ከኣ ንዘለዓለም ኢሎም ዝሓስቡ ኣይሰኣኑን፣ ንሕና ግን ኣይፋል ከምኡ ኣይኮነን ሰማይሲ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ እዩ፣ ኢየሱስ ከኣ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ፣ ምእንታና ይጽሊ ኣሎ፣’ ስለዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ‘ስለዚኸስ ኣብዚ ምድሪ እዚ እንከሎኹ ንኢየሱስ ገጽ ንገጽ ክርኢ እጐዓዝ ኣሎኹ፣ እዚ ርክብ እዚ ከኣ ናይ ዘለዓለም ታሕጓስን ሕይወትን ዝህብ እዩ፣’ ምስ በሉ ናብቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ናይ ዮሓንስ ምልስ ይብሉ፣

ወንጌል ዮሓንስ 14 ከኣ “ልብኹም ኣይሸበር፣ ብኣምላኽ እመኑ፣ ብኣይውን ኣመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙኅ መኃድር ኣሎ፣ መኃድር እንተ ዘይህሉ ግና ምነገርኩኹም ነይረ፣ ሕጂ ግና ሥፍራ ከዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ። ኸይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኹዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ክትህልዉ፡ ተመሊሰ ክመጽእ እየ እሞ ምሳይ ክወስደኩም እየ። ነቲ ኣነ ዝኸዶ መገዲ ትፈልጥዎ ኢኹም።” ቶማስ ከኣ “ጐይታይ! ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፣ ነቲ መገዲ ደኣ ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ?” በሎ። ኢየሱስ ከምዚ በሎ።- “መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ ኣየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ ኣኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።” ዝብል ነበረ፣

ነታ ‘ከይደ ቦታ ከሰናድወልኩም እየ’ እትብል ሓረግ ከም መንቀሊ ወሲዶም ከኣ እታ ገሊኦም ኣብ መንግሥተ ሰማይ ዝግበር የለን ሥራሕ የለን ንዝብልዋ ይምልሹ፣ ኢየሱስ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ እንከሎ ‘ኣቦይ ይሰርሕ ኣሎ ኣነውን እሰርሕ ኣሎኹ’ ከምዝበሎ ንሰማይ ምስ ደየበ እውን ሥራሑ ደው ኣየበሎን፣ እንታይ እዩ እዚ ሥራሕዚ እንተበልኩም ከኣ ምእንታና ምምላድ እዩ፣

‘ኢየሱስ ምእንታይ ይጽሊ! ምእንቲ ነፍሲወከፍና ይጽሊ! ንሱ እሙን ስለዝኾነ ወትሩ ምእንታይ ይጽሊ! ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ምእንታይ ምእንታኻ ምእንታኺ ምእንቲ ኲልና ይጽሊ ኣሎ፣ ኣብቲ ቃሉ እሙን ስለዝኾነ ቦታ የሰናድወልና ኣሎ፣ ኣብቲ ንሱ ዘለዎ ንሕናውን ምእንቲ ክንህሉ ስለና ይሰርሕ ኣሎ፣

ኣብ መወዳእታ ድራር ቅዱስ ጴጥሮስ ፈኸራ ምስ ኣብዝሔ ብዛዕባ ክሕደቱ ምስ ነገሮ፣ ኣብ መወዳእታ ስለኡ ከምዝጽሊ ነገሮ፣ ነቲ ንጴጥሮስ ዝበሎ ከኣ ንነፍስወከፍና ይብለና፣ ‘ምእንታኻ እጽሊ ኣሎኹ’ይብለና፣

‘ነፍሲ ወከፍናኸስ ‘ኢየሱስ ምእንታይ ይጽሊ ኣሎ’ ይሰርሕ ኣሎ! ቦታ የሰናድወለይ ኣሎ! እሙን ስለዝኾነን ስለዘተስፈውንን ይገብሮ ኣሎ፣ መንግሥተሰማያትከስ ምስዚ ቦታ ከሰናድወልና ኣቀዲሙ ናብኡ ከይዱ ዘሎ ኢየሱስ ምርኻብ እዩ፣ ናይ ነፍስወከፍና ምርኻብ እውን እዩ፣ እዚ ተስፋ እዚ ምትእምማን ይፈጥረልና ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ምትእምማን ዕለት ዕለት ከምዝዓቢ ይገብሮ፣  ሊቀካህናት ዝኾነ ካህን ኢየሱስ ስራሑ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምምላድ ስለዝኾነ ምእንታና የማልድ ኣሎ፣ ጐይታ ብጸጋኡ ነዚ የብርሃልና ንመንግሥተሰማያት ኣናሓሰብና ንሱ ምእንታና ከምዝጽሊ ብምትእምማን በዚ ተስፋ እዚ ኣንጐዓዝ ይግበረና፣ እንክብሉ ስብከቶም ወድኡ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.