2018-04-28 16:52:00

ኣብ ቺለ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ንዝዀኑ ዝውክሉ ዜጋታት ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ካብ ቺለ ዝመጹ ኣብታ ሃገር ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ንዝዀኑ ምስ ዝውክሉ ስለስተ ዜጋታት ከምእተራኸቡን፡ ነዞም ናይዚ ዘስኻሕክሕ ከቢድ ዓመጽ ኣደዳ ንዝዀኑ ዜጋታት ቅዱስነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ብፍሉይ ምእንቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ ኣብ ዝጽልይሉ እዋን ምሕረት ክሓቱ ዘካየድዎ ርክብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 28 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

እቶም ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተራኸቡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ተወለድቲ ቺለ ዅዋን ካርሎስ ክሩስን ኻመስ ሃሚልቶንን ዅሴ ኣድረስ ሙሪሎን ምዃኖም ዝገለጹ ቡርከ ኣስዒቦም ብዛዕባ ናይቲ ዝተኻየደ ርክብ ትሕዝቶ እቶም ተወለድቲ ቺለ እንተዘኰኑ ኻልእ ከይግለጽ ቢሎም ብግሊ ዘካየድዎ ርክብ ምዃኑ ቡርከ የምልክቱ።

ናይቲ ዝወረዶም ስቓይ ተኻፋሊ ንምዃን

ቅዱስ ኣቦና ይብሉ ቡርከ፥ እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ መንእሰያት ቺለ ቅዱስ ኣቦና ንዘቕርቡሎም ዕድመ ተቐቢሎም ናብ ሮማ ክመጹን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ንኽራኸብዎም ብምፍቃዶም ቅዱስነቶም ከምዘመስገንዎምን፡ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ከኣ ግላውን ሕውነታውን ምንባሩን ምሕረት ንምሕታትን ስቓዮም ክካፈሉን ስለ እቲ ዝወረዶም ዓመጽ ኣዚዮም ዝስምዖም ሓፍረት ክገልጹን ከምኡ እውን እቶም መንእሰያት ዝብልዎም ክሰምዑን ከምዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ካልእን ከይኽሰት ኣቐዲምካ ኣብ ምጥንቃቕ ንዝህብዎ ዘለዉ ውሳኔ ንምምብራእቕ እውን ዝድግፍ ርክብ እዩ ቢሎም፡ እቲ ርክብ ምስ ነፍሲ ወከፍ እቶም መንእሰያት ከምዝነበረን፡ ስለዚህ ምስ ነፍሲ ወከፎም ዘካየድዎ ርክብ ካብ ክሳብ ዝብል ውሱን ጊዜ ዘይተውሃቦ ከምዝነበረ እውን ኣፍሊጦም።

ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣቐዲምካ ንምክልካል

ቅዱስ ኣቦና ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ ክጽለይን ብፍላይ ኣብዚ እዋን ስቓይ’ዚ ኩሉ ምስኦም ሓቢሩ ክጽልይን እቲ ዘካይድዎ ርክብ ህድኣትን ምትእምማንን ዝዓሰሎ ክኸውን እቲ ዝተሰናኸለ ሰብኣውን ክርስቲያናውን ጉዕዞ ክብገስን ከምዚ ዓይነት ናይ ወሲብ ዓመጽ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከርሲ ቤተ ክርስቲያን ከይፍጸም ብዓንተውኡ ንምክልኻል መታን ክከኣል ንምትሕግጋዝን ንምትሕብባርን ምጽላይን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሕብር ርክብ ምንባሩ ቡርከ ሓቢሮም፥ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 8 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ብዛዕባ እቲ ዓመጽ ንኸጻርዩን ንኽምርምሩን ዝለኣኸዎ ብናይ ማልታ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሺክሉና ዝምራሕን ኣብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ጉዳይ መርማሪ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ጆርዲ በርቶመው ዝርከብዎ ልእኽ ጉጅለ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሳንቲያጎ ደ ቺለን ነውዮርክን ምብጻሕ ኣካዶም ናይቶ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዝሃብዎ ምስክርነት መሰረት ዝገበረ ዘቕረብዎ ሰነድ መሰረት ገይሮም ናብ ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቶም ነቲ መርመራ ዘካየዱን እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ምስክርነቶም ንምሃብ ንዘርአይዎ ድላይ ኣመስጊኖም ኣስዒቦም፥

እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣአዳ ዝዀኑ ዝሃብዎ ቃል ምስክርነት ነጻን ተጽእኖን ዘይብሉ ብሓቒ ብዙሕ ሕይወት ኣብ መስቀል ከምእተሰቕለ ዘርእይ እዩ፡ እዚ ዝተፈጸመ ከቢድ ገበን ብሓቂ ስቓይ ይፈጥረለይን የሕፍረንን እውን፡ እቶም ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝፈጸምዎ ናይ ወሲብ ዓመጽ ካብ ኣካላዊ ማህሰይቲ ሓሊፉ ናይ ኣእምሮ ስቓይ እውን ዝፈጥር ምዃኑ ይርድኣኒ፡ ንጹሕ ዕድመኦም ዝተመንዝዑ ንጹሓን ኣሕዋት እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ ክጽለይን ብፍላይ ኣብዚ እዋን ስቓይ’ዚ ኩሉ ምስኦም ሓቢሩ ክጽልይን እቲ ዘካይድዎ ርክብ ህድኣትን ምትእምማንን ዝዓሰሎ ክኸውንን እቲ ዝተሰናኸለ ሰብኣውን ክርስቲያናውን ጉዕዞ ክብገስን ከምዚ ዓይነት ናይ ወሲብ ዓመጽ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከርሲ ቤተ ክርስቲያን ከይፍጸም ብዓንተውኡ ንምክልኻል መታን ክከኣል ንምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ምጽላይን ሓቅን ፍትሕን ምቕዳም ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ቡርከ ኣሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.