2018-04-30 17:49:00

ክርስትያናዊ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ካብ ርእዮተ ዓለም ዘይኮነስ ካብ ኢየሱስ እዩ ዝውለድ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰንበት ዕለት 29 ሚያዝያ 2018ዓምፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ንግሥተ ሰማያት ቅድሚ ምድጋሞም ‘ኩልና በቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘምጽኣልና ሃብቲ እናተመራሕናን እናነበርናን ቅዱሳን ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ትማሊ ሓሙሻይ ሰንበት ናይ ትንሣኤ ኮይኑ ንዕለቱ ዝቀረበ ወንጌል ካብ ዮሓንስ 15.1 “ኣነ እቲ ናይ ሓቂ ጒንዲ ወይኒ እየ፣ ተኻሊኡ ከኣ ኣቦይ እዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር ኲሉ ይቘርጾ፣ ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና ብዙኅ ምእንቲ ኪፈሪ የጽርዮ። ንስኻትኩም ከኣ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል ድሮ ንጹሓት ኢኹም። ኣባይ ንበሩ፣ ኣነውን ኣባኻትኩም ኪነብር እየ። ጨንፈር ኣብቲ ጒንዲ ወይኑ እንተ ዘይነበረ ካብ ርእሱ ኪፈሪ ከም ዘይኽእል፣ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይነበርኩም ከምኡ ኢኹም። እቲ ጒንዲ ወይኒ ኣነ እየ፣ ጨናፍሩ ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፣ እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነውን ኣብኡ፣ ንሱ እዩ ብዙኅ ፍረ ዚፈሪ፣ ምኽንያቱ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ከም ጨንፈር ንወፃኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፣ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። ኣባይ እንተ ነበርኩም፣ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ኃደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይኾነልኩም። ብዙኅ ፍረ እንተ ፈሬኹም ኣቦይ በዚ ኪኸብር እዩ፣ ንስኻትኩም ከኣ ደቀ መዛሙርተይ ኽትኮኑ ኢኹም።”  ዝብል ነበረ፣

ቅዱስነቶም ነታ ኣባይ ንበሩ እትብል ቃል ሓቀኛ ጉንዲ ዝኾነ ኢየሱስ ብዙሕ ፍረ መታን ክንፈሪ ከምዝዕድመና ከምዚ ክብሉ ገሊጾሞ፣

‘ካብ ገዛእ ርእስና ካብቲ ኣሲሩ ሒዙና ዘሎ ምቾት ካብቲ ውሕስነት ንክህበና ሓጺርናዮ ዘሎናዮ ነገራትን ንምውጻእን ኣብቲ ክፉት ባሕሪ ናይ ኣሕዋትና ግድነታት ከድና ንምስክርነት ክርስትናና ኣብ ዓለም ሰፊሕ ምስትንፋስ ንክንህቦ ትብዓት ክንረክብን ምስ ጐይታ ጠቢቅና ክነብርን ንጽዋዕ ኣሎና፣ እዚ ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ኢልካ ንካልኦት ኣብ ጸገሞም ምርዳእን ካብቲ ሙታን ዝተንሠኤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና እምነትን ንታርኽና ዘሰኒ መንፈስ ቅዱስ ዘሎና ርግጽነትን ይውለድ፣ ካብ ምስ ኢየሱስ ዘሎና ውህደት ይውለድ እምበር ብሓሳብን ብርእዮተ ዓለምን ዝጥንሰስ ኣይኮነን፣ በዚ ከኣ ከምቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ነሕዋትና ክሳብ መወዳእታ እናኣፍቀርና ሠናይ ነገራት እናገበርና ክነብር ከኣ ትሑዛት ኢና፣

‘ናይ ሓደ ኣማኒ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ብመጽናዕትን መደባት ብምሕንጻጽን ወይውን ማሕበራዊ ረድኤትን ኣተሓሳስበን ዘስዕቦ ከይመስለና። እዝስ ካብቲ ምስ ኢየሱስ ምርኻብን ምሳኡ ጠቢቅካ ምንባርን እዩ ዝውለድ፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ንሱ ንዓና መሠረትን ጉንድን ኮይኑ ናብ ዓለም ከድና ክንሠርሕን ክነፍርን ምንጪ ኩለንትናና ኮይኑ መስመር ሕይወትና ምሳኡ ምርኻብ እዩ፣ በዚ ከኣ ኩልና ቅዱሳን ንክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና፣ ከምቲ ጨንፈር ምስ ጒንዲ ጥቡቅ ርክብ ምስ ዝህልዎ ሕይወት ዘለዎን ፍረ ዝፈርን ንሕና እውን ምስ ጐይታ ከምኡ ዓይነት ርክብ ምስ ዝህልወና ናይ ሓዲስ ሕይወት ፍረ ናይ ምሕረትን ፍትሕን ሰላምን ክንፈሪ ኢና፣ እዚ ፍረ እዚ ከኣ ካብቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዝተዓደለና እዩ፣ ቅዱሳን ኩሎም ነዚ እዮም ዝገበሩ፣ ከምቲ ኣብ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተፈስሑ ወተሓሰዩ ተገሊጹ ከምዘሎ፣ ቅዱሳን ኩሎም ነዚ ጸጋ እዚ ተቀቢሎም ምስ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉኡ ብምውህሃድ ንክርስትያናዊ ሕይወት ብምልኣት ክነብሩን ብክርስትያናዊ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ሠናይ ተግባር ከኣ መስኪሮማ፣

‘ቅዱሳን ንምዃን ኣቡናት ካህናት ገዳማውያን ገዳማውያት ወዘተ ምዃን ግድነት ኣይኮነን፣ ንሕና ኩልና ቅዱሳን ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና፣  ነዚ ብፍቅሪ እናነበርናን ኣብ ዕለታዊ ናብራና ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ምስክርነትና እናሃብና ኢና ንገብሮ፣ ኩልና ንቅድስና ዝተጸዋዕና ስለዝኾነ ቅዱሳን ክንከውን ኣሎና፣ ነዚ ከኣ በቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዝልግሰልና ጸጋ ኢና ንገብሮ፣ ኣብ ዕለታዊ ናብራና እንገብሮ ሥርሕ ድዩ ዕረፍቲ ምስ ስድራና ነሕልፎ ግዜ ድዩ ምስ ማሕበረሰና እንነብሮ ኣብ ፖሎቲካዊ መሪሕነት ዘሎና ሓላፍነት ድዩ ባህላውን ሥነ ቊጠባውን ኣገልግሎት ንእሽቶ ነገር እውን ትኹን ምስ ክርስቶስ ብምውህሃድ እንተደኣ ገርናዮ ምስ ኣሕዋትና ብመንፈስ ፍቅርን ኣገልግሎትን እንተተመላለስና ነቲ ዝተጠመቅናዮን ወንጌላዊ ቅድስናን ብምላኣት ክነብሮ ኣየጸግመናን እዩ’ ቢሎም ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምስ ምእመናን ኣዕሪጎም፣

ድሕሪ ጸሎት ነታ ብዕለተ ቀዳም ኣብ ኽራኩፍ ሃገረ ፖላንድ ብጽዕቲ ንዝተባህለት ዓለማዊት ኣማኒት ሃና ክርዛኖውስካ ዘኪሮም ቀንዲ ምስክርነታ ምሉእ ሕይወታ ኣብ ኣገልግሎት ሕሙማት ኣወፍያቶ፣ እዛ ዕውቲ ብፅዕቲ እዚኣ ኣብቶም ተገልግሎም ዝነበረት ሕሙማት ገጽ ናይ ዝሳቀ ኢየሱስ ትርኢ ከምዝነበረት ድሕሪ ገሊጾም ንሕና እውን ናይዛ ሓዋርያ ሕሙማት ዝኾነት ዕውቲ ብፅዕቲ ኣብነት ንክንክተል ንለምን ኢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.