2018-05-01 17:00:00

ሕንፉጽ መርዓን ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቍርባንን፡ ርክብ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


ኣብ ጀርመን ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕንፉጽ መርዓ ዝነብሩ ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ፍቑድ ይዅን እንክብል ብዛዕባ ዝወሰዶ ውሳኔ ንኽመክር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 3 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ክርከብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ካቶሊክን ናይ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ምእመን ዝፍጸም መርዓ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ሱታፌ ክህልዎ ይኽእል እንክብል ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመን ዝወሰዶ ውሳኔ ኣብቲ ውሽጢ ቤት ምኽሪ ናይ ኣመለኻኽታን ኣፈጻጽማኡን ፍልልያት ክፈጥር ስለ ዝኽእል ሸውዓተ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣብ ጀርመን ትክረብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓደን ናይ ሓባር ጥርኑፍ መልሲ ክህልዋ መታን ምስ ቫቲካን ምምይጥ ምክያድ የድሊ እንክብሉ ብዘቕረብዎ ሓሳብ መሰረት ዕለት 3 ግንቦት 2018 ዓ.ም. መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ላዕለዎት ተሓባበርቲ ምሕደራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ጳጳሳዊ ኣባይቲ ጽሕፈትን ክራኸቡን ክዝትዩን ምዃኖም ዕለት 30 ሚያዝያ 201 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመን ውሽጢ ሸውዓተ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ንሳቶም ከኣ ናይ ባምበርጋን ከለንን ኣይጉስታን ኣይኽስታትን ጕይርሊዝን ፓሳውን ረገንስበርግን ሊቃነ ጳጳሳት፡ እቲ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብኣብላጺ ድምጺ ዘጽደቖ ውሳኔ ኣብ ትግባሬኡ ዘይምርድዳእ ከይፈጥር ብዝብል ሓሳብ ናብ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ናብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳሪያን ፈረር ዕለት 22 መጋቢት 2018 ዓ.ም. መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ናይ ከለን ሊቀ ጳጳሳት ከምዝሓበርዎ እቲ ካብ ዕለት 19 ለካቲት ካሳብ ዕለት 22 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢንግሎስታድት ዝተኻየደ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብኣብላጺ ድምጺ ዘጽደቖ ውስኔ ናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምልኣት ዝቕበሎ ውሳኔ መታን ክኸውን እቲ ኢደ ክፉት ብዝብል ኣርእስቲ ዝሓንጸጽዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕንፉጽ መርዓን ቅዱስ ቍርባንን ዝብል ውሳኔ ካቶሊክ ምእመን ምስ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመን ዝኣስሮ ምስጢረ ተክሊል ምኽንያት እቶም ሕንፉጽ መርዓ ዝነብሩ ንኹሉ ብድብድቡ ቅዱስ ቍርባን ክፍቀደሎምን ዝብል ዘይኰነስ ብግሊ ብዝቐርበሎም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ድጋፍን ልልያን መሰረት ዝውሰን ይኹን ዝብል ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ 

ናይ ሓባር ውሳኔ

እቶም ሸውዓተ ብፁዓን ጳጳሳት ናብ ቅድስቲ መንበር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምኽንያት እነሆ ዕለት 3 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ክካየድ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ መልእኽቲ ሽውዓተ ብፁዓን ጳጳሳት እምነትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነትን ዝምልከት ሕቶ ብምዃኑ ናይ ሓባር ውሳኔ ዘድልዮ እዩ ካብ ዝብል እማኔ ዝነቐለ ኰይኑ ኵላውን ተኸዋንን መልሲ የድሊ ዝብል ሓሳብ ኣብ መልእኽቶም ከምዘስመርሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ መልሲ

ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ እቶም ሸውዓተ ብፁዓን ጳጳሳት ቅድም ክብል ኣውጺኦምዎ ዝነበረ መልእኽትን ዘስመርሉ ዘጠራጥር ዝብልዎ ሓሳብ ከምዘገረሞምን እቲ ውሳኔ ብቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ብኣብላጺ ድምጺ ዝጸደቐ እዩ፡ እዚ ከኣ ናይቲ ቤት ምኽሪ ውሽጣዊ መምርሒ ብምስዓብ ክኸውን እንከሎ፡ ከምኡ እውን እቲ ዝጸደቐ ውሳኔ ንድፊ ደኣ እምበር ውዱእ ኣይነበረን እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ኣብቲ ዕለት 3 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ምስ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳሪያ ፈረርን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕጊ ሰነዳት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ማርኩስ ግራኡሊኽን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ናይ ዓንቀጸ እምበት ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣባ ሄርማን ጋይስለር ዝካየድ ርክብ ናይ ሙዩኒክን ፍሪሲንጋን ናይ ጀርመን ብፅዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ናይ ኮለን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ራይነር ማሪያ ወኤልኪን ናይ ሙስተር ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፈሊጽ ገንንናይ ስፒራ ጳጳስን ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገተ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ካርል ሃይንዝ ዋሰማንን፡ ናይ ረገንስበርግ ጳጳስን ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ድርገት ምኽትል ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሩዶልፍ ዎደርሆልዘርን ናይ ማግደቡር ጳጳስን ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ገርሃርድ ፋይገን፡ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ሃንስ ላንገንዶርፈርን ዝሳተፉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን

እቲ ዝካየድ ርክብ ኣብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 247 ዘሎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘስተንትን ነቲ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዕለት 25 መጋቢት 1993 ዓ.ም. ኣብ ዘውጸኦ ኣተግባሪ መሰረታዊ መምርሕታትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ መምርሕን ሰነድ ካብ ፍቕዲ 159 ክሳብ 160 ዘመልክቶ ኣምር ዘስተንትን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.