2018-05-02 15:25:00

ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ሮማ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ መካነ ንግደት መለኰታዊ ፍቕሪ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣፈት ከተማ ሮማ ናብ ዝርከብ ማርያማዊ መካነ ንግደት መለኰታዊ ፍቕሪ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ምስ ምእመና ሓቢሮም ብኣስተንትኖ ምስጢረ ሕማማት ዝተሰነየ ጸሎት መቁጸሪያ ደጊሞም ኣብ ሶሪያን ኣብቲ ሁከትን ውጥረትን ዝርኣየሉ ከባቢ ዓለም ሰላም ክረጋገጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ኣብ መለኰታዊ ፍቕሪ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ምስ በጽሑ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣቀባብላ ተገይሮም ናብቲ ቤተ መቕደስ መለኮታዊ ፍቕሪ ቅድሚ ምእታዎም ነቶም ኣብ ቅርዓት እቲ መካነ ንግደት ንዝተረኽቡ ምእመናን እናተዘዋወሩ ሰላምታ ኣቕሪቦም፥

ንዝገበርኵምለይ ድሙቕን በዓላዊ ኣቀባላ አምስግን፡ ብሓባር ኣብዚ ቅዱስ ስፍራ ክንጽልይ ስለ ዝኾንና ኣብ ጸሎት የራኽበና ደጊመ ስለ ዝገበርኵምለይ ኣቀባብላ አምስግን!  

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠና ቫቲካን ነውስ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ቅዱነቶም ኣብቲ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ኣትዮም ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ተኣምራዊት ማርያም ፊት ቆይሞም ብጸሎት መንፈስ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ምስኦም ሓቢሮም ብጽሞና ግላዊ ጸሎት ምስ ኣቕረቡ፡ ሓንቲ ኣባል ቁምስና መለኰታዊ ፍቕሪ፥ ናይ ሰላም ጸሎት ምእንቲ ሶሪያ፥ ፍቕርቲ ሶርያ ዘርእስቱ ጸሎት ቅዱነቶም ኣብ በዓለ ፋሲካ ፍርቂ መዓልቲ ንሮማን መላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ኣብ ዝሃብሉ ዕለት ዘቕረብዎ ጸሎት ልመና ከምእንተነበ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ሰላምን ዕርቅን ተስፋን ፍረ ንመላእ ዓለም ተመንዮም ካብታ መዕለቢ ዘለዎ ዘይመስል ኣብ ኣድማይ ቀጻሊ ውግእ ንእትርከብ ሃገረ ሶርያን ንመላእ ዓለምን ሰላም በማላድነት ተኣምራታዊት ማርያም እንከዕርጉ፥

እቲ ንብዙሓ ዘድምይ ዘሎ ውግእ ደው ክብልን ነቶም ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ኣሕዋናን ኣሓትናን ደገፍ ንምቕራብ መታን ክከኣልን እቶም ዝተመዛበሉ ብሰላም ናብ ኣባይቶም መታን ክምለሱ እግዚኣብሒር በማላድነት ቅድሰ ማርያም ንሕልና ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ክትንክፍ ንልምን

ዝብል ጸሎት ምስ ተነበ፥

ቅዱስ ኣቦና ምስ መላእ ምእመናን ሓቢሮም፡ ጸሎት መቑጸርያ ብናይ ሕማም ምስጢር ኣስተንትኖ ኣሰንዮም፥ ኢየሱስ ደም ክርህጽ ኣብ ጌተሰማንየ ክሳቐይን ኣብ መስቀል ክሽንከርን ሞቱን እናተንተኑ ሕማማትን ሞትን ኢየሱስ መገዲ ሰላምናን ድሕነትና እዩ ብዝብል ኣስተንትኖ ዝተሰነየ ጸሎት መቁጸሪያ ፈጺሞም፡ እቲ ቤተ መቕደስ ብምእመናን መሊኡን ብዙሓት ከኣ ኣብ ቅርዓት እቲ ቅዱስ ስፍራ ኰይኖም ኣብ ጸሎት ንዝሓበሩ ኰሎም ደጊሞም ሰላታኦም ንምቕራብ ወጺኦም ምስኦም ሓቢሮም ሰላም ለኪ ጸሎት ደጊሞምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዝሃቡ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብህየንተ ሰበኻ ሮማ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ደ ዶናቲስን ናይ ከባቢ ደቡብ ሰበኻ  ሮማ ተሓባባሪ ህየንተ ጳጳስ የኔታ ፓውሎ ሎዩዲቸን ማሕበር ውፉያን ደቂ መለኰታዊ ፍቕሪ ኣቦ መንበር የኔታ ኤንሪኮ ፈሮቺን ናይ መለኰታዊ ፍቕሪ ቅዱስ ስፍራ ኣመሓዳሪ ኣባ ቪንሰንት ፓሊፓዳንን ናይ መለኰታዊ ፍቕሪ ዘርኣ ክህነት ሓለቓ ኣባ ሉቻኖ ቻጋስ ኮስታን ናይ መለኰታዊ ፍቕሪ ቁምስና ቆሞስ ኣባ ጆን ሃርይ በመኦ ሳንቸስን ተሰንዮም ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ምንባሩ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.