2018-05-02 15:29:00

ኣዋጅ ብፅዕና ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ጃኖስ ብረነር “ታርቺዚዮ ዘሃንጋሪ”


ድሕሪ ክልተ ዓመት ክህነታዊ ኣገልግሎቱ ዝተቐለ መንእሰይ ካህን ኣግልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ያኖስ ብርነር ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሰረት ንቕዱስነቶም ብዝወከሉ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ዕለት 1 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣብ ካቴድራል ሳሎስቦልዶጋስዞንይ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፅዕና ከምእተኣወጀሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሮበርታ ባርቢ ሓቢረን።

እግዚኣብሔር ንዘፍቕር ኩሉ ንሰናይ ይዀነሉ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ኣባ ያኖስ ብረነር ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘስምዐን፡ ንኡስ ዕድሜኡን ኣብ ክልተ ዓመት ሕይወት ክህነቱን ስቓዩን መቕተልቱን ኵሉ ንሰናይ ኰነሉ፡ እዚ ድማ ንእግዚኣብሔር ፍጹም ፍቕሪ ስለ ዝነበሮ።

ሃንጋሪ ኣብ ኢድ ምልካዊ ስርዓት ዴስነት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ስድራ ቤቱ ዝነበሮም ናይ ጸሎት መንፈስ ጸዋዕታ ክህነት ጽን ክብል ከምዝደገፎን። ዘዕርጎ ዝነበረ ጸሎት ንብዙሓት ካብ ኣባይቲ ስድራኡን ደቂ ኣሕዋቱ ጸዋዕታ ክህነት ክቐበሉን ኣብ ውሽጢ ስድራኡ ጸዋዕታ ክጥጥዕ ከምዝገበረ ብፁዕ ካርዲናል ኣማቶ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም፡

ሃረርታይ ቅዱስን ተባሪኹ ዝባርኽ ንምዃን እዩ ዝበሎ ቃል ጠቒሶም፥ ስድራ ቤቱ ጸላይትን መቕጸሪያ ኣዘውታሪትን ሱታፌ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ እትነብርን ጸልያ ተጸልይ ስድራ ቤት ከምዝነበረትን ቅዱስ ቁርባን ንምክልኻል ኣብ 257 ዓ.ም. መስዋዕቲ ዝዀነ ታርቺዚዮ ገጸ ባህርይ ተላቢሱ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ኣብቲ ናይቲ ቅዱስ ናይ ሕይወት ታሪኽ ኣብ ዘዘንትዎ ተዋስኦ ብቐዳምንት ከምእተዋሰኤን እዚ ከም ናይ ተዋስኣይ ኣብ ትያትር ተላቢሱ ዝገለጾ ቅዱስ ታሪኽ ታርቺዚዮ ኣብ ሕይወቱ ዘጋጠሞ ምዃኑ ኣብ ማህደር ታሪኽ ሕይወቱ ተመልኪቱ ከምዘሎን ሰማዕትነት ታሪኽ ታርቺዚዮ ኣብ ሕይወቱ ከምእተደግመን ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ኣብ ገዳመ ሲታውያንን ደሓር እውን ኣብ ፕረሞታረንሲን ተማሂሩ ተመክሮ ኣትዩ ኣናስታዚዮ ዝብል ናይ ገደማዊ መጸውዕ ስም ተዋሂብዎ ገዳማዊ ሕይወት ኣብ ምንባር እንከሎ፡ ኣብ ሃንጋሪ ኣሳዶ ክርስቲያን እዚዩ እናዐበየን እናሰፍሔን ይኸይድ ስለ ዝነበረ ገዳማዊ ሕንጸት ብሑቡእ እናፈጸመ ደሓር ናብ ናይ ሰበኻ ቤት ትምህርቲ ፍልስፍና ቲዮሎጊያን ንምክትታል ከምእተዛወረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ባርቢ ስብከት ብፁዕ ካርዲናል ኣማቶ ጠቒሰን ይሕብራ።

ብሕይወቱን ብትሕትናኡን ንእግዚኣብሔርን ንቤተ ክርስቲያንን ነሕዋትን ኣሓትን ዝነበሮ ፍቕሪ ንዅሉ ዝማርኽን ኵሉ ከም ኣብነት ይርእዮ ከምዝነበረን ብፁዕ ካርዲናል ኣማቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከቶም ገሊጾም፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ርሒቖም ዝነበሩ ክምለሱን ነዘሳድድኹም ጸልዩን ባርኹን ዝብልን ኣብ 1956 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋሪ ዝነበረ ስርዓት ዴስነት ጸረ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያን ንምዕናውን ማሕበረ ክርስቲያን ንምጽናት ዝፍጽሞ ዝነበረ ግብረ ኣሳዶን ጸቕጥን ተቐቢሉ ኩሉ ሰናይ ክኸነልና እዩ እናበለ ነቕ ዘይብል እምነት ይምስክር ከምዝነበረ ማህደር ታሪኽ ሕይወቱ ጠቒሶም ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ባርቢ ኣስዒበን፥ መንእሰይ ካህን ብረነር ነቲ ኣብ ሃንጋሪ ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት ዴስነት ዕንቅፋት ስለ ዝዀነ ናይ ሰበኻኡ ጳጳስ ንሓደጋ ከይቃላዕ ቢሎም ናብ ካልእ ከባቢ ንኽቕይርዎ ድላዮም ምስ ገለጽሉ፡ ሕይወተይ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር እያ እሞ ኣብዚ ምትራፍ ይሕሸኒ ኩሉ ንረብሓይ እዩ ቢሉ ከምዝመለሰ ብፁዕነቶም ከምዘዘኻኸሩ ኣፍሊጠን።

ዕለት 15 ታሕሳስ 1957 ዓ.ም. ሓደ መንእሰይ  እዚዩ ዝሓመሞ ሓወቡኡ ቅድሚ ሙማቱ ኣባ ያኖስ ከብጽሖን ከናዝዞን ምስ ሓተቶ፡ ቅብኣ ቅዱስን ቅዱስ ቁርባንን ሒዙ እናኸደ እንከሎ፥ ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተቐበለ፡ ብፁዕ ካርዲናል ኣማቶ ሓቢሮም፥

መንእሰያት ወንጌል ክስዕቡ ዝሓንጽን እግዚኣብሔን ብጻይካን ምፍቃር ዝምስክርን። ንድኻ ቀረባ ንዝተባተኹ ኣባይቲ ስድራን ብኡሳት ዘቀራርብን ዘታዓርቕን፡ ብዅሉ ፍቑር ዝዀነ ካህን፡ ፍቑር ምዃኑን ኰታ ብቓልን ሕይወን ዝነብሮን ዝገልጾን ዝነበረ እምነት ነቲ ዝነበረ ዓፋኒ ስርዓት ካብ ውግእ ኣጽዋር ንላዕሊ ዘርዓደ ነቲ ኢእግዚኣብሔራውነትን ጸረ ክርስቲያናውነትን ባህሊ ብእምነትን ብፍቕርን ሰማዕትነትን ዝተዋግአ ወዲ ቤተ ክርስቲያን እዩ

እክብሉ ብፁዕ ካርዲናል ኣማቶ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ባርቢ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.