2018-05-02 15:32:00

ጸረ ሃማኖታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ


ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ እናዓረገ እንከሎ ካብ ኣፈት ኰይኖም ገለ ገለ ሰባት ናብ ውሽጢ ብዝፈነውዎ ናይ ኢድ ቦምቢ ባርዕ ምኽንያት ሓደ ካህን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 16 ሰባት ከምእተቐትሉ ዝሓበረ ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ሕክምና ዘቕርብ ደብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ካብ ዘመሓላለፎ ምንጪ ዜና ክፍለጥ እንከሎ እቲ ምንጪ ዜና ኣስዒቡ ማሕበር ሕውነት ቅዱስ ዮሴፍ ኣባላት ምእመናን ኣሳቲፉ ኣብ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ቤተ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ እናዓረገ እንክሎ ዝተፈጸመ ናይ ቦምቢ መጥቓዕት ምዃኑ የመልክት።

ኣኣብታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርሒ ግንቦት 2014 ዓ.ም. መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ከምዝነበረ ክዝከር ኣንከሎ፡ በቲ ናይ ዕለት 1 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ጸረ ክርስቲያን መጥቃዕቲ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም 16 ክዀኑ እንከለዉ ቅጽሮም ክብ ክብል ከምዝኽእልን ብዙሓት ቀሊልን ከቢድን ማህሰይቲ ዘጓነፎም ከምዘለዉ ዶብ ኣልባ ማሕበር ሓኻይም ዘፈነዎ ምንጪ ዜና ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.