2018-05-03 16:39:00

እምነትሲ ብፍቅርን ብምስክርነትን እዩ ዝመሓላለፍ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እምነት ንምትሕልላፍ ዘመላኽቱ ነገራት እንክትንትኑ ‘እምነትሲ ብፍቅርን ብምስክርነትን እዩ ዝመሓላለፍ! እምበር ኣነ ዝኣመንክዎ እመን ብዝብል ኣኽራሪ ሓሳብ ዝስበኽን ብምስዳዕ ዝመሓላለፈን ኣይኮነን ወይውን ከም ናይ ኩዕሶ ጋንታታትን ከም ማእከል ባህላዊ ነገራትን ደገፍቲ ንክትረክብ እተዋዕውዖ ኣይኮነን፣ ብፍቅሪ ምምሳካር እዩ እቲ ቀንዲ’ ኢሎም፣ 

ብናይ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ንሎሚ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ካብ 1ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ 151-8 ኮይኑ  “ሕጂ ከኣ ኣኅዋተይ፡ ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል ከዘክረኩም እደሊ ኣሎኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን ብእኡ ድማ ጸኒዕኩም እትነብሩ ዘሎኹምን እዩ። ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ኣጽኒዕኩም ኂዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ ብእኡ ድኂንኩም ኢኹም፣ እንተ ዘይኮነ እምነትኩም ከንቱ እዩ። ነቲ ኣነ ዝተቐበልኩዎ፡ ቅድሚ ኲሉን ልዕሊ ኲሉን ገይረ ኣመኃላሊፈልኩም እየ፣’ ዝብል ክፍሊ ይርከቦ፣

ቅዱስነቶም ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ካልእ መልእኽቱ ብእምነት ኣቦ ከምዝኾነ ዝገልጾ ብምዝካር ቅዱስ ጳውሎስ ኣብዚ ዘምህረና ‘እምነት ትወልዶ እምበር ኣይትዕድሎን፣ እምነት ምትሕልላፍ ማለት ሓበሬታ ምትሕልላፍ ዘይኮነስ ኣብ እምነት ክርስቶስ ልቢ ሰባት ምቅራብ እዩ፣ ትምህርቲ ክርስቶስ ተማሂረ እዚ እባ እፈልጥ እዚ እባ እኣምን ዘይኮነ ከምቲ ቤተክርስትያን ከም ኣደ ብእምነት ደቃ እትወልዶ እዩ፣

‘እምነት ምትሕልላፍ ማለት ሓበሬታ ምሃብ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ንልቢ ኣነቃቂሕካ ኣብ እምነት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝበጽሕ ምግባር እዩ፣ ብዝረኤን ዝጭበጥን መካኒካዊ ዝኾነ መንገዲ ኣይኮነን እምነት ዝመሓላለፍ፣ ነዚ መጽሓፍ ውሰድ እሞ ኣጽናዓዮ ደሓር ከጠመቀካ እየ ቢልካ እውን ኣይኮነን፣ እምነት ንምትሕልላፍ ዘድልስ ካልእ ጉዕዞ እዩ፣  ነቲ ዝተቀበልናዮ እምነት ኢና እነመሓላልፍ፣ ናይ ክርስትያን ቀንዲ ገድሊኸስ እዚኣ እያ፣ እምነትካ ኣብ ምትሕልላፍ ፈርያም ምዃን፣ እዚ ግድል እዚ ናይ ቤተክርስትያን እውን እዩ ብእምነት ንክትወልድ ፈራዪት ኣደ ክትከውን ኣለዋ፣

እምነት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንክመሓላለፍ ካብ ኣደዓባይ ናብ ኣደ እንክሰጋገር ፍሉይ ፍቅሪ ኣለዎ፣ እምነት ብቃላት ጥራይ ኣይጐዓዝን ብፍቅርን ርሕራሔን ብላህጃ ውሉድን ወላድን ይመሓላለፍ፣ ኣብዚ ጥራይ ከይተሓጽረ እተን ንሕጻናት ከዕብያ ከም በይቢ ሲተር ዝበሃል ኮይነን ዘገልግላ እውን ብዓቢ ጥንቃቄ ነቶም ከዕብያኦም ሓደራ ዝተዋህባኦም እምነት የመሓላልፋ እየን፣ ቀንዲ መጋበሪ ኣብዚ ምጥሕልላፍ እምነት ፍቅሪ እዩ፣ ካልኣዩ ከኣ ምስክርነት፣

‘እምነት ምትሕልላፍ ኣኽራርነት ኣይኮነን ካልእ ነገር እዩ ካብዚ ኣጸቢቁ ይዓቢ፣ ንጋንታ ኩዕሶ ወይ ንክለብካ ወይውን ሓደ ባህላዊ ማእከል ዝድግፉ ሰባት ከም ምድላይ ኣይኮነን፣ እዚ ኣብ ዓውዱ ጽቡቅ ክኸውን ይኽእል ኣብ ኣምነት ግን ኣይሰርሕን፣ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ‘ቤተክርስትያን ብኣኽራርነት ዘይኮነ ብስሕበት እያ እተዓቢ’ ክብሉ ጽቡቅ ገሊጾሞ፣ እምነትከስ ብስሕበት ብምስክርነት እያ እትመሓላለፍ፣ እዚ ምስክርነት እዚ ብግዜኡ ውጥምና ይፈጥር፣ ከመይ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ብጽድቂ ዘመላልሰና ነገራት ከም እምነትና ክነብሮ ምስ እንጅምር እቶም ዝርእዩና ክፈልጡ ሃንቀው ይብሉ ውጥምና ይሕዞም፣

‘ምስክርነትከስ ኣብ ልቢ እቶም ዝዕዘቡና ውጥምና ይወልድ፣ እዚ ውጥምና እዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ይቅበሎ እሞ ኣብ ውሽጢ ልቡ ክሰርሕ ይጅምር፣ ቤተክርስትያን በዚ ከምዚ ሰዓቢ ነገራት ትኣምን በዚ ከኣ ትዓቢ፣ ምትሕልላፍ እምነትከስ ክሳብ ሰማዕትነት ብምምስካር ይፍጸም፣ ምስቲ እንብሎ ዕለታዊ ናብራና እንተተወሃሂዱ ወትሩ ውጥምና ይፍጠር፣ ከመይ ኢሎም እዮም ከምዚ ክነብሩ ዝኽእሉ! ከመይ ኢሎም እዮም ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ከምዚ ኢሎም ዝጽመዱ! ዝብል ሕቶ ይመጽእ፣ ነዚ ውጥምና እዚ እዩ እምበኣር መንፈስ ቅዱስ ከም ዘርኢ ወሲዱ ንቅድሚት ዘሰጒሞ፣ ምትሕልላፍ እምነትከስ የጽድቀና፣ መጠን እቲ ንካልኦት ሓቀኛ ጽድቂ ናይ እምነት እንመሓላለፎ መጠኑ ከኣ እምነት የጽድቀና፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.