2018-05-04 13:19:00

ኣቡናት ንምእመናኖም ካብ ዘጋግዩ ክከላኸሉሎም ኣለዎም! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ ቅዳሴ ብዛዕባ ሥራሕ ኣቡናት ኣብ ዝተዛረቡሉ `ኣቡነኣት ንምእመናኖም ክጓስዩን ኣብ እምነት ከጽንዑን ዝተጸውዑ ስለዝኾነ ኣብ ቤተክርስትያን ሓደራ ሓለዋ ጓሶት ከይጐድል፣ ኣቡናት ወትሩ ጥቃ ምእመናኖም ኮይኖም ኣብ ማእከሎም ክነብሩን ካብ ተዃሉ ክከላኸሉሎምን ኣለዎም` ኢሎም፣

ብግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ሎሚ ዝተነበ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግብረ ሓዋርያት 15 ኮይኑ “ሽዑ እቶም ሓዋርያትን መራሕትን ምስ ኲላ ቤተ ክርስቲያን ኾይኖም፡ ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾኪያ ዝሰድዎም ሰባት ካብ ሞንጎኦም ኪኃርዩ መደቡ፣ ስለዚ ከኣ ነቶም ኣብ ማእከል ኣኅዋት ምርኡያት ዝነበሩ፡ በርሰባስ ዚብልዎ ይሁዳን ሲላስን፡ ለኣኹ። ምስኣቶም ድማ ከምዚ ዚስዕብ እትብል መልእኽቲ ሰደዱ፡- “ንሕና ሓዋርያትን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣኅዋትኩም ነቶም ኣብ ኣንጾኪያ ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቂያን ካብ ወገን ኣሕዛብ ንዘሎኹም ኣኅዋት ሰላም ንብለኩም ኣሎና። ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ካባና ወፂኦም ክትግዘሩን ሕጊ ክትሕልዉን ኢሎም ብቃሎም ከም ዝሃወኹኹምን ንልባትኩም ከም ዘዕገርገሩን ሰሚዕና ኣሎና። ስለዚ ምስ እዞም እነፍቅሮም ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወቶም ዝወፈዩ፡ በርናባስን ጳውሎስን፡ ናብኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንኃሪ ብሓደ ዄንና መደብና። እንሆ ድማ ነዚ ነገር እዚ ካብ ኣፎም ምእንቲ ክትሰምዕዎ ይሁዳን ሲላስን ሰዲድናልኩም ኣሎና። ብዘይካ እቲ ዝተገብአ ገለ ኃለፋ ፆር እኳ ከይነኽብደልኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና ኣሎ። ስለዚ ንርእስኹም ንጣዖት ካብ ዝተሠውዐ ምግብን ካብ ደምን፡ ካብ ሥጋ ዝሓለቐ እንስሳን ካብ ዝሙትን ተኸልከሉ። ካብዚ እንተ ተኸልኪልኩም ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ደሓን ኹኑ።” እቶም ልኡኻት ድማ ምስ ተፋነዉ ናብ ኣንጾኪያ ወረዱ፣ ነታ ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም ከኣ ነታ መልእኽቲ ሃቡዎም። ንሳቶም ከኣ ምስ ኣንበቡዋ በቲ ዜጸናንዕ ትኅዝቶኣ ተሓጐሱ።” ዝብል ነበረ፣

ቅዱስነቶም ካብዚ ንባብ’ዚ ነቂሎም ‘ንእምነት ምሕላውን ኣብ ከምዝጸንዑ ምግባርን’ ንዝብል ሓሳብ ወሲዶም ንሕዝቢ እግዚብሔር ዘዕገርግሩን ዘስድዑን ብዘይከውን መንገዲ ዝመርሑን እንክርከቡ ከምቲ ጴጥሮስን ካልኦት ሓዋርያትን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ዝገበርዎ እሞ እቶም ምእመናን ከኣ መልእኽቲ ምስ ተነቦም ዝተሓጐስዎን ምትብባዕ ዝተሰመዖንም ጳጳሳት እውን ከምኡ ክጓስዩን ከጽንዑን ኣለዎም፣ ኣቡን ማለት ተጊሁ ዝሕሉ እዩ፣ ዋርድያ ማለት እዩ፣ እዚ ከኣ መንጣሊ ተዅላ መጺኡ ንመጓሲኡ ከይምንጥል ይሕሉ፣ ሕይወት ሓደ ኣቡን ምስ ሕይወት መጓሲኡ ዝተኣሳሰረ እዩ ክኸውን ዘለዎ፣ ስለዚ ኣቡን ጓሳ ኰይኑ ይሕሉ፣ እዚ ከኣ ንሥራሕ ኣቡን ጽቡቅ ገሩ ይገልጾ፣

‘ለይትን መዓልትን ምሕላው ማለት ኣብ ናብራ እተን መጓሰኻ ምዃን እዩ፣ ኢየሱስ ንሕያዋይ ጓሳ ካብ ዕሱብ ጓሳ ፈልዩ ይነግረና፣ እቲ ዕሱብ ገንዘቡ ጥራይ ስለዝሓስብ ብዛዕባ እተን መጓዘ ኣይግደስን ይብል ኣንተ እቲ ሕያውዋይ ጓሳ ብቀጻሊ ይሕሉ፣ ይከላኸለለን፣ ብሓፈሻ ዘይኮነ ኸኣ በብሓንቲ፣ ዝጠፍኤት እንተላውን ደልዩ ይረኽባ፣ ወላ ሓንቲ ክትጠፍእ ኣይደልን፣ ስለዚ ኣቡናት ወትሩ ኣብ ጥቃ ሕዝቦም ክኾኑ ኣለዎም፣ ሓቀኛ ኣቡንከስ ከምቲ ሕያዋይ ጓሳ ንነፍሲወከፍ በጊዕ ዝፈልጣ ንምእመናኑ በብሽሞም ይፈልጦም፣  እተን መጓሰ እውን ነቲ ሓቀኛ ጓሳ ማለት ሓቀኛ ኣቡን ይፈልጦኦ እየን፣

‘ክንደይ ግዜ እዚ አቡን እዚ ሕያዋይ እዩ ኮይኑ ግን ኣይጓስየናን ብካልእ ሥራሕ ተዋሒጡ ኣሎ፣ ወይውን ኣየ እዚ ኣቡን እዚ ከኣ ኣብ ሸቀጥ ኣትዩ፣ ወይውን እዚ ኣቡን እዚ ምስ መዓርጉን ተልእኮኡን ዘየሳኒ ነገራት ይገብር ኣሎ ወይውን እዚ ኣቡን እዝስ ምንያ ኰለል ኰይኑ ሳንጣኡ ካብ ኢዱ ወሪዳ ኣይትፈልጥን ኣብ ኩሉ ትርእዮ ወዘተ ዝብል ዘረባ ካብ ሕዝበ እግዚብሔር እንክትሰምዕ ሕያዋይ ጓሳ መን ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ማለት እዩ፣ መን እዩ ኣብ ጥቃኦም ምሳኦም ኮይኑ ዝጓስዮም ይፈልጡ እዮም፣ ስለዚ ሓደራ ሓለዋ ጓሶት ከይጐድል፣

ቅዱስ ቱሪብዮ ደ ሞግሮቨዮ ዝበሃል ኣቡን ኣብ ሓደ ቊሸት ብምእመናኖም ተኸቢቦም መይቶም፣ ናይ ሓደ ሓቀኛ ኣቡን ሞት እውን ከምኡ እዩ ክኸውን ዘለዎ፣

‘ይያዎት ጓሶት ክህበናን ኣብ ቤተክርትያን ሓለዋ ጓሶት ከይጐድልን ብዘይ ጓሶት ከይንትረፍን ጸጋኡ ክህበና ንጐይታ ንለምኖ፣ እቲኦም ዝህበና ጓሶት ከኣ ትጉሃት ሠራሕተኛት ናይ ጸሎት ሰባት ወትሩ ኣብ መንጎ ሕዝቢ እግዚብሔር ዝርከቡ ብሓጺሩ ብቀጻሊ ክጓስዩ ዝኽእሉ ሰባት ንኽህበና ንለምኖ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.