2018-05-08 16:00:00

መቕድም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሓዳሽ መጽሓፍ ራትዚንገር፥ ጽግዕተይናነት ኣብ እግዚኣብሔር እውነተይና ናጽነት


ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “እምነትን ፖለቲካን”  ቅዉም ሓሳብ ኣብ ዝገበረ፥ ናጽነት ናጻ ምውጻእ (ሓርነት ምሕራር)- እምነትን ፖለቲካን ኣብ ሳልሳይ ሽሓዊ መዋእል” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ስደረስዋ መጽሓፍ መቕድም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተደርሰ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ናይ ቅዱስነቶል ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ራትዚንገር መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ካንታጋሊ ዝተሓትመ ኰይኑ ዕለት 11 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ንንባብ ክበቕዕ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኢዛበላ ፒሮ ሓቢሮም።

እቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝደረስዎ መጽሓፍ ህልው ኩነታትና ንምስትውዓልን ጽኑዕ ምብረቓ ንመጻኢ ንምርካብ ዝመርሕ ዳርጋ ቦሶላ ክበሃል ዝኽእል ክኸውን እንከሎ፡ ከምኡ እውን ፖለቲካ ስድራ ቤትን ምትሕብባርን ማዕርነትን ዘማእከለ መርሓ ግብሪ ዘመላኽትን ነዚ መራሓ ግብሪ’ዚ ተግባሪ ኣብ ምዃን ንመጻኢ ብነዊሕ ዝጥምት እርሒቑ ዝጥምት ክኸውን ዝመርሕ እውን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝደረስዎ መቕድም የምልክቱ።

እቲ መጽሓፍ ዕለት 11 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣደ መንበር ማሪያ ኤሊዛበታ ኣልበርቲ ካስተላቲን ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍሉዩ ጸሓፊ ዝነበሩ ናይ ቤተ ጳጳስ ህየንተ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጊዮርግ ጋንስዋይንን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ኣንቶኒዮ ታያኒን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ትረየስተ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጃንፓውሎ ክረፓልዲ ተረኺቦም ዘረባ ኣብ ዘስምዕሉ ዓውደ ጉባኤ ንንባብ ዝበቅዕ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ፒሮ ሓቢረን።

ናጽነት ተኣዝዞ ንእግዚኣብሔር

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝደረስዎ መቕድም፡ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ገና መንእሰይ እውን እንከለዉ፥ ብዙሕ ጊዜ ውሱን ተኣዝዞ ንመንግስቲ  ንእግዚኣብሔር ናይ ምእዛዝ ናጽነት ባይታ ዘጣጥሕ ምዃኑ ኣብ ዝብል ሓሳብ ሰፊሕ ናይ ኣተኵሮኦም ማእከል ዝገበሩ ምንባሮም እውን ጠቒሶም፡ ራትዚንገር እቲ ምልካዊ ስርዓት ናዚ ናይ ክፍኣት መንፈስ ናይ መላእ ሰብኣዊ ተኽእሎታትን ተስፋታትን ኣብ ገዛእ ርእሱ ክዓጽው ዝተበገሰ ናብ ሰይጣናውነትን ምልካውነትን ዝተቐየረ ስርዓት ብኣካል ዝተመከርዎ ጽንኩር ኵነት ብምንባር ንእግዚኣብሔር ናይ ምእዛዝ ናጽነት ምሉእነት ተኣዝዞ ንመንግስቲ ምግዳብ ዝብል ናይ እውነተይና ትርጉም ናጻነት ብሰፊሕ ዝተንተኑ ምዃኖም የመልክቱ።

ንድኻታት ሓለፋ ናይ ምባል ኣተኵሮ

በነዲክቶስ መበል 16 ማርክሳዊ ምልካዊ ስርዓትን ኢእግዚኣብሔራዊ ርእየት ዓለምን ግቡእ እየ ብሃልነቱ ኣብ ሕቶ ብምእታው፡ እውነተይና ምስሕሓብ ኣብ መንጐ ማርክሳውን ክርስትናን ንራትዚንገር፡ ካብ ንድኻታት ሓለፋ ካብ ዝብል ኣተኵሮ ዝምንጭው ኣይኰነን፡ ስለምንታይ ኣብ ጐድኒ እቲ እውነተይና ህላዌ ኢየሱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅዱሳት ምስጢራትን ካልእ ዓይነት ህላዌነት ክርስቶስ እውን ከምዘሎን ንሱ ኽኣ ኣብ ነኣሽቱን ዝተናዕቁን ዝተጨቆኑን ኣብኣቶም ኣንሕናን ክንረኽቦ ፍቓዱ ኣብ ዘንብረሉ ሰብኣዊ ኩነት እውን ኣሎ። እቲ ዓቢይ ፍልልይ ከኣ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ድሕነት ምንጪ መንነት ምዃኑ የብርሁ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥

         እውነተይና ድሕነት ሰብ ኣብቲ እውነተይና ናጽነት ናብ ዝዀነ ፍቕሪ ምሉእ ጽግዕተይና ኣብ ምዃን እዩ

ይብሉ።

ዓቢይ ስግኣት መግዛእቲ ሕልና

ኣብ ሎማዊ ኵነት ዓለም ሰብ ናብቲ ዓቢይ ስግኣት መግዛእቲ ሕልና ዘእትው ንናይ ገዛእ ርእሱ ኣንነት ወይ ባዕላውነት ፍቕሪ ዘተኵረ ብምዃኑ ጾታዊ ፍልልይ ይኽሕድ (ኣንስትን ተባዓትን ዝብል ጾታ ዝኽሕድን) ሰብኣዊ ተራብሖነት ውልዲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ውጣኔታት ክድርቶ ይፍትን። በዚ ኣቢሉ ናብቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ኣመክንዮ ዘይተፈጥረ ቢሉ ንዝሓስቦ ይኽሕድ፡ ንኣብነት ድቂን ህያብን ዝፍጠርን ይኽሕድ፡ ብሰብኣዊ ኣመክንዮ ዝፍጠር ጥራሕ ናብ ምቕባል ፍቓደይና ይኸውን። እዚ ሰብኣዊ ተምሳል’ዚ መሰልን ክብርን ሰብኣዊ ኰይኑ ይረይን ይሕሰብን፡ እዚ ኩሉ ናብ ርእሰ ዕንወት ሰብ የመብርቕ ስለምንታይ ሰብ በቲ ነጻነቱን ክብሩን ብዝከላኸለሉ ብእግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ምዃኑ ስለዝኽሕድ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ኣስዒቦም፥

ንሰናይነት ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ስድራ ቤት ምክልኻል (ምክንኻን)

ሰብ ካብቲ ዘንእሶ (ሰብኣውነቱ ዝንክይ) ርእየት ዓለም ምክልኻል፡ እዚ ማለት ከኣ ኣብቲ ምእዛዝ ንስርዓተ መንግስቲ ዝውስን ተኣዝዞ ሰብ ኣብ እግዚኣብሔር ምቛም ማለት እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብዚ ብዙሕ ውሉጥነት ዝርኣየሉ እዋናዊ መዋዕል ስድራ ቤት ናይ ሰብኣዊ መጻእነት ብቤተሰብ ዝሓልፍ ብምዃኑ ንናይ ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ሰናይነት ወሳኒ ስለ ዝኸውን ንስድራ ቤት ምክልኻልን ምክንኻንን ግድን እዩ ብዝብል ሓሳብ ዝደረስዎ መቕድም የጠቓልሉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.