2018-05-08 15:55:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ጋዜጠይናነት ንሰላም ኣብ ሰብኣዊ ኣገልግሎት


ሰንበት ዕለት 13 ግንቦት 2018 ዓ.ም. መበል 52 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሃን ተዘኪሩ ዝውዕለሉ ዕለት ብምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “… ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ፡ ናይ ሓሴት ዜናን ጋዜጠይናነት ንሰላምብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ናይ ሰላም ጋዜጠይናነት ምንቕቓሕ፡ ጋዜጠይናነት ብሰብ ንሰብ ዝፍጸም እዩ፡ እዚ ዓቢይ ብድሆ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ኣቦና ንዓለም መራኸቢ ብዙሓን ብምኽንያት መበል 52 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ብምሕባር፡ እዚ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ምራኸቢ ብዙሓን ኣብ ብዙሓት ሃገራ ዕለት 13 ግንቦት ዝበዓል እውን ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ፍልሰታ ለማርያም እተብዕለሉ ዕለት እውን እዩ፡ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 24 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ሓቅን ጋዜጠይናነት ንሰላምን ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝተማእከለ ኰይኑ ቅዱስነቶም ጋዜጠይናነት ነገልግሎት መላእ ዘርኢ ሰብ ብፍላይ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ክኸውን ከምዘለዎ ኣጽኒዖም ይምዕዱ፡ ጋዜጠይናነት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ነቲ ቃላውን ያዕያዕታዊ ዓመጽን ካልእ ኣማራጺ መፍትሒ ዘቕርብ ክኸውን ከምዘለዎ የተሓሳስቡ።

ጋዜጠይናታት ኣገልገልቲ ሓቂ ንውልቃዊ ረብሓ ኣይፋል በሃልቲ

ኣብ መንጐ ጋዜጠይናነትን ሰላምን ኣብ መንጐ ሓበሬታን ናይ ምርኻብ ባህልን ዘሎ ምትእስሳር ብቕዱስ ኣቦና ኣዚዩ ኣገዳስነት ዝወሃቦ ክኸውን እንከሎ ናይ መልእኽቶም ማእከል እውን እዩ። ኣብቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣመሓላሊፈምዎ ዝነበረ መልእኽቶም፥ ሸለልተይናነትን ዘይተገዳስነትን ንምስናፍን ሰላም ኣብ ምሕናጽ መራኸቢ ብዙሓን ዓብይ ሓላፍነት ከምዘለዎ ብጥልቂ ከምዘተሓሳሰቡ እንክዝከር። እዚ ኣብ ሓቂ እምበር ኣብ ውልቃዊ ረብሓ ብዘይምዝምባል ክኸወን ከምዘለዎ የተሓሳስቡ፡ ስለዚህ እዚ  ናይ ለምዘበን መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና፥ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ንመንእሰያት ሓበሬታ ጥራሕ ዘቕርብ ዘይኰነስ ናይቲ ሓበሬታ ተቐባሊ ስለ ዝዀነ ጋዜጠይናታት ሓበሬታ ካበይን ከመይን ከምዝረኽብዎን ከምዘስፍሕዎን ኣብ ምዝርጋሕ ሜላታት ትኵራት ክዀኑ ከምዝግብኦም የተሓሳስብ።

         ድምጺ ንዘይብሉ ድምጺ ዝህብ ጋዜጠይናነት

ሓበሬታ ናይ ሕንጸት እምበር ናይ ዕንወት መጋበሪያ ክኸውን የብሉን

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ናይ ለምዘበን መልእኽቶም ዕለት 22 መስከረም 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ማሕበር ጋዜጠይናታት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ ጋዜጠይናነት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ደጊሞም ብምቅላሕ፡ ርእይቶ (ነቃፊ) ልክዕ መንፈስ ክፍኣት ክዅነን ከምዘለዎ ብትኽክል ኣብ ምኽባርን ምክብባርን ተሰሪቱ ዝቐርብ ክሳብ ዝኸውን ግቡእን ቅኑዕን እዩ።

ጋዜጠይናንት ሰባትን ካብዚ ብዝሓለፈ እውን ንሕዝቢ ዝሓንጽ እምበር ዘዕንው ክኸውን የብሉን። ወይ ኣብ ቅድሚ ዝኽሰቱ ለውጥታት ፍርሒ ዝዘርእ፡ ለውጥታት ዝፈርሕ ኽኸውን የብሉን፡ ንኣብነት እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብምኽንያት ውግእን ድዩ ብጥምየት ዝኽሰት ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ክፍጠሮ ዝኽእል ፍርሒ ከራድጉድ ኣይግብኦን። ጋዜጠይናነት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ናይ ሕንጸት መጋበርያ እዩ ክኸውን ዝግብኦ፡ ናይ ሓባር ጥቅሚ ረቛሒ ዘመላኽት፡ ከይድታት ዕርቂ ዘሳልጥ ንናይ ምርኻብ ባህሊ ባይታ ዝፈጥር ክኸውን የተሓሳስቡ።

ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሰላም ወንጌል ዘበስር

ኣብ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ብዅሉ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለን ማሕበራውያን መጋበርያታት ብምጥቃም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰላም ወንጌል ናይ ምብሳር ተልእዀ ክሓብሩ ንናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘተሓሳሰብዎ ቃል ተወኪሶም፡ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብቲ ናይ ውድቀት ምረት ጥራሕ ኣብ ዝፈልጥ ሕይወት እቲ ንኹሉ ዝዀነ ተስፋ ኣስተንፍሶ ዝገብር ይዅን ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጂሶቲ የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.