2018-05-09 19:41:00

እግዚብሔር ንደቁ ፈጺሙ ኣይሓድጎምን እዩ! ምእንቲ ሰላም ናይ ሶርያ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት እንገብሮ ዘሎና ኣስተንትኖ ሎሚ ኣብቲ ቀንዲ ክፍሊ ማለት ብማይ እናኣጠመቅና ብስም ቅድስት ሥላሴ ኣብ እንገብሮ ሥርዓት ክነተኩር ኢና፣ ኣጥመቀ እንክብል ከምቲ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ.1239 ዘመልክቶ ‘እቲ ማይ-ጥምቀት ኣብ ልEሊU ብዚፍጸም ናይ ርደተ-መንፈስ ቅዱስ (ኤፒክሌሲስ) ጸሎት (ሽዑ ወይ ከኣ ኣብ ዋዜማ ፋሲካ ብዝተገብረ ሥርዓት) ዝተቐደሰ እዩ። እቶም በኣኡ ዚጥመቑ “ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን” ንኺውለዱ፤ ብወዱ ገቢሩ ኣብ ልዕል’ቲ ማይ፤ ኃይሊ-መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ከውርድ፤ ቤተክርስትያን ናብ እግዚኣብሔር ትምህለል።’ ይብል። ናይዚ ኣገባብዚ ትርጉም ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ዝጽሕፎ ‘ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና።’ (6.3-6) ምሥጢረ ጥምቀትከስ ንትንሣኤ ንሓዲስ ሕይወት ኣብ ክርስቶስ በሪ ይኸፍተልና እምበር ንዓለማዊ ሕይወት ኣይኮነን።

መካነ ምጥማቅ ምስ ክርስቶስ ፋሲካ እነብዕለሉ እዩ፣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ እቲ ኣረጊት ሰብ ምስቲ ኣደናጋሪ ስምዒታቱ ይቅበር (ኤፌ 4.22 ተመልከት) ከምኡ እውን እንደገና ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፋ ካልአይቲ መልእኽቱ ብጥምቀት ሃዲስ ፍጥረት ስለዝውለድን እቲ ናይ ጥንቲ ነገራት ፈጺሙ ስለዝሓለፈን ሓደስቲ ነገራት ስለዝውለዳን (5.17) ክብል የረጋግጸልና፣ ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም ኣብ ዝደረሶ ትምህርተ ክርስቶስ እውን ነቶም ሓደስቲ ተጠመቅቲ ኣብ ማይ ጥምቀት ብሓዲስ ከምዝውለዱ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ ‘ኣብ ሓደ ግዜ መትኩም ዳግም ከኣ ተወሊድኩም ሓንቲ መድሓኒት ዝኾነት ሁመት በቲ ሓደ ወገን መቃብር ብትኽክል ከኣ ማሕጸን ወላዲት ይኸውን` ይብል፣ ናይ ሓዲስ ሰብ ዳግመ ልደትከስ ነቲ ብሓጢኣት ኣቦና ኣዳም ዝተለኽፈ ኩሉ ናብ ሓመድ ክምለስ ግዲ ይብል፣ ንምጥማቃት ከኣ በዚ እዩ ከም መቃብርን ማሕጸን ኣደን እንምስሎ ከመይ በዚ ቀሊል ዝመስለና ምሥጢረ ጥምቀት ዝፍጸም ዓቢ ነገር ስለዝኾነ፣ ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነዘ ባዚሊካ ኣብ ምጥማቅ ዘሎ ጥንታዊ ጽሑፍ ክጠቅስ ደስ ይብለኒ፣ እዚ ጽሑፍዚ ንር.ሊ.ጳ ሲስቶ 3ይ ዝምልከት እንክኾን ‘ኣደና ዝኾነት ቤተክርስትያን ነቶም ብኣስተንፍሶ እግዚአብሔር ዝጸነሰቶም ደቃ ብድንግልና ብማይ ጥምቀት ትወልዶም፣ ካብዚ ምንጪ እዚ ዝተወለድኩም ዘበልኩም ንመንግሥተ ሰማያት ብተስፋ ተጸበዩ፣ ይብል፣ እዚ ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ እታ ዳግም ከምእንውለድ ትገብረና ማሕጸን ዝኾነት ቤተክርስትያን ብምሥጢረ ጥምቀት ኣደና ትኸውን፣

ወለድና እንተደኣ ንምድራዊ ሕይወት ወሊዶምና ቤተክርስትያን ከኣ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ብጥምቀት ወሊዳትና፣ ብወዱ ኢየሱስ ኢየሱስ ድቂ እግዚአብሔር ኰና(ሮማ 8.15 ገላ 4.5-7)፣ ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ‘ንስኻ እቲ ፍቁር ወደይ ኢኻ’ )ማቴ 3.17 ዝብል ናይ ሰማያዊ ኣቦና ድምጺ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን ዳግም ከምዝተወለድና ይገልጸልና፣ እዚ ንእዝንና ዘይስማዕ ኣብ ልቢ ኣማኒ ግን ብጽቡቅ ዝስማዕ ድምጺ ሰማያዊ ኣቦና ወትሩ ዘሰንየናን ኣብ ምሉእ መዋዕል ሕይወትና ክንሰምዖ እንኽእልን ድምጺ እዩ፣ ኣብ ምሉእ መዋእል ሕይወትና ሰማያዊ ኣቦና ‘ንስኻ ፍትው ወደይ ኢኻ ንስኺ ፍትውቲ ጓለይ ኢኺ’ ይብለና፣ እግዚአብሔር ከም ኣቦ ብዙሕ የፍቅረና በይንና ክንከውን እውን ኣይሓድገናን፣ እዚ ከኣ ካብ ግዜ ጥምቀትና ኣትሒዙ እዩ ዝገብሮ፣ ከምብሓዲሽ ከምዝተወልዱ ደቂ እግዚአብሔር ኰና እንነብረሉ እዚ እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ጥምቀት ኣይድገምን ከመይ ዘይድምሰስ ማሕተም ስለዝገብር፣ በዚ ከኣ ሕገቆነና 1272 ‘ሽሕኳ ሓጢኣት ናይ ድሕነት ፍረ ንምፍራይ ዘየኽእል እንተኾነ እዚ ማሕተም እዚ ብምንም ሓጢኣት ኣይድምሰስን’ ይብለና፣ ማሕተም ጥምቀት ብምንም ተኣምር ኣይሕከኽን፣ ኣብዚ ግን ገለኹም እወ ኣባቴ ኮይኑ ግን ሓደ ሰብ ካብቶም ዝሓሰሙ ገበርቲ እከይ ኮይን ሰባት ክቀትልን ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክፍጽምን እንከሎ እዚ ማሕተም እዚ ክጠፍእ ኣይክእልንዶ ክብል ይኽእል፣ ኣይፋል እዩ እቲ መልሲ። ሽሕኳ ብዘሕፍር መንገዲ እቲ ነዚ ዝገብር ዳግም ዝተወለደ ውሉድ እግዚአብሔር ይኹን እምበር እቲ ማሕተም ኣይጠፍእን፣ ወላውን እቲ ውሉድ እግዚብሔር ተጻይ ውሉድነቱ ብምኻድ ክኽሕዶ እንተፈተነ እግዚአብሔር ግን ንደቁ ፈጺሙ ኣይሓድግን እዩ፣ ነዚ ተረዲእኩምዎዶ ኣሎኹም፣ እግዚብሔር ንደቁ ፈጺሙ ኣይሓድግን እዩ፣ ሃየስከ ነዚ ድገምዎ፣ እግዚብሔር ንውሉዱ ፈጺሙ ኣይሓድግን፣ እሺ እምበር ከምዚ ጽቡቅ እዩ፣

ብምሥጢረ ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ምስ ተወሃሃዱ እቶም ዝተጠምቁ ‘ምስ በዂሪ ብዙሓት ኣሕዋት’ (ሮማ 8.29) ዝኾነ ክርስቶስ ሓደ ይኾኑ፣ ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ምሥጢረ ጥምቀት የንጽሕ ይቅድስ የጽድቅ በዚ ከኣ ንብዙሓት ምስ ክርስቶስ ሓደ ይገብሮም (1ቆሮ 6.11,12,13) ነዚ ከኣ ቅብዓት ሜሮን ይገልጾ፣ ከምቲ መምርሒ ሮማዊ ሥርዓተ ጥምቀት ሕጻናት ዘመልክቶ ከኣ እዚ ቅብዓተ ሜሮን ‘ንክህነታዊ መዓርግ ናይቲ ዝተጠምቀን መላእ ጉባኤ ሕዝበ እግዚብሔርን የመልክት፣  ስለዝኾነ ከኣ እቲ ኣጠማቂ ካህን ናይ ነፍሲወከፍ ተጠማቂ ርእሲ ብቅብኣ ሜሮን እናቀብኤ ‘እግዚብሔር ብሜሮን ድሕነት ይቅባዕካ ከመይ ኣብቲ ካህንን ንጉሥን ነቢይን ዝኾነ ክርስቶስ ኣቲኻ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ናይ ሰውነቱ ዝኾነት ቤተክርስትያን ኣባል ክትከውን የብቅዕካ’ ይብል፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ጸዋዕታ ክርስትና ኩሉ እዚ እዩ፣ ኣብ ቅድስት ቤተክርስትያን ምስ ክርስቶስ ተዋሃሂድካ ምንባርን ነቲ ተልእኮ ክርስቶስ ንምፍጻም ኣብ ተወፋይነቱ ምስታፍን ኮይኑ ንዘለዓለም ዝኸውን ፍረ ንምፍራይ እዩ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ተደፊእካ ኣብቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ተግባር ካህንን ንጉስን ነቢይን ሕዝበ እግዚአብሔር ንምስታፍን ነቲ ንሱ ዘወፍዮ ተልእኮን ኣገልግሎትን ብሓላፍነት ንምፍጻምን እዩ፣ ኣብ ክህነታውን ትንቢታውን  ኣገልግሎት ክርስቶስ ምስታፍ እንታይ ማለት እዩ እንተበልና ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሃፎ መልእኽቱ ‘እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ኣምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣሎኹ።’ ብማለት ዝገልጾን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ቊ.12 ዘመልክቶ ብእምነትን ፍቅርን እናነበርካ ምስክርነት ብምሃብን ከምቲ መምህርና ክርስቶስ ክነገልግሎ እምበር ክንግልገል ከምዘይተፈጠርና ብምዝካር ንካልኦት ብምግልጋልን ክንምስክር ንኽእል፣ እግዚብሔር ይሃበለይ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣  

 








All the contents on this site are copyrighted ©.