2018-05-09 15:53:00

ዑደት ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣብ ሰሜን ኰርያ


ናይ ሰሜን ኰርያ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ማሕበረ ክርስቲያን ብዘቕረቦ ዕድመ ምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 3 ግንቦት ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝኣመተ ዑደት ከምዘካየደ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ቤት ምኽሪ ኣብ ሰሜን ኰርያ ዘካየዶ ዑደት ድሕሪ እቲ ዕለት 27 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ናይ ክልቲኣተን ኮርያ ብርእሰ ብሔር ሞን ዥ ኢንን ርእሰ ብሔር ኪም ጆንግን ዝተኻየደ ውስጠ ርክብ ምዃኑ ክምልከት እንከሎ፡ እዚ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣብ ሰሜን ኰርያ ዘካየዶ ዑደት ነቲ ናይ ክልቲኣተን ኮርያታት ንሰላም ኣሚተን ንዘካይድኦ ክሌኣዊ ርክብ ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ናይቲ ቤት ምኽሪ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያ ናይ ሓድነት ጉባኤ ልኡካን ናብ ሰሜን ኰርያ ብናይቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኦላን ፍይክሰ ትቫይት ዝተመርሔ ከምዝነበረ የመልክት።

ናይ ሰላም ተስፋ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኰርያ

እቲ ኣብ መንጐ ክልተኣተን ኰርያ ኣብ ፓንሙንጆም ዝተበጽሐ ናይ ስምምዕ ሰነድ ምኽንያት ብሓባር ምስ ናይ ሰሜን ኰርያ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ማሕበር ንእግዚኣብሔር ንምምስጋን ንምጽላይን ብምብቃዕና ዓቢይ ዕድል እዩ እንክብሉ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ኰርያ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ንዀና ዘተባብዕ ዑደት

እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ኰርያ ዘሎ ወትሃደራዊ ውጥረት ዝግ ንምባልን ኣብ መንጐኤን ልውውጥ ምህርትን ባህልን ምትሕብባርን ንምንቕቓሕ እቲ ኣብ 1953 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ስምምዕ ምርጋፍ ኣጽዋር ክንይው ናይ ሰላም ስምምዕ ንምኽዋንን ኣብቲ ከባቢ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ውግእን ወረ ውግእን ዳግም ከይህሉ ዝግበር ጻዕሪ ዘተባብዕን እቲ ናይ ሰላም ከይዲ ብምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምሉእ ክኸውን ሓደራ ዝብል ዑደት ከምዝዀነ ገሊጹ፡

ልኡካን ዓለም ሓቆፍ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ክሌኣዊ ርክብ ምስ ናይ ሰሜን ኮርያ ሕዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር

እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዑደቱ ኣብ ሰሜን ኰርያን፡ ምስ ናይታ ሃገር ናይ ሕዝባዊት ረፓሊካዊት ላዕለዋይ ሕዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ክኢም ዮንግ ናምን ኣብ ሰሜን ኮርያ ምስ ናይ ደቡብ ኮርያ ንሓድነት ዝዓዪ ተቛም ኣቦ መንበር ሪ ጆንግ ህዮክ ከምእተራኽበን ቅድሚ ናብ ሰሜን ኰርያ ምእታዉ እቲ ብመጋቤ ትቫይት ዝተመርሔ ጉጅለ ልኡካን ኣብ ሰውል ኣብ ሰሜን ኮርያ ናይ ሓድነት ጉዳይ ሚኒስተር ቾ ምዩግ ግዮን ከምእተራኸበን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ማሕበረሰብ ንናይ ክልተኣተን ኮርያ ንሓድነትት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ ቀጻሊ ምዃኑ ከም እተገልጸ ናይ ዓለም ሓቆፍ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ መግለጺ ተወኪሱ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.