2018-05-09 15:58:00

ዜና ዕረፍት ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ኦልሚ፡ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ፥ ናይ ድሕነት ታሪኽ ኣብ ናይ ኦልሚ ፊልምታት


ዕለት 5 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኢጣሊያዊ ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ኤርማኖ ኦልሚ ኣብ መበል 86 ዓመት ዕድሚኦም ከምዝዓረፉ ምስ ተነግረ እቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎምን ዓርኰምን ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራኮ ራቫዚ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ብጥቕላላ ኣብቲ ብኦልሚ ዝተደርሱን ዝተቐርጹ ፊልምታት ካብቲ ምልኣት ርውየት ዘይምህላው ዝምንጭው ኣብ ሰብኣዊ ፍጡር ብኑባሬ ካብ ዘሎ ውሳጣዊ ሃውጺ ዝነቐለ ኣሰር ድላይ እምነት ከም ናይ ሓባር ረቛሒ ምልክታ ንረክብ፡ እምነት ንኦልሚ ኣብ ሰብኣዊ ውሳጣዊ ሃውጺ ዝድለይ እዩ፡ ኦልሚ ካብ ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ሓሊፎም ደራስን ቀራጽን ምርኢት እውን ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፁዕ ኣቡነ ራቫዚ ካብተን ፊልምታት ኦልሚ እቲ መርሽ መርሽ ዘርእስቱ ብዛዕባ ሰብኣ ሰገል ዝትርኽ ናይ ስነ ግጥሚ ሊቕነቶም ዘመስከሩሉ ሰብ ኣብቲ ፍጹምን ናብቲ ፍጹምን ሕያው ነጋዲ ምዃኑ ይሕብሩ፡ እቲ ካልእ ወጅሂ ኦልሚ ከኣ፡ ወጅሂ ስግው ክርስትያናውነት እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ኣብቶም ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ዘይፍሉጣት ተገይሮም ኣብ ዝሕሰቡን ዝግልጽ እዩ። ኣብ ስቓይን ድኽነትን መላግቦ ዘለዎ ክርስትና፡ ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዘቕንዕ ደላይ ፍጹምነት ዝብል ክርስትና ብምንባር የመልክቱ፡

ደራስን ጋዜጠይናን ሰርጆ ሳቮሊ ከምዝብልዎ፡ እምነትን ፍቕርን በቢ ዕለቱ ኢኻ እትማርዀ፡ እዚ ኸኣ ንስኻ ብፍቕርን እምነት ምሩኽ ኣብ ምዃን ምዕባይ እዩ እዚ ጉዕዞ’ዚ ግና ምስ ምጥርጣርን ምጥርጣር ኣብ ዓወትን ብሓንሳብ እናተጓዓዝካ እትነብሮ እዩ፡ ስለዚህ እምነት ኣብ ምዃን ኦልሚ ኣብቲ ኩሉ ስነ ጥበባዊ ዕዮኦም ኣብ እምነት ዘይምርዋይ ሰብኣዊ ኩነት ህልው ይገብሩ። እቲ ልክዕ ኣብ 1900 ዓመታት ነቲ ዓበይቲ ደራስያንን ጸሓፍት ፈረንሳውያን ዘቕርብዎ ዝነበረ ዓበይቲ ናይ ህላዌ ሕቶ ዘህልው ክርስትና ዘንጸባርቕ እዩ ኔር እንክብሉ ዝገለጹ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ኣስዒቦም፡ ብኻልእ መዳይ ፊልምታት ኦልሚ፡ ርውየት ኣናረሓቆ ዝኸይድ ናይ ዝመስል መንፈሳውነት ባህርይ ዝሕብር እዩ ዝመስል፡ ከምኡ ምዃኑ እውን ብቐረባ እቲ ሚእቲ መሳምር እተሰምየ ወይ ቑሸት ወረቐት እተሰምየ ፊልምታቶም ይምስክሮ፡ ኣብዘን ፊልምታቶም ነቲ ዋጋ ድሕነትን ዋጋ እምነትን እምነት ካብ መንፈስን ስጋን ዝምንጭው ምዃኑ ዘይገልጽ ካቶሊካውነት ይነቕፉ፡ ብሓጺሩ ናይ መስቀል ክርስትና እዮም ዘርእዩ፡ እዚ ማለት ግና ትንሳኤ ይዝንግዑ ማለት ኣይኰነን፡ ስለምንታይ ዓሚዩቕ  እምነት ዝነበርዎ ብምዃኑ፡ እቲ ኣብ ኵሉ ሰብኣዊ ኩነት ገዛእ ርእሱ ዝገለጽ ክርስቶስ የመላኽቱ፡ ንቲዮሎጊያ ዝብድህ ስነ ጥበባዊ እዮም ዝነበሩ፡ ስግው ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ታሪኽን ምስጢርን ሰብኣውነትን ሰገራውነትን ኣብ ወጅሂ ኦልሚ ነንብብ፡ ብርግጺ ኦልሚ እዚ ኩሉ ኣብ ሰማያዊ ቤት ከይኖም ብጭቡጥ የስተንትንዎ ከምዘለዉ እምነተይ እዩ እንክብሉ ብፁዕነቶም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።      








All the contents on this site are copyrighted ©.