2018-05-09 15:31:00

ጋልቱንግ፡ ቅዱስ ኣቦና ጋዜጠይናነት ንሰላም ሓይሊ ይህቡ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 13 ግንቦት 2018 ዓ.ም. መበል 52 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዝዝከረሉ ዕለት ምኽንያት “ … ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ፡ ናይ ሓሶት ዜናን ጋዜጠይናነት ንሰላምን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣሞርኵይዞም ሰማንያን ሸውዓተን ዓምት ዝዕድመኦም ተወላዲ ኖርወይ ናይ መላእ ዓለም ዜጋ እየ ዝብሉ ኣብ እዋናዊ ዓለም ካብቶም ብሉጻት ሊቃውንቲ ሓደ ተባሂሉ ዝንገረሎም ናይ ስነ ሰላም ባህሊ ምርምርን መጽናዕትን መስራትን ኣብ ዝተፈላለየ መናብርተ ጥበብ ዘስተምሃሩን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ሕቡራት መግስታት ዓለም ውድባት ኣማኻርን ኰይኖም ዘገልግሉ፡ ኣብ 1998 ዓ.ም. Transcend - ስግራውነት እተሰምየ ጐነጽ ኣልቦ ባህሊ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ከመይ ክትግበር ከምዘለዎን ዓመጽ ናብ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ኣብ ምልዋጥ ከይዲ ዝሓንጹን ዓለም ሓቆፍ ማሕበር መስራትን ኣብ ስልሳታት ጋዜጠይናነት ንሰላም መስለይና ፕሮፈሰር ጆሃን ጋቱንግ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ጋዜጠይናነት ንሰላምን ሰላማዊ ጋዜጠይናነት እዋናውነት ዘለዎ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ኣብዚ መዳይ መራኸቢ ብዙሓን ምትብባዕ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብርክቶ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ መዳይ ዝነብርዎ መርሕነትን ዘቕርብዎ ምዕዳንን ሕንጸትን ልዑል እዩ ኢሎም።

ጋዜጠይናነት ንሰላም ዝብል ሓሳብ ኣብ ስልሳታት ንፈለማ ግዜ ዘነቓቕሑን ማሕበር ገይሮም እውን ዘቖምዎ ዕሴት እዩ፡ ብዛዕባ ኵባን ኮንጎን ብዙሕ ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋንን ነቲ ብዛዕባ እዘን ሃገራት ዝንገር ዝነበረ ኣሉታዊ ዜናታት ብሓቂ ናብ ዓመጽን ምስሕሓብን ዘእትው እዩ ኔሩ፡ ሕድሕዳዊ ምውቕቓስን ንውግእ ምድላዋትን ብዙሕ ይረአይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጋዜጠይናነት ንሰላም ዝብል ሓሳብ ብምቕራብ ሓዊ ዘጥፍእን ዓመጽ ክውገድን ኣብ ምግባር ተልእኾ ጋዜጠናነት ዓቢይ ተራ ክህልዎ ከምዝኽእል ከምእተሰቝሮም ምስ ገለጹ፡ ብዛዕባ ሰላም ብዙሕ ዝተመራመሩን ሰላም ዝብል ኣምር ትርጉሙ ምስ ኣዕሞቑ እዚ ኣምር ሰላም ኣብ ምስፋሕ ምስ ተጸምዱ፡ ኣሉታውን እወታውን ዝብል ዓይነት ሰላም ፈልዮም ብምልላይ፡ ኣሉታዊ ጋዜጠይናነት ንሰላም ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ብዓመጽ ብምውጋድ ሰላም ምርግጋጽ ዝብል እዩ፡ እወታዊ ጋዜጠይናነት ንሰላም ግና ዓመጽ ብዘይጐነጻዊ ባህሊ ብምስናፍ ሰላም ምርግጋጽ ዝብል እዩ ምስ በሉ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንእዋናዊ ዓለም ትዕድልቲ እዮም፡ ብዛዕባ ሰላም ዝህብዎ ሕንጸትን ምዕዳንን ሰብኣውነት ዘማእከለ ባህሊ ክሰፍሕ ዘካይድዎ ጻዕሪ ዝነኣድ እዩ፡ እቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ 2018 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መልእኽቲ፡ ጋዜጠይናነት ንሰላም ዘተባብዕን ዝድግፍን እዩ ኢሎም።

ዳርጋ ብዙሓት ሰላም ከመይ ክእመር ከምዘለዎ ዘይፈልጡ እያቶም፡ ሰላም ባህልን ምርምርን መጽናዕትን እውን እዩ፡ ሰብኣውነት እዩ፡ ከምዚ ስለ ዝዀነ ኣሚርካ ኣብ ሰብ ውሽጢ ክሰርጽ ምግባር ይሓትት፡ ስለዚህ መንእሰይ ጋዜጠይናታት ኣብ ጋዜጠይናነት ንሰላም ሕንጸ የድልዮም። እዚ ሓሳብ’ዚ ስነ ምርምር ኰይኑ ኣብቲ ኣብ ዝምህሩሉ ዝነበረ ኮሎምቢያ መንበረ ጥበብ ክቐርብ ከምዝገበሩ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ሕንጸት ንጋዜጠይናነትን ጋዜጠይናነት ንሰላም ዝብል ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ መደብ ሕንጸት ክህሉ ኣለዎ ቢሎም፡ ሰላም ክረጋገጽ ዝዓዪ ባህሊ ጋዜጠይናነት ብምስፋሕ ውግእን ዓመጽን ዘጐሃህር ጋዜጠይናነትን ምውጋድ የድሊ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.